Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣብ ሜዲተራንያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ተሰዊራ ተባሂሉ።

ሰብኣውያን ውድባት ነዛ ቆልዑን ኣንስትን ዝርከብዎም 23 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ሰኑይ መዓልቲ ክደልዩዋ ምብጋሶም ተገሊጹ’ሎ። ብምኽንያት ኣብ ሊብያ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሰኑይ መዓልቲ ካብዞም ስደተኛታት ናይ ርድኡና መልእኽቲ ከም እተሰምዐ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሰሉስ ንግሆ ሓደ ሰባኣዊ ውድብ እታ ጃልባ ደሃይ ካብ እተጥፍእ 33 ሰዓታት ምግባራ ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ሽወደን ንኽልተ ኣባላት ኣከራኻሪ ሩስያዊ ስነጥበባዊ ጒጅለ ፍቓድ መንበሪ ሂባ።

ቤትፍርዲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ንኽልተ ኣባላት ኣከራኻሪ ሩስያዊ ስነጥበባዊ ጒጅለ ብቦርድ ኢሚግሬሽን ድሕሪ ምንጻጎም ፍቓድ መንበሪ ክወሃቡ ምውሳኑ ተፈሊጡ። እዚ ጒጅለ ባህሊ መደበሩ ኣብ ሞስኮ ዝገበረ ናይ ደቀንስትዮ ሙዚቃዊ ባንድ ኮይኑ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገሮም ኣብ ምሕድግ ዝበሉ ከባቢታት ሩስያ ምርኢት ዘቕርቡ ምንባሮም ይብገረሎም። ኣብ ወርሓ ለካቲት 2012 ኣርባዕተ ኣባላት እዚ ጒጅለ ንስርዓት ምሕደራ ፑቲን ዝቃወም ምርኢት ኣብ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም ሞስኮ …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ነበር Göran Persson ሓድሽ ኣቦመንበር ስዊድ ባንክ ክኸውን እዩ።

ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ባንካታት ሽወደን ዝኾነ ስዊድ ባንክ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ነበር Göran Persson ሓድሽ ኣቦመንበር ስዊድ ባንክ ክኸውን ምውሳኑ ኣፍሊጡ። ኣቐዲማ ኣደ መንበር ዝነበረት Bergiti Bonison ብፍቓዳ ካብ ስልጣና ድሕሪ ምልቃቓ እዩ እዚ ሓድሽ ምርቋሕ ዝግበር ዘሎ። “መሳጢ ዓወታት ዘለዎ ስፍሕ ዝበለ ኣህጒራዊ መርበባት ዝውንን ኣብ ፋይናንሳዊ ስርሒታት ከኣ ጽቡቕ ተመኲሮ ዘለዎ እዩ” ክብክ ሓደ …

Read More »

ኢንዶኔዥያ ርእሰ ከተማኣ ካብ ጃካርታ ከትግዕዝ እያ ተባሂሉ።

ሚኒስተር ውጠና እታ ሃገር ቦምባንግ ብሮዦንጎሮ ንፕረሲደንት እታ ሃገር ብምጥቃስ እዚ ኣገዳሲ ውሳነ እዩ ምባሉ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ሓድሽ ርእሰ ከተማ ኣበይ እዩ ክኸውን ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን። እንተኾነ ግና ጸብጻባት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝሕብርዎ ኣብ ደሴት ቦርንዮ እትርከብ ፓላንግካርያ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዋ’ሎ። 10 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ጃካርታ ብዝለዓለ ፍጥነት ናብ ባሕሪ ትጥሕል ምህላዋ ይፍለጥ።

Read More »

ኣቦን ክልተ ኣሕዋትን ኣካያዲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ስሪላንካ ተቐቲሎም።

ኣካያዲ ናይዚ ብሰንበት ኣብ ከተማ ኮሎምቦ እተኻየደ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዛህራን ሓሽም ኣቦኡን ክልተ ኣሕዋቱን ኣባላት ጸጥታ ብዝገበርዎ ስርሒት ከም እተቐትሉ ቢቢሲ ገሊጹ’ሎ። ዛህራን ሓሽም መስራቲ ናይቲ ብሕጊ እተኣገደ እስላማዊ ጒጅለ እዩ ኔሩ። ሰንበት መዓልቲ ፋስጋ ኣብ ቤተክርስትያን ኮሎምቦ ንነብሱ ብምፍንጃር ልዕሊ 250 ሰባት ምቕታሉ ይዝከር።

Read More »

