Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣብ ደቡብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ውሽጢ ቤት ብዘጋጠመ ምፍንጃር ሓደ ሰብ ሞይቱ።

ሰንበት መዓልቲ ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ከባቢ vårberg, ሓደ ሰብ ብባርዕ ምሟቱ ከም እተፈልጠ ተገሊጹ። ፖሊስ ብዛዕባዚ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ከባቢ ሰዓት 15:00 እዮም ተሓቢሮም። ዋላኳ ንህዝቢ ስግኣት ዝኽውን ከም ዘይኮነ እንተተነግረ እዚ ባርዕ ብምንታይ ምኽንያት ከም እተኸስተ ክሳብ ዝፍለጥ ህዝቢ ካብቲ ከባቢ ግልል ክብል ግና ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ፖሊስ ጎድኒ ጎድኒ መርመራኦም ምስ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እውን ኣዛሪቦም ኣለዉ። ብመሰረት …

Read More »

በዓል መዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሓኺኹ’ሎ።

በዓል መዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ኣብ መርመራ ትምህርታዊ ብቕዓት ምትላል ፈጺምኩም ኢኹም ብዝብል ናይ 22 ሰባት ምስክር ወረቐት ሓኺኹ’ሎ። እንተኾነ 12 ካብዚኣቶም ድሮ በቲ ዝተዋህብዎ ውጽኢት ተጠቒሞም ኣብ ዪኒቨርሲቲ ሽወደን ትምህርቶም ይከታተሉ ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ኣርባዕተ ሰባት ብዘቕረብዎ ናይ ሓሶት ውጽኢት ተቐባልነት ምርካቦም እንተኾን ግና ጸኒሑ ትምህርቲ ከቋርጹ ከም እተገብረ ሓላፊት መርመራ ብቅዓት ትምህርቲ ሽወደን Cecilia Marklund ንሬድዮ …

Read More »

ፖሊስ ስሕለት ሒዙ ሰባት ዘፈራርህ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእትዮም።

ኣብ ስቶክሆልም ፖሊስ ንሓደ ስሕለት ሒዙ ኣብ ኮሌጅ södertorn ሰባት ዘፈራርህ ሰብን ካልእ ጥርጡርን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእትዮም። በዓልመዚ ፖሊስ Tui Heig ንጋዜጣ Aftonbladet ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓደ ሰብ ከም እተሃስየ ኣመልኪቱ’ሎ። ፖሊስ ጻውዒት ካብ እተቐበልሉ ሰዓት 9፡49 ጀሚሮም ነቲ ቦታ ይፍትሽዎ ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ። ፖሊስ ንሓደ ካብዞም ክሱሳት ተመሃሮ ኸኣ ንኻልእ ቅትለት ክፍጽም ዝፈተነ ጥርጡር ንምሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

ባህሊ ምጽውዋርን ጥቕምታቱን ብበሪሁሉ ብኣማን

ተጻዋርነት ከም ኣምር ክግለጽ እንከሎ ንባህላዊ ብዙሕነት፣ ክዉንነት ከባቢኻን ዓለምን ባህርያት ደቂ ሰብን ምቕባልን ምኽባርን ማለት’ዩ። ዝኾነ ሰብ ባህሊ ተጻዋርነት ከማዕብል እንተኾይኑ፣ ንጽቢብ ኣተሓሳስባ ዝብድህ ፍልጠት ክቐስም፥ ክፉትን ናጻን ምብሃሃልን ከዘውትር፥ ኣብ ፍልልያት ውህደት ንምፍጣር ክጽዕር፥ ንሰባት ናይ ሓሳብ ናጽነት ክህብ፥ ወ.ዘ.ተ ክኽእል ኣለዎ። መለለዪ ጸዋር ባህርይ እዚ እዩ። ባህሊ ተጻዋርነት፣ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ፣ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ምስፋን ዓቢ ተራ …

Read More »

ዜናታት ኣልኮምፒስ 08 Februari 2019

ኣርእስተ ዜናታት 1. ሩስያ መጠነ-ሰፊሕ ልምምድ ስርሒት ኲናት ተካይድ። 2 ፖሊስ ሽወደን ንዝተነቐፈሉ ቁጽጽር ዶባት ከማሓይሽ እየ ኢሉ።

Read More »

