Thursday , May 16 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣመርካ ንሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ግብረሽበራዊ ክትብል ትኸስስ።

ፕረዚደስንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ኣህጒራዊ ግብረሽበራዊ ውድብ እዩ ክብል ከሲሱ። ኣመርካ ንናይ ካልእ ሃገር ወተሃደራዊ መዋቕር ግብረሽበራዊ እዩ ዝብል ምልከታ ክትገብር እዚ ናይ ፈለማ እዩ። ኢራን ብወገና ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነቘጠ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ግበረ ሽበራዊ ክትብል ግብረመልሳ ሂባ ኣላ። ኣብ መንጐ ጤህራንን ዋሽንግተንን ዝጸንሐ ወጥሪ ምስ ምምጻእ ትራምፕን ምስሓብ ኣመሪካ ካብ ኣህጒራዊ ኪዳን ኑክሌር ኢራን …

Read More »

ኣብ ጥንታዊ መቓብር ግብጺ ብመድሃኒት ዝተዓቀበ ሬሳታት ኣናጹ ተረኺቡ።

ኣብዚ ስሉም መቓብር ብዘይካ”ዘን ኣናጹ ካልእ ብዙሕ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ናውቲን ዝነቐጹ እንስሳታትን ተረኺቡ ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። እዚ መቓብር ልዕሊ 2ሽሕ ዓመታት ዝገበረ ምዃኑ ክኢላታት ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ናይ ቱቱ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓልመዚን በዓልቲ ቤቱን መቓብር እዩ ድማ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ካብ ከተማ ካይሮ ንደቡብ 390 ኪ.ሜ ኣብ ዝርሕቕ ቦታ ተረኺቡ ዝበሃል ዘሎ ጥንታዊ ኣርኪኦሎጂካዊ ቅርሲ መስሕብ በጻሕቲ ክኸውን እዩ ኢሉ ከም …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ Nordea ባንክ

ብዛዕባ ናይ ሓሶት ጻውዒታትን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲታት እተዋህበ መጠንቀቕታ! እዚ ብዛዕባ መታለልቲ ንዓማዊልና እንህቦ መጠንቀቕታ ኮይኑ መታለልቲ ካብ ባንክ ወይ መንግስታዊ በዓል መዚ ምዃኖም ብምግላጽ ገንዘብ የታልሉ ምህላዎም እዩ። ምሳኻ ርክብ ክገብር ንዝደሊ ሰብ ዝርዝር ውልቃዊ ኮድካ ወይ ሕሳብ ባንክኻ ፈጺምካ ኣይትንገር ። ኣብዚ ግዜዚ ናይ ሓሶት ናይ ጽሑፍ መልእኽቲታት ይዞሩ ኣለዉ። ኣድራሻኻን ሓድሽ ekod ክትመልእን ክትሕተት ኢኻ። እዚ ካብ …

Read More »

8 ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካብ ስቶክሆልም ናብ ካልኦት ከተማታት ክግዕዙ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ።

ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካብ ስቶክሆልም ናብ ካል ኦት ከተማታት ክግዕዙ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ። መንግስቲ ሽወደን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካብ ስቶክሆልም ክ ወ ጹ መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ከምዘሎ ተሓቢሩ። እተን ክግዕዛ ኣብ መጽናዕቲ ዘለዋ ኣብያተ ጽሕፈት እዘን ዝስዕባ እየን። Arbetsförmedlingen  CSN   Försäkringskassan   Kriminalvården  Lantmäteriet  Pensionsmyndigheten  Polismyndigheten   Skatteverket

Read More »

መበል 25 ዓመት “ህልቂት ሩዋንዳውያን” ተዘኪሩ።

እቲ ነዚ ዘስካሕክሕ ማሕረዲ ክውዳእ ንዝገበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመርሐ ፖል ካጋመ ንዝኽሪ እቲ መዓልቲ ችቦ ወሊዑ። ሩዋንዳውያን ኣብ 1994 800 ሽሕ ዜጋታት ንዝተቐዝፉሉ ማሕረዲ ንምዝካር ን ሚእቲ መዓልታት ኣብ ዝኽሪ ክጸንሑ እዮም። ሩዋንዳውያን 100 መዓልታት ዝኽሪ ዝጸንሑሉ ምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲን ለዘብተኛታት ሁቱን ዝተኻየደ ህልቂት ኣብ ሚእቲ መዓልታት ብምክያዱ እዩ።

