Thursday , May 16 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 19 ሚያዚያ 2019

Read More »

መጠንቀቅታ ካብ ፖሊስ ሽወደን

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ዋዜማ በዓል ፋስጋ ዘቤታዊ ስርቂ ብፍላይ ድማ ስርቂ ስልማት ወርቂን ካልእን ወሲኹ ምህላዉ ገሊጾም። በዓልመዚ ክፍሊ ገበን Mats Lunden ኣብ እዋን ፋስጋ ብዙሓት ስድራቤታት ኣባይቶም ዓጽዮም ንገጠር ስለዝኸዱ ንሰረቕቲ ምቹእ ከምዝኸውንን ፖሊስ ካብ ዝሓለፈ ስታቲስቲክስ ብዛዕባዚ ጽቡቕ ግንዛበ ከም ዘለዎምን ገሊጹ። ሓደ ልሙድ ኣገባብ ስርቂ መስኮት ወይ ማዕጾ ገበላ ምስባር እዩ። ስለዚ ድማ ሰብቤት እዞም ዝስዕቡ ጥንቃቐታት …

Read More »

ኢጣልያ: ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ኣትዮም ኣለዉ ክትብል ገሊጻ።

ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ኣትዮም ኣለዉ ክትብል ኢጣልያ ገሊጻ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ማትዮ ሳልቫኖ ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ብዘሎ ዕግርግር ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ብጀላቡ ይመጹ ምህላዎምን ኢጣልያ ወደባታ ክትዓጹ ምዃናን ኣፍሊጣ’ላ። “እስላማውያን ግብረሽበራውያን ንኣውሮጳ ሓደጋ ክኾኑ ኣይኽእሉን እዮም፡ ይኹን’ምበር ጸሊቘም ምእታዎም ፍሉጥ እዩ” ክብል ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ ገሊጹ። መራሒ ሰልፊ ጸረስደተኛታት ሳላፋኒ ኣብ ሊብያ ምሉእ ኲናት እንተተባሪዑ ኢጣልያ ፖሊሲኣ ከመይ ክኸውን …

Read More »

“ስጋ ንምጥባስ ክትወጹ እንተደሊኹም ጥንቃቐ ግበሩ” ክትብል Toura Thomasdotter ገሊጻ።

ኣብ እዋን በዓል ፋስጋ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት እዛ ሃገር ምስዋር ሓዊ መሮር ክህሉ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ ሰባት ብዛዕባ ናይ ግዳም ናውቲ መጥበሲ ስጋ ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲባ። “ስጋ ንምጥባስ ክትወጹ እንተደሊኹም ጥንቃቐ ግበሩ” ክትብል ክኢላ ክሊማ Toura Thomasdotter ገሊጻ’ላ። ኣብ ገበላኹም ወይ ኣብ ጽርግያ እንተገበርኩሞ ይሓይሽ ኢላ። እቲ ዝሓለፈ ጽድያ ነቒጹ ዝነበረ ሳዕሪ መሊሱ ደሪቑ ምህላዉ ኸኣ ወሲኻ ገሊጻ።

Read More »

ሽወደናዊት ኣክቲቪስት Greta Tunberg ምስ ጳጳስ በነዲክት መበል 16 ተራኺባ።

እዛ 16 ዝዕድሜኣ ሽወደናዊት መንእሰይ ረቡዕ መዓልቲ እያ ኣብ ሮማ ምስ ጳጳስ ተራኺባ። ርክቦም ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ኣንጻር ዓለማዊ ክሊማዊ ለውጢ እዩ። ግሬታ ሓንቲ ጓሉ ንደራሲን ተዋሳይን Svent Tunberg ከምኡ’ውን ህብብቲ ኦፔረኛ Malina Eherman እያ። ንሳ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ “ኣዝዩ ሕያዋይ ሰባኣይ እዩ። ክቕጽሎ ኸኣ ኣተባቢዑኒ’ሎ” ኢላ። ግሬታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኤስፐርገር ሲንድሮም ዝተሰምየ ዓይነት ሕማም …

Read More »

