Sunday , May 19 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርለንዳ 2 ገያሾን ሰራሕተኛ ምቊጽጻር ንብረትን ተጓሲጦም።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርለንዳ ብሰንኪ ክብደት ሻንጣ 2 ገያሾን ሰራሕተኛ ምቊጽጻር ንብረት ከምዝተጓሰጡ ተፈሊጡ። ኣብ መጸበዪ በረራ ወጻኢ ኣርለንዳ ክልተ ገይሾ ካብ ንቡር ኣዝዩ ዝኸብድ ሻንጣ ሒዞም ብምርካቦም ከቢድ ጭቕጭቅ ተኸሲቱ። እዚ ዘጋጠመ ሰራሕተኛታት ምቊጽጻር ንብረት ገያሾ እዚ ክብደት ክጸዓን ከም ዘይክእል ምስ ተነግሮ ቊጥዐ ገያሻይ ብምልዓሉ እዩ። ገያሻይን ሰራሕተኛ ምቊጽጻር ንብረትን ብኡንብኡ ክጓሰጡ ጀሚሮም። መንዩ ነዚ መጥቃዕቲ ጀሚርዎ ኣብ …

Read More »

ዜግነት ሽወደን ክትሓትት እንተኾንካ?

ከምዝፍለጥ ናይ ሽወደን ዜግነት ክትሓትት ከለኻ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ጠለባት ናይ ሃገርካ ፖስፖርት ከምዝሕተት ዝፍለጥ ኮይኑ ገለገለ ሰባት ግን መዓልቱ ዝሓለፈ እሞ ዘይተሓደሰ ፖስፖርት ከም ናይ መንነት መረጋገጺ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ዜግነት የገልግል ምኻኑ ብዘይ ምፍላጥ ኣብ ዘይተደልየ ምንዋሕ ግዜ ይወድቁ ስለዘለው እዚ ሓበሬታ ናብ ኩሉ ክባጻሕ ንላቦ:: ምድላው ኣልኮምፒስ ክፍሊ ትግርኛ

Read More »

ፍቓድ ምምራሕ መኪና ከተውጽኡ ትሓስቡ እንተሊኹም ነዘን ዝስዕባ መምርሒታት ኣቕልቡለን።

– ብቑዕ ሞያ ምምህርና ምስ ዘለዎ ሰብ ስልጠና ውሰዱ። እዚ ናብ ማእክል መሰልጠኒ ምዝዋር መኪና ብምኻድ ወይውን ብውልቂ ክኢላ ሰብ ብምቚጻር ወኡውን ብኽልቲኡ ክግበር ይክኣል። ናብ ማእክል መሰልጠኒ ምዝዋር መኪና ብምኻድ ወይውን ብውልቂ ክኢላ ሰብ ብምቚጻር ምልምማድ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ እዩ። መምህርካ ኩሉ ምስ ምምራሕ መካይን ዝተሓሓዝ ነገራት ከም ዝምህረካ ግበር። ኣብታ ሾርኮርት ትበሃል በራሪት ወረቐት መምሃሪት ምምራሕ መኪና ዘሎ …

Read More »

ኩባንያ ኣባይቲ ማልመ ኣብ ቅድሚ ጐረባብቱ ብዘርኣዮ ዘነውር ባህርያት ናይ ሓደ ሰብኣይ ክራይ ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እታ ኩባንያ እዚ ሰብኣይ ሽርጥ ጥራይ ተኸዲኑ ዕርቃኑ ንግዳም ከምዝወጽእን ደረጃታት እቲ ኣባይቲ ከም ዝጥቀምን ምፍላጡ ኣረዲኡ። እዚ ሰብኣይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብጾታዊ ትንኮያን ስምዒት ጐረባብቱ ብምጒድኡን ተኸሲሱ’ሎ። ናይዚ ሰብኣይ ጒዳይ ንቃልዕ ክወጽእ ዝጀመረ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዋዜማ በዓል ልደት ኮይኑ ብዘይካ ሽርጥ ዕርቃኑ ኮይኑ ኣብ ኣስካላ ምስ ተራእየ እዩ ኣቓልቦ ክስሕብ ዝጀመረ፡ እዚ ሰብኣይ ኣብ ኣፍደገ ኣባይቲ ጐረባብቱን …

Read More »