Read More »

ቅልውላው ሊብያ : ኣብ ጥቓ ትርቡሊ ኣብ ዝተገብረ ኲናት 21 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ከባቢ ከተማ ትርቡሊ ኣብ ዝተገብረ ኲናት 21 ሰባግ ሞይቶም 27 ድማ ከም ዝቘሰሉ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገድ መንግስቲ ሊብያ ኣፍሊጡ። ኣቐዲሙ ሕቡራት ሃገራት ቊሱላት መታን ናብ ሕክምና ክውሰዱ ናይ ክልተ ሰዓታት ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ጸዊዑ ኔሩ። እንተኾነ ግና ዝኾነይዂን ምንካይ ተዂሲ ኣይተራእየን። ብጀነራል ኸሊፋ ሓፍጣር ዝምራሕ ዕጡቕ ከተማ ትርቡሊ ንምቊጽጻር ካብ ምብራቕ እናገስገሱ ክመጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፋየዝ ስራጅ …

Read More »

ትፈልጡዶ?

ኣብ ከባቢ 1930ታት እቲ ኣብ ኣስመራ ዚሽየጥ ዝነበረ ናይ ሚነራል ማይ ወይ ኣኳ ሚነራለ ኣብቲ ጥርሙዝ ብቛንቋ ጥልያን ከምዚ ዚስዕብ (label) ተለጢፉዎ ነይሩ። Fortemente Radioattiva ትርጉሙ፥ ኣዚዩ ናይ ኑክለሳዊ ጸርጊ ትሕዝቶ ኣለዎ ማለት እዩ። እቲ ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ንጥዕና ዚከታተል ዶቶር ጋስፓሪኒ፡ ነቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝውቱር ዝነበረ ግን ግጉይ ርእይቶ እዩ ሒዙ ዝጎዓዝ ዝነበረ። ኣብቲ እዋንቲ፡ ኣብ ኤውሮጳ …

Read More »

ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትርቡሊ ሓድሽ ኲናት ሕድሕድ ተላቢዑ ይበሃል ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻባት እዚ ተዂሲ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ኻሊፋ ሓፍጣርን ደገፍቲ መንግስቲ ምስ ዝኾኑ ሓይልታትን ኮይኑ ኣብ ሰለስተ ምምሕዳራት ደቡባዊ ክፋል ትርቡሊ እዩ እቲ ኲናት ዝካየድ ዘሎ። ትርቡሊ ሕቡራት መንግታት ኣፍልጦ ዝሃበሉ መንግስቲ ዝቕመጠላ ከተማ ምዃና ይፍለጥ።

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ሰፈራታት ምዕራባዊ ገማግም ክጎበጥ እየ ይብል።

እስራኤላውያን ሰሉስ ናብ ምርጫ ኣብ ዝወጹሉ ግዜ ናተንያሁን ደገፍዩቱ የማናውያን ሰልፊታትን ምዕራባዊ ገማግም ክንወርር ኢና ዝብል መብጽዓ ይህቡ ምህላዎም ተፈሊጡ። እቶም ሰፈራታት ብኣህጒራዊ ሕጊ ሕጋውነት ዘይብሎም እኳ እንተኾኑ እስራኤል ኣንጻሩ ክትከራኸር ምጽንሓ ይፍለጥ። ዝሓለፈ ወርሒ ኣመሪካ ነቲ እስራኤል ብሓይሊ ኣተቘጻጸረቶ ምዕራባዊ ገማግም ናይ እስራኤል ሉኣላዊ ግዝኣት እዩ ኢላ ኣፍልጦ ምሃባ ይዝከር።

Read More »

ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን ናብ ማእከላዊ ወተሃደራዊ እዚ ካርቱም ይበጽሕ።

ኣሽሓት ትቓወምቲ ሰልፈኛታት ሱዳን ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ኣብ ታሪኽ ዘመነ ኣልበሽር እቲ ዝዓበየ ዝበሃል ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ካርቱም ሰልፈኛታት ናብ ማእከላዊ ወተሃደራዊ እዚ በጺሖም ኣለዉ። እቲ ቀጽሪ ፕረዚደንት ካብቲ ቦታ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ እዩ ዝርከብ። ኣባላት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም ብዙሓት ሰባት ክኣ ኣሲሮም ኣለዉ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com