Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኮሜቴ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ ዳዊት ኢሳቕ መልሲ ኣይረኸበን። ጋዜጣ ዳገንስ ኔሄተር

ኤርትራ ኣብ መጋባእያ ሰብ ኣዊ መሰላት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጀኔቫ ብተወካሊ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዝኾነ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ተወኪላ ኣብ ዝቀረበትሉ መድረኽ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተነቅፈትን ሃለዋት እሱራት ከተፍልጥ ከምዘለዋ ከምዝተሓተት ደቡብ ኣፍሪቃዊ Christof Heynsፕሮፊሰር ገሊጹ። ጉዳይ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ እውን ብሓባር መስቶም ካልኦት ጋዜጠኛታት ከምዝተሓታተሉን መልሲ ከምዘይረኸቡን ሓቢሩ።

Read More »

Ylva Johansson ብእማመ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ከም ዘይዓገበት ትገልጽ።

ሚኒስተር ዕዮ Ylva Johansson ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ነቲ ብጥሪ እተበጽሐ ስምምዕ ዝተርጐመሉ ኣገባብ ከም ዘየዕገባ ገሊጻ። ብመሰረት ሚኒስተር ዕዮ እዚ ኣብያተ ጽሕፈት ዕዮ ክዕጸዋ ዝብል ናይ ሎሚ መልእኽቲ እማመ ክቐርብ ኣይነበሮን። – ዳይረክተር ጀነራል ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ህዉኽ ስጒምቲ ዝወሰደ ይመስለኒ። ኣገልግሎት ዕዮ ብመንግስቲ እተዋህቦ ዕማም ምድህሳስ ቅርጺ ኣብያተ ጽሕፈት ኣብ ምድላውን ኣብ ዘይግዜኦም ንሓዋሩ ዝጠፍኡ …

Read More »

5 ኤርትራውያን ጎየይቲ ኣብ ዴንማርክ ተሰዊሮም።

ኣብ ዴንማርክ ክግበር ኣብ ዝቀነየ ዓለምለኻዊ ውድድር ጉያ እግሪ ክሳተፉ ካብ ዝመጹ ተወዳደርቲ ኤርትራውያን 5 ከምዝተሰወሩ ፖሊስ ዴንማርክ ንፌደረሽን ኣትለቲክስ ዴንማርክ ከምዝሓበረ ሎካላቪኾን ዝተባህለት ጋጤታ ሓቢራ።

Read More »

ዴንማርክ ዜግነት ቆልዑ ዳዕሽ ክትሓክኽ እያ ይበሃል ኣሎ።

ብመሰረት ስምምዕ ሰልፊ ህዝቢን መንግስቲን ዴንማርክ ዜግነት ቆልዑ ዳዕሽ ክትሓክኽ እያ። ሚኒስተር ምውህሃድ ዴንማርክ ካብ ዳዕሽ ወለዲ ዝውለዱ ቈልዕ ቅድሚ ሕጂ ዜግነት ክወሃቡ ጸኒሖም እዮም። ሕጂ ግና ምስ ዳዕሽ ዝተጸንበሩ ይኹን ኣብ ወጻኢ እተወልዱ ቈልዑ ዜግነት ዴንማርክ ኣይክረኽቡን እዮም ኢሉ።

Read More »

ጀርመን ካብ ባሕሪ ዝደሓኑ 300 ስደተኛታት ክትቅበል ምዃና ገሊጻ።

ጀርመን ካብ ባሕሪ ዝደሓኑ ሰለስተ ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ክትቅበል ድልውቲ ምዃና እንተኾነ ግና ሃገራት ኣውሮጳ ምቕባል ኣብየናኦም ኣብ ባሕሪ ዝተዓግቱ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝርከብዎም ደርዘናት ስደተኛታት ዛጊት ምህላዎም ገሊጻ። እቲ ኣብ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ዝፍጽም C-ዋች ዝተባህል ሰባኣዊ ውድብ ኣብ ታሕሳስ 22 ን 32 ሰባት ምድሓኑን ኣብ ታሕሳስ 29 ክኣ ካልኦት 17 ሰባት ምድሓኑን ገሊጹ’ሎ። እዘን መራኽብ ብጠቕላላ 49 ሰባት …

