Friday , April 26 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ካብ ሰሉስ ባሕቲ ጥሪ ጀሚሩ ሓድሽ ዝጸደቐ ባጀት ሽወደን ናብ ትግባረ ክሰጋገር ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ባጀት ብኸመይ ሂወት ሰባት ክጸሉ እዩ? እንታይ ትሕዝቶን ዝርዝራትን ከ ኣለዎ? ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ባእታታት እዚ ባጀት ኣብ ኩሉ ምጒዳል ቀረጽ ክግበር’ዩ ዝብል እዩ። እዚ ንጡረታን ድጎማ ህንጻን ውን ዘጠቓልል እዩ። ካብ ባሕቲ ጥሪ ጀሚሩ ዓመታዊ ናይ 10 ቢልዮን ክሮነር ምጒዳል ቀረጽ ክህሉ እዩ። ኣብ ኩሎም ሰራሕተኛታት ዝጸዓን ቀረጽ ብ 210 ክሮነር ክጐድል እዩ ማለት’ዩ። እዚ ባጀት ብናይ ዓመታዊ …

Read More »

ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ብዛዕባ ጥርናፈ ስድራ ቤት ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ እዮም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ብዛዕባ ጥርናፈ ስድራ ቤትዝምልከት ጽባሕ ዕለት 15 ታሕሳስ 2018 ኣብ ከተማ ኡሩብሩ ካብ ሰዓት 1  ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ከካይዱ ምኻኖም ወደብቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሓቢሮም። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዝላዓሉ ሕቶታት እቲ ቀንዲ ጉዳይ ምጥርናፍ ስድራቤትን እቲ ግዝያዊ ሕጊ ዘስዓቦ ምብትታን ስድራቤታትን ኣብ ግምት ኣትዩ እቲ ሕጊ ዳግማይ ኣብ ዝግምገመሉ ግዜ ንመሰል ስድራቤታዊ ሓድነትን መሰል …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 14 ታሕሳስ 2018

Read More »

ዘተ ሰላም የመን ኣብ ስቶክሆልም ተዛዚሙ።

ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስቶክሆልም ክካየድ ዝጸንሐ ርክብ ዘተ ሰላም ወከልቲ ሑቲን መንግስቲ የመንን ሎሚ ክዛዘም’ዩ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ኣንቶንዮ ጋተርስ ኣብ መዛዘሚ ለበዋታት እቲ ኣኼባ ድሕሪ ምስታፍ ሰዓት 13: 45 ኣቢሉ ንውጽኢታት ዘተ ክልቲኦም ወገናት ብዝምልከት ጋዜጣዊ ዋዕላ ክህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ነዚ ዘተ ከካየድ ዝመወሉ ሚኒስተራት ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዕዉት ንምግባርን ኣብ ዝመጽእ …

Read More »

“ሓወይ ቅድሚ ሕጂ ተፈሪዱ ኣይፈልጥን እዩ”ሓው ሳልሕ ኣል-ሓዳሪ ዝኾነ ኣሕመድ

ሓው ሳልሕ ኣል-ሓዳሪ ዝኾነ ኣሕመድ ረቡዕ ንግሆ ድሕሪ ዘጋጠመ ቅትለት ሓዉ፥ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባቲ ጒዳይ ዝሃብኦ ሸፈነን ግብረመልሲ ኣንበብቲን ኣመልኪቱ ምስ ኮምብስ ቃለመጠይቕ ጌሩ። ኣሕመድ ነዚ ቃለመጠይቕ ክገብር ዝደረኾ እቲ ኣብ ጋዜጣታት ዝተዋህብ ንሓድሕዱ ዝራጸም ጸብጻባትን ርእይቶታት ኣንበብቲን ምዃኑ ገሉጹ’ሎ። “ኣንበብቲ ነዚ ብግፍዒ እተቐትለ ሓወይን ሰቖቓ ስድራቤቱን ምንም ግምት ኣይሃቡን” ይብል ኣሕመድ። ንባዕላቶም ዳኛታት ሕብረተሰብ ሽወደን ብምግባር ሓላፍነት ዝጐደሎ ርእይቶታት …

Read More »

ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ብናህሪ ምውሳኽ ኣርእዩ’ሎ።

ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ ቊጽሪ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ናይ እተዋፈሩ ኮተቴ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብናህሪ ምውሳኽ ኣርእዩ’ሎ። 75 ሚእታዊት እዞም ኰተቴ ዕድሚኦም ካብ 25 ክሳብ 25 እዩ። ገሊኣቶም ክኣ ካብዚ ዝነኣሱ’ዮም። እዞም ከውሊ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኰተቴ ነቲ ብጐሓላሉ እተረኽበ ገንዘብ ናብ ባንክ ሕሳቦም ብምእታው እዮም ነዚ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ዝፍጽሙ። እዚ ገንዘብ መብዛሕቱኡ ግዜ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝጥረ ኣይኮነን። ካብ ኣዛውንትን …

Read More »

ወዲ 51 ዓመት ሳልሕ እድሪስ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ጥይት ሞይቱ ተረኺቡ::

ኣስማት ዕሉላት ገበነኛታት ወይ ጥርጡራት ንህዝቢ ቃልዕ ምግባር ኣብ ጋዜጣታት ሽወደን ሳሕቲ ዝርአ ልምዲ እዩ ። ካብዚ ያታ ፍልይ ብዝበል ጋዜጣ ኤክስፕረስ ሎሚ ኣብ ማልም ናይ እተቐትለ ወዲ 51 ዓመት ሳልሕ እድሪስ ዛንታ ንኣንበብቲ ኣጽሕያ። እታ ጋዜጣ ንሳልሕ ዕሉል ገበንኛ ምንባሩን ኣብ ቀረባ ግዜ ፈተን ቅትለት ፈጺሙ ሃዲሙ ምሰዋሩን ተሪኻ። እቲ ገበንኛ ሎሚ ንግሆ ኣብ ርእሱ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ጥይት ሞይቱ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ጸረ ግብረሽበራዊ ዘመተ ኣካይዱ።

ፖሊስ ሽወደን ብፍሉይ ተልእኾ ጸረ-ግብረሽበራ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ምዕራባዊ ሽወደን መጠነ-ሰፊሕ ዘመተ ከም ዘካየደ ብረቡዕ ኣፍሊጡ። ክሳብ ሕጂ ወኪል ስለያ ሸወደን( ሴቦ) ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ኣፈኛ ፖሊስ ክሪስተር ፋችስበሪ ግና ኣብዚ ስርሒት ፖሊስ ኩሉ ዓቐሞም ይጥቀሙ ምህላዎም ገሊጹሎ።

Read More »

ኣብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ዝሰርሑ ኣሽሓት ቁጹራት ናይ ምብራር ስግኣት ኣለዎም ተባሂሉ።

ኣልኮምፒስ – ስቶክሆልም : ቤትጽሕፈት ዕዮ ብውሽጣዊ ሴርኩላር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክእለዩ ተኽእሎ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ከምኡውን ባጀት ዓቃባዊ ሰልፊ እንተጸዲቑ ስምምዕ እተበጽሓሎም ፕሮግራማት ክቕየሩ ከም ዝኽእሉ ኣልኮምፒስ ምፍላጡ ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ሴርኩላር ባጀት ሰልፊ እንተጸዲቑ እቲ ቤትጽሕፈት ነቶም ዝኣተዎም ናይ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ውዕላት ክስርዝ ተኽእሎ ኣሎ። ባይቶ ሽወደን ሎሚ ቀትሪ ኣብ ባጀት 2019 ድምጺ ክህብ እዩ። …

Read More »

መራሒ ዴሳዊ ሰልፊ ስተቫን ሎፊን ነቲ ብዓቃባዊን ክርስትያናዊን ሰልፊ ዝወጸ ጥሙር ንድፊ ባጀት “ድርባይ መሃረብ’ዩ ብምባል ነጺግዎ።

መራሒ ዴሳዊ ሰልፊ ስተቫን ሎፊን ነቲ ብዓቃባዊን ክርስትያናዊን ሰልፊ ዝወጸ ጥሙር ንድፊ ባጀት “ድርባይ መሃረብ’ዩ….ሃገር በዚ መሃረብ ኣይትካየድን’ያ”ብምባል ነጺግዎ። “እዚ ልፍንታዊ ባጀት ድምጺ እንድሕር ረኺቡ ኦልፍ ክሪስተርሰን ድምጺ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ዳግመ ግምት ክግበረሉ ኣለዎ” ብምባል ሉፈን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። “ባይቶ ነዚ ልፍንታዊ ንድፊ ባጀት እንድሕር ድምጺ ሂብሉ ዴሞክራስያውያን ኣምባሳደራት ከኣ እንተ ደጊፎሞ ጽባሕ ን ክሪስተርሰን ዳግመ ግምት ክንገብረሉ ኢና” ኢሉ። እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com