ፖሊስን ሰራዊትን ብሄሊኮፕተር ተሰን ዮም ጠፊኣ ንዝተባህለት ኣዛውንቲ ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ምምሕዳር ከተማ ማርክ ብሰሉስ ምሸት ሃለዋታ ንዘጠፍአ ጓል 70 ዓመት ኣዛውንቲ ንምርካብ ፖሊስ :መጫነውቲ ኣኽላባት: ሄሊኮፕተርን ጒጅለ ሰራዊትን ኣብ ጽዑቕ ናይ ምድላይ ስራሕ ምውፋሮም ተገሊጹ። “እዛ ኣዛውንቲ ትማሊ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ እያ ካብ ቤታ ወጺኣ፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ናብ ቤታ ኣይተመልሰትን” ክብሉ ትማል ለይቲ ስድራቤታ ሰዓት 23 ናብ ፖሊስ ጻውዒት ጌሮም። “ነዛ ሰበይቲ መጫነውቲ ኣኽላባትን ሄሊኮፕተርን …

Read More »

ልግሲ + ህንጡይነት + ተበግሶ = ዓንዲ ብልጽግና (5)

ልግሲ ኣብ ህይወትካ እተመዝግቦ ብልጽግና ናይ በይንኻ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቀንዲ መሰረት ብልጽግና ውልቃዊ ጻዕሪን ክእለትን እኳ እንተኾነ እትነብረሉ ከባቢን ሕብረተሰብን እውን ኣብ ብልጽግናኻ ተራ ኽህልዎ ስለዝኽእል፣ ብልጽግናኻ ንብልጽግና ካልኦት ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ። እዚ መታን ክረጋገጽ ነቲ ከም እትብልጽግ ዝገበረካ ዕጥቂ ጅሆ ከይሓዝካ ካልኦት’ውን ከም ዝጥቀምሉን ከም ዝነቕሑሉን ክትገብር ይግብኣካ። እዚ ኸኣ’ዩ ልግሲ ዝበሃል። ልግሲ ክልተኣዊ ስለዝኾነ ነገራውን ሓሳባውን ትሕዝቶኻ ክትሓብኣሉ …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Swedish News on Tigrigna 15 ሚያዚያ 2019

Read More »

ሴቭ ዘ ችልድረን ጨንፈር ሽወደን ውሉዳት ሽወደናውያን ዳዕሽ ካብ ሶርያ ክትመልሶም ጸቕጢ ይገብር።

ሴቭ ዘ ችልድረን ጨንፈር ሽወደን ውሉዳት ሽወደናውያን ዳዕሽ እዮም ተባሂሎም ንዝጥርጠሩ ቈልዑ ካብ ሶርያ ክትመልሶም ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብዚ ሰሙን ተወላዲ ሽወደንን ቀንዲ መልማሊ ዳዕሽን ዝነበረ Michael Skramoን በዓልቲ ቤቱ Amanda Gonzalezን ምስ ሽወዓተ ደቈም ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ብጥምየት ዓቢሮም ተራእዮም ዝብል ዜና ድሕሪ ምግዋሑ እዩ እዚ ዝስዕብ ዘሎ። እቲ ትካል ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ንትግበራ …

Read More »

ስደተኛታት ንሽወደን ከም ቤቶም እዮም ዝርእይዋ ተባሂሉ።

ብመሰረት ሓደ ኣብ ጒዳይ ምውህሃድ ስደተኛታት ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝበዝሑ ዘይኣውሮጳውያን ስደተኛታት ካብ ዓዶም ንላዕሊ ኣብ ሽወደን ምህላው ውሕስነት ከም ዝስምዖም ተገሊጹ። እዚ መጽናዕቲ ልዕሊ 6000 ስደተኛታት ሕቶ ኣብ ምምላስ ምስታፎም ተፈሊጡ። ትካል ፍዩቸር ስታዲስ ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ዝመጹ ዘይኣውሮጳዉያን ስደተኛታት ን ሽወደን ብኸመይ ይርእይዋ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ምስ 6500 ስደተኛታት ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ኣዳልዩ ኔሩ። ዋላኳ ኣብ ማዕከናት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com