ኣብ Huddinge ናይ ሓደ ሰብኣይ ሬሳ ምርካቦም ፖሊስ ሓቢሮም።

ፖሊስ ሰኑይ መዓልቲ ካብ ስቶክሆልም ውጽእ ኢሉ ኣብ Huddinge ናይ ሓደ ሰብኣይ ሬሳ ምርካቦም ተፈሉጡ። እዚ ሰብኣይ ብኢደሰብ ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎም ጥርጣረ ገሊጾም ኣለዉ። ኣፈኛ ፖሊስ Anna Westburg ጠንቂ ሞት እዚ ሰብኣይ ዛጊት ከም ዘይተፈልጠን ፖሊስ ኣፈናዊ መርመራ ምጅማሮምን ገሊጻ’ላ። ፖሊስ ነቲ ቦታ ገበን ድሕሪ ምኽርዳን ኣድላዪ ዘበለ ናይ ጭብጢ እለሻ ምክያዶም ከኣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም ኣለዉ። …

Read More »

ትፈልጡዶ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ኣብ ግዜ ዓርቢ ስቐለት፡ ህዝቢ ናብቲ ቀጽሪ ቤትክርስትያን ኣትዩ (ብፍላይ ኣንስቲ)፡ ክላላይሶ ይብል እዩ። ክላላይሶ ግን እንታይ ማለት እዩ። ከምቲ ስዒቡ ዚድገም፡ ክላላይሶ መሓረና ክርስቶስ፡ ክላላይሶ ማለት መሓረና ጎይታ ማለት እዩ። እዚ ቃልዚ ካብ ግሪኽ KYRIE ELEISON ማለት ምሓረና ጎይታ ዝመንጨወ እዩ። ኣዴታትና ኣብ ክንዲ ኪሪየ አለይሶን ዚብላ፡ ክላላይሶ ኢለንኦ። 2. ፋዱስ ዚብል ቃል ብትግርኛ ፍርቂ መዓልቲ ማለት እዩ። …

Read More »

ስደተኛታት መሃይማን እዮም ዝበለ ፖከቲከኛ ዓቃባዊ ሰልፊ ካብ ስርሓ ተሰጔጋ።።

ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ዓቃባውያን ኣብ ዮተበሪ Lina Ferm ድሕሪቲ ዝወረዳ ነቐፌታ ካብ ስርሓ ተሰናቢታ’ላ። “እዚ ናይ ትዊተር መልእኽታ ምስ መትከላት ዓቃባዊ ሰልፊ ብፍጹም ዝሳነ ኣይኮነን” ይብል መካየዲ እቲ ሰልፊ ኣብ ዮተበሪ ዴቪድ ጆሰፍሰን። ንሳ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽታ”መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት መሃይማን እዮም…ምስዚኣቶም ምንም ክስራሕ ኣይከኣልን እዩ” ኢላኳ እንተነበረት ነቐፌታ ምስወረዳ ነቲ መልእኽቲ ሓኺኻቶ’ላ። እቲ መልእኽቲ ምጽሓፋ ከም ዘጣዓሳ እኳ እንተገለጸት ስለምንታይ …

Read More »

ዝወሓዱ ሽወደናውያን ፌስታል ከም ዝጥቀሙ ተገሊጹ።

ብመሰረት መጽናዕቲ ኤጀንሲ ምዕቃብ ከባቢ ሽወደን ኣብ ሸመታ ፌስታል ዝጥቀሙ ሽወደናውያን ቊጽሮም ብ 10 ሚእታዊት ጐዲሉ’ሎ። እዚ ማለት ኣብ 2017 ነፍሲወከፍ 114 ፌስታል ዝገዝእ ዝነበረ ሕጂ ናብ 102 ጐዲሉ ኣሎ። “እዚ ምጒዳል ዘተባብዕ እኳ እንተኾነ ናብቲ ዝዓለምናዮ ሽቶ ንምብጻሕ ገና ብዙሕ ምስራሕ ከድልየና እዩ” ክትብል Agnes Whelen ካብ ኤጀንሲ ምዕቃብ ከባቢ ሽወደን ገሊጻላ።

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ጓል ተዓሚጻ።

ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ጓል ሎም ንግሆ ኣብ ሽስቶክሆልም ጫካ ምምሕዳር ከተማ Hodinghe ከም እተዓመጸት ተፈሊጡ። ፖሊስ መርመራኦም ጀሚሮም ኣለዉ ። እቲ ገበን ኣብ ሰዓት 7:35 ቅድሚ ቀትሪ ዘጋጠመ ኮይኑ እታ ጓል ናብ ቤትትምህርቲ እናኸደት እያ ተዓሚጻ ተባሂሉ’ሎ። ኣኽባር ሕጊ ነታ ግዳይ ከም ትሕቲ ዕደመ ኮያን ከም ዝረኸባን ብምግላጽ ነዚ ጒዳይ “ዓቢ ቆላሕታ ዘድልዮ ገበን” ክብሉ መዲቦሞ’ለዉ። በዓል መዚ ፖሊስ ስቶክሆልም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com