Read More »

ሓተተቲ ዕቚባ ንመግብን መጽለሊን ጾታዊ ርክብ ይሕተታ ምህላወን ተገሊጹ።

ኣብ ከተማ ዩቶበሪ ዝነጥፋ ወለንታውያን ውድባት ብዘይመሰነይታ ዝመጹ ሓተትቲ ዕቚባ ጾታዊ መጥቃዕቲ ይወርዶም ምህላዉ ገሊጻ። 18 ዓመት ብምምላኦም ናይ ባዕሎም ቤት ከናድዩ ዝንቀሳቐሱ ኮተቴ መግብን መጽለልን ንምርካብ ጾታዊ ርክብ ይሕተታ ምህላወን ተገሊጹ። ኣጋፐ ዝተባህለ ትካል ዛጊት 20 ዝኾኑ ከምዚ ዝበሉ ጒዳያት ከም ዝፈልጥ ገሊጹ’ሎ። መብዛሕትኦም ፈጸምቲ እዚ ተግባር ኣካረይቲ እዞም ሓተትቲ ዕቚባ እዮም ክትብል በዓልቲ መዚ እቲ ውድብ Matilda Brink …

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 29 መጋቢት 2019

Read More »

ወዲ 1 ወርሒ ህጻን ዝኸንሸቡ ወለዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ወለዲ ኣብ ልዕሊ 1 ወርሒ ዝዕድሚኡ ናጽላኦም ናይ ምኽንሻብ ስርሒት ብምፍጻሞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። እዚ ገበን ኣብ ወርሒ መስከረም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከባቢ Örnsköldsvik ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። እዞም 33 ን 26 ዝዕድሚኣም ሰብ ሓዳር ንናጽላኦም ኣብ ውሽጢ መኪና እዮም ናይ ምኽንሻብ ስርሒት ኣካይዶምሉ። ብመሰረት ኣኽባር ሕጊ እዞም ወለዲ ምንም ፍቓድ ምክንሻብ ዘይብሎም ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ዝኾነ …

Read More »

ኣብ 2019-2020 ክዕጸው ዝተወሰነሎም ኣብያተ ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት እዞም ዝስዕቡ ምካኖም ሎሚ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

AleAlvestaAnebyArbogaAskersundBergBjurholmBjuvBodenBorgholmBromöllaBräckeBurlövBåstadDals-EdDoroteaEksjöEmmabodaEnköpingFagerstaFalkenbergFalköpingFalunFinspångFlenForshagaGrumsGöteborgGöteborgGöteborgHagforsHallsbergHallstahammarHedemoraHoforsHylteHälleforsHärjedalenHärnösandHärrydaHässleholmHöganäsKarlskogaKilKindaKlippanKristinehamnKrokomKumlaKungsbackaLaholmLandskronaLaxåLeksandLerumLesseboLjusnarsbergLundMalmöMalung-SälenMalåMariestadMarkMarkarydMellerudMullsjöMunkedalMunkforsMönsteråsMörbylångaNoraNordanstigNordmalingNorsjöNybroOckelboOlofströmOrsaOvanåkerPartillePiteåRagundaRobertsforsRonnebySigtunaSkaraSorseleSotenäsStenungsundStockholmStockholmStockholmStorforsStorumanSträngnäsSunneSvedalaSvenljungaSävsjöSöderhamnSölvesborgTanumTimråTingsrydTomelillaTorsbyTranemoTrelleborgTyresöTäbyUlricehamnUpplands VäsbyUppvidingeVaggerydValdemarsvikVansbroVindelnVårgårdaVänersborgVännäsÅngeÅrjängÅseleÅstorpÅtvidabergÄlvdalenÄlvdalenÄngelholmÖrkelljungaÖsthammarÖstra GöingeÖvertorneå

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 26 መጋቢት 2019

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com