6 የካቲት ሃገራዊ መዓልቲ ሳመር እዩ።

6 የካቲት ሃገራዊ መዓልቲ ሳሚ ተባዒሉ ውዒሉ።። በዚ ዕለት እቶም ብሸነኽ ሰሜን ካብ ኖርዌይ ክሳብ ሩስያ ተዘርጊሖም ዝርከቡ ደቀባት ህዝብታት ተዘኪሮምን ተባዒሎምን ይውዕሉ። ሽወደን ሃገራዊ ጒባኤ ሳሚን ንዕኡ ዝጽንብልን መደበር ሬድዮ ኣለዋ። እንተኾነ ግና ሜላን ልምድን መንብሮ ሳሚ ዛጊት ዝግብኦ ሓለዋ ይግበረሉ የሎን እዩ ዝበሃል። ዋላኳ ቀንዲ ደራኺት እቲ ውዕል ባዕላ እንተነበረት ሽወደን ዛጊት ከታሚት ናይቲ ኣብ 1991 ዝጸደቐ ውዕል …

Read More »

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ክሳብ 2024 ሚእቲ ሽሕ ስራሕ ክደሊ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝመጻ ሒደት ዓመታት ኣብ መዳይ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ዓብዪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ክገጥሞ ምዃኑ ተገሊጹ”ሎ። እዚ ኲነታት ብኣግኡ እንተዘይተቐዪሩ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እዚ እተጠቕሰ ሞያ ዘለዎም ሰባት ክሳብ ዓመተ 2024 ክሰኣኑ ምዃኖም ብፍላይ ድማ መዳያት ጥዕናን ማሕበራዊ ትምህርትን በዚ ክህሰያ እየን ክብል እቲ በዓልመዚ ገሊጹ’ሎ። ካልእ በዚ ኣዝዩ ዝጽሎ ጽላት ክፍሊ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ቀረብ ሞያ …

Read More »

በዓል መዚ ጉምሩክ ፍሉይ መስመር ቴለፎን ይኸፍት።

ሰባት ዝኾነ ናይ ኮንትራባንድ ስርሓት እንተ ተዓዚቦም ብ ቊጽሪ ስልኪ ስልኪ 90144 ጥርዓን ከቕርቡ ካስተምስ ሽወደን (ጉምሩክ) ኣተሓሳሲቡ። እዚ መስመር ቴሊፎን 24 ሰዓታት ብተጠንቅቕ ዝከታተል ኮይኑ ስኑይ እዩ ስርሑ ጀሚሩ። ሰባት ስሞም ዓቂቦም ከይተሰከፉ መልእኽቶም ድሕሪ መስመር ብምፍናው ምስ ኣባላት ጸጥታን ስለያን እቲ ክፍሊ ክራኸቡ ክኽእሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ካስተምስ ሽወደን ሓላፊ ሓለዋ ሕጊ Lars Kristoffersson, እቲ ትካል ምስ ህዝቢ …

Read More »

ዓቢ ናይ ስራሕ ዕድል ንተርጎምቲ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ማልታ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት( UNHCR) እቲ ትካል ቀንዲ ተልእኾኡ ንዝኾኑ ዕማማት( ማለት ምምዝጋብ ምቕባል ምስፋርን ምክትታልን ስደተኛታት) ኣብ ምፍጻም ወሳኒ ተራ ይጻወቱ ዝበሎም ተርጐምቲ ቋንቋ ትግርኛ ክቆጽር ስለዝደለየ ደለይቲ ስራሕ ከተመልክቱ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ትሕብር። ኣብዚ እዋን እዚ ትካል ኣብ ኣድላዪ ቦታ ተመዲቦም ናይ ዝሰርሑ ተቘጸርቲ መዝገብ ኣብ ምድላው ተጸሚዱ ምህላዉ ይፍለጥ። ብኸመይ ተመልክት፥ ከተመልክት ድሌት እንተሎካ ምሉእ ሓበሬታኻ …

Read More »

ዩቶበሪ : ሰራሕተኛታት ተመሲሎም ዝሰርቁ ጉሒላታት

ጒሒላታት ኣብ ዩቶበሪ ናይ ተክኒክ ሰራሕተኛታት ብምምሳልን ማዕጾ ኳሕኲሖም ብምእታዉን ይሰርቁ። ሓደ ካብዞም ጒሒላ ኣብ ከባቢ Högsbo  ማዕጾ ምስ ኳሕኲሐ ጓል ትሽዓተ ዓመት ህጻን እያ ከፊታቶ። ማዕጾ ከዐሪ እየ ብዝብል ሰበብ ከኣ ንውሽጢ ገዛ ኣትዩ። ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን እዚ ኣጋጣሚ ብመሰረቱ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ 15 ተመሳሰልቲ ክስተታት ተጸብጺቦም ኣለዉ። እዚ ወንጀል ኣብ መስመር ትራም 3 ካብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com