ሽወደናውያን ካብ ማንም ህዝቢ ንላዕሊ ተጓዓዝቲ እዮም ተባሂሉ።

ኣብ ዓመተ 2017 26 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ብመዓርፎ ነፈርቲ ስቶክሆልም ከም ዝገሹ ተፈሊጡ። ብመሰረት ጸብጻብ ተሌቪዥን ሽወደን ምስቲ ኣብ ፖላንድ ዝካየድ ኣኼባ ህሉው ኲነታት ኣየር ብዝተሓሓዘ ሽወደናውያን ብገምጋም ልዕሊ ዝኾን ዜጋ ካልእ ሃገር ሓሙሽተ ግዜ ብነፈርቲ ይገሹ ኣለዉ። ኣብ 90ታት ማእከላይ ገምጋም መገሻ ሽወደናዊ ዜጋ ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ጥራይ እዩ ኔሩ። ሎም ዓመት ግና ሓንሳብ ጥራይ እዩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ …

Read More »

“መርበብ ሚድያ ኣልኮምፒስ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ጸለውቲ ኣባላት ማሕበረሰብ ሽወደን 2018 ብምባል ተረቌሓ።”ሜትሮ

ሜትሮ ዝተባህለት ጋዜጣ ሽወደን ንመርበብ ሚድያ ኣልኮምፒስ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ጸለውቲ ኣባላት ማሕበረሰብ ሽወደን 2018 ብምባል ረቚሓታ። ኣልኮምፒስ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዝርዝር “ልዩስ ሁቭድ” መበል 22 ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ” ብዛዕባ ማሕበረሰቦም ብዙሕ ክንፈልጥ ጌሮምና” ብምባል ናእዳኣ ገሊጻ። ብዛዕባ ኣልኮምፒስ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ” ኣልኮምፒስ ኣሽሓት ሓደስቲ መጻእተኛታት ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ንኽወሃሃዱ ከም ድልድል ኮይና ምግልጋላ” ገሊጻ። እዚ ዝኸውን …

Read More »

ጥሪ 16 ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ክግበር እዩ።

ቀጻላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን መን’ዩ ክኸውን? ብመሰረት ኣፈኛ ባይቶ ኣንድርያስ ኖርለን ጥሪ 16 ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ክግበር እዩ። ኣንድርያስ ኖርለን ነዚ ዘፍለጥ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ። ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ ኣንድርያስ ኖርለን እዚ ባህ እናበሎ ዝሃቦ መግለጺ ዘይምዃኑ ገሊጹ። ” እዚ ነገር ቅድሚ በዓል ልደት ክዛዘም ኔርዎ፡ እዚ ብዘይምዃኑ ግሁይ እየ። ሽወደን ሓድሽ መንግስቲ የድልያሎ” ኢሉ። ዝሓለፋ ሳምንታት …

Read More »

ነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ብሪጣንያውያን ብ “ንኹሉ ማዕረ ዝኾነ ኲነታት ” ክነብሩ ከም ዝፍቀደሎም ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓቢራ::

ብመሰረት ሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ብሪጣንያውያን ብ “ንኹሉ ማዕረ ኣብ ዝኾነ ኲነታት ” ክነብሩ ከም ዝፍቀደሎም ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሬድዮ ሸወደን ሓቢራ። ኮሚሽን ኣውሮጳ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዋላውን ብሪጣንያ ብ 29 መጋቢት ካብ ኣባልነት ኣብ እትወጸሉት እዋን ከምዚ ዓይነት ስምምዕ እንተዘይተገብረ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ዓደን ንዝቕመጡ ብሪጣንያውያን ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰል ክህባ ጸዊዓ። ብዛዕባ ኣብ …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 21 ታሕሳስ 2018

Read More »

ንሰባት ክልምኑ ኣገዲድኩም ብዝብል ሽዱሽተ ሰብኡት ተኸሲሶም።

ሽዱሽተ ሰብኡት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ሰባት ካብ ቡልጋርያ ብምስግጋርን ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ኣከባቢ ብምሕያርን ንኽልምኑ ብምግዳድን ተኸሲሶም። እዚ ኣብ ሸውደን ምናልባት እቲ ዝዓበየ ብሕጊ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ምስግጋር ሰባት ከይኮነ ኣይተርፍን ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ወረዳ ቫዦ ላዕለዋይ ዳኛ ዳንኤል ሃራልድሰን ንሬድዮ ሸውደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዞም ግዳያት ብዘይስሩዕ ኣገባብ ኣብ መጻወድያ ምእታዎም: ገሊኣቶም ናብ ሸወደን ምስ ኣተዉ ብዛዕባ ዝሰርሕዎ ስራሕ ወይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com