Thursday , May 16 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

መንግስቲ ሩስያ ሽወደናዊ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ካብ ሃገሩ ከወጽእ ኣዚዙ:: መንግስቲ ሩስያ ንሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ሽወደን ኣብ ሃገሩ፣ ከምዝጠረዘ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ጠቒሱ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን፣ ከም ኣታሼ ጉዳያት ባህሊ፣ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ፣ ብሞይኡ ጋዜጠኛን ዲፕሎማሰኛን ዝኾነ፣ ካለክኒቭለ፣  ምኻኑ ተፈሊጡ።  ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ  ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፣ እቲ ፍጻመ ሓቂ ምዃኑ …

Read More »

ምምሕዳር ከተማታት ምስ ከንቲባ ሽወደን ዲሞክራት ናይ ምትሕግጋዝ ጉዳይ ይነጽግዎ።

ካብ ክልተ ምምሕዳራት ከተማ ደቡባዊ ሽወደን ምስ ሳልሳይ ምምሕዳር ከተማ ናይ ቤት ትምህርቲታት ምትሕግጋዝ ውጥን ሰሪዞሞ። እዚ ዝገበሩ እቶም ጸረ ስደተኛታት መርገጺ ዘለዎም ሽወደን ደሞክራትስ ኣብኡ መንግስታዊ ስራሕ ክጅምሩ ስለዝኾኑ ። ኣብ ኣውራጃ ብለኪንግ ደቡብ ሽወደን ከተማታት ካርልሻምን ኦሎፍስትሮም ከሙኡውን ሶልቭስቦርግ ኣብ ብዙሓት ሸነኻት እንተላይ ምውጋድ ጎድፍን ጒዳይ ህጹጽ ሓደጋን ብሓባር እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ኣብ መወዳእታ እዚ ክረምቲ ኣብ ብርኪ …

Read More »

ድሕሪ ዝቐረበሎም ነቐፌታ ፖለቲከኛታት ናይ ቤተመዘክር ክፍሊት ከደናጒዩ ይውስኑ።

18 መንግስቲ ዝውንነን ኣብያተ-መዘክር ናይ መእተዊ ክፍሊት ዘይምኽፋል ውሳኔአን ክቕጽልኦ እየን ተባሂሉ። ኣብ ባይቶኣዊ ኮሚተ ባህላዊ ጒዳያት ዘለዉ ፖለቲከኛታት እቲ ኣብያተ-መዘክር ንህዝቢ ናጻ መታን ክኽውን ፈሰስ ንዋይ ክቘርጽዎ ምዃኖም ኣፍሊጦም። ክርስትያናዊ ዲሞክራት ሮናልድ ኡትቡልት ንጋዜጣ ዳገን ንሂተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነቲ ዝቐረበሎም ነቐፌታ ምስምዖምን ክሳብ ዝመጽእ ጽድያ መእተዊ ብናጻ ክገብርዎ ምዃኖም ገሊጾም፡

Read More »

ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ብፈተነ ቅትለት ይኽሰስ!

ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ። ንሱ ንሓደ ሰብኣይ ብስሕለት ብምጥቃዕ ብልዕቱ ከም ዝቐንጅሖ ቦራስ ቲድኒንግ ጸብጺቡ። እቲ መጥቃዕቲ ሕዳር 17 ምሸት እዩ ኣጋጢሙ። እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ምስ ኣፍቃሪቱ ከይተዓደመ ናብ ቤት ተጠቃዓይ ኣተወ። “ፍጹም ምኽንያት ኣልቦን ኣይረድ ዘብልን ገበን’ዩ” ይብል ግዜያዊ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኦፌ ዣፈርቫል ንጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። እቲ …

Read More »

ኣገልግሎት ዲጂታላዊ ሕክምና ልዑል ወሰኽ ተገልገልቲ ኣርእዩ።

ከምኒ ክራይ(Kry),  ሚን ዶክተርን (Min Doktor) ዝበላ ዲጂታላዊ ዌብሳይታት ተጠቀምተን ምውሳኹ ኣብዚ ዓመትዚ ኣብ ዝተራእየ ምውሳኽ ኣገልግሎት ዲጂታላዊ ሕክምና ተራ ኔርዎ ተባሂሉ። እቲ ትንበያ ከም ዝበሎ ተበጻሕነት ዲጂታላዊ ዌብሳይታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጺሑ’ሎ።ሕሳብ ከፈልቶ ግብሪ ሓደ ቢልዮን ክሮነር ሽወደን ክብጸሕ ከም ዝክእል ድማ ኤስ ቪ ቲ ኒውዝ ጸብጺቡሎ። ዝሓለፈ ዓመት እቲ ቁጽሪ ዲጆታል 200000 ጥራይ እዩ ኔሩ።

Read More »

ኣብ ቨሊንግ ንልመና ዝምልከት ውሳነ ተመሓላሊፉ ።

  እዚ መልእኽቲ ዝመጸ ብውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ምምሕዳር እዩ።”ኣነ ብርግጽ ኣዝየ ሕጉስ እየ። ኣብ መላእ ሽወደን እዚ ጉዳይ ዓቢ ቆላሕታ ክስሕብ ጸኒሑ’ዩ። ብዙሓት ምምሕዳር ከተማታት ነዚ ብኣንክሮ እየን ከክታተለኦ ጸኒሐን።” ትብል ኣደመንበር ቆንስል ምምሕዳር ከተማ ቨሊንግ ካሪና ዉዝለር። ምምሕዳር ከተማ ቨሊንግ ኣብ ሓሙሽተ ውሱናት እተመልከታ ከባቢታት ጥራይ ልመና ፈቒዱ። እዚ ውሳነ ፍትሓዊ እዩ ብዙሓት ምምሕዳር ከተማታት ኣሰሩ ክስዕባ ውን ከተባብዕ …

Read More »

በዓልመዚ ማዕርነት ጾታ(ጀንደር) ተዓጽዩ።

ኮሚተ ዕዮ ሽቅለት ዝሓለፈ ሰሙን ንውጥን ባጀት ለዘብተኛን ክርስትያናዊን ሰልፊታት ዝድግፍ ድምጺ ምሃባ ተረጋጊጹ። እዚ ህጹጽ ፍታሕ ንበዓል መዚ ማዕረ ዕድላት ኣቖጢዕዎ’ሎ።እዚ በዓልመዚ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥሪ 12 እዩ ስርሑ ጀሚሩ። “ኣነን መሳርሕተይን ሎሚ ብዙሕ ኢና ጒሂና” ትብል ዳይረክተር ጀነራል በዓል መዚ ማዕረ ዕድላት ሌና ኣግ። ዋላኳ ኮሚተ ዕዮ ሽቅለት ዝሓለፈ ሰሙን ንውጥን ባጀት ለዘብተኛን ክርስትያናዊን ሰልፊ እንተጽደቐት እቲ …

Read More »

ኢመግረሽን ቦርድ ሽወደን ብዙሕ ወጻኢ ምግባር ከም ዝጽበዮ ይትንበ።

ኣብ ዓመታት 2018 ክሳብ 2021 ብሰንኪ ምዕቋር ባጀት ኤምን ኬዲን ወጻኢታት ቦርድ ስደተኛታት ብሓደ ቢልዮን ክሮነር ክውስኽ ምዃኑ ተገሊጹ። ዳይረክተር ሚካኤል ራበንቪክ ንሪክስዳግ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ንዚ ምግላጹ ቲቲ ጸብጺቡ’ሎ።”ኣብ ዝቕጽል ዓመት ሪጋ፡ ንመስርሕ ዝወስድ ግዜን ተጠቀምቲን ብናህሪ ክውስኽ እዩ” ይብል እቲ ደብዳቤ። ኣቦመንበር ማሕበራዊ ሽማግለ ጆን ፎርሰል ናብ ቲቲ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ “ቀዳምነትና ምክልኻል፡ ፖሊስን ከምኡ ዝመሰለን እዩ” ይብል።

Read More »

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ግጭት 21 ሰባት ከም እተቐትሉ ሬድዮ ፋና ጸብጺቡ::

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራት ብዝተኸስተ ግጭት 21 ሰባት ከም እተቐትሉ ፋና ዝተባህለ መንግስታዊ ሬድዮ ጸብጺቡ። እዚ ግጭት ኣብ መንጎ ብሄራት ኦሮሞን ሶማልን ዘጋጠመ ኮይኑ፥ 61 ዝኾኑ ስባት እውን ግዳይ መቚሰልቲ ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ግርጭት ዓሚ ካብ ዝልዓል ንነጆ ዛጊት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ። ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ በቲ ዘተኣታተዎ ፖለቲካዊ ጽገናን ዕርቂ ምስ ጎረባብቲ …

Read More »

“ኣብ ዝቕጽል ዓመት ሪጋ፥ ንመስርሕ ዝወስድ ግዜን ተመዝገብትን ብናህሪ ክውስኽ እዩ ” ዳይረክተር ጀነራል ኢመግረሽን ስዊድን ሚካኤል ሪበንቪክ

“ኣብ ዝቕጽል ዓመት ሪጋ፥ ንመስርሕ ዝወስድ ግዜን ተመዝገብትን ብናህሪ ክውስኽ እዩ ” ክብል ናብ ኩሎም ኣባላት ኮሚተ ማሕበራዊ መድሕን ባይቶ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ዳይረክተር ጀነራል ኢመግረሽን ስዊድን ሚካኤል ሪበንቪክ  ኣጠንቂቑ:: ቅዳሕ ናይቲ ደብዳቤ እውን  ናብ ማዕከን ዜና ቲቲ በጺሑ ኣሎ።  ብተወሳኺ እቲ ዳይረክተር ጀነራል ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንዋይ ምፍሳስ ቦርድ ስደተኛታት ኣብ 2019 ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሰጒጉ ኣብ 2020 ክመልሶም እዩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com