Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ናይ ውልቅኻ ትካል ምኽፋት

ኣብ ዓመተ 2017፡ ጠቕላላ ቁጽሪ ናይ’ቶም፡ ኣብ ሽወደን ወነንቲ ትካላት ዝኾኑ ሰባት፡ 500 000 በጺሑ። ብቑጽሪ ደረጃ ክርአ እንከሎ፡ ወነንቲ ትካላት፡ 9% ናይ’ቶም ኣብ ዕዳጋ-ዕዮ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት እዮም። ናይ ውልቂ ትካል ክትከፍቱ መደብ ምስ ዝህልወኩም፡ ዝተፈላለያ ድርጅታትን መንግስታውያን ትካላትን፡ ምኽርን ሓገዝን ክልግሳልኩም ይኽእላ እየን። ንኣብነት ትካል ኣልሚ (ALMI) ከምኡ’ውን ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ ዝመሰላ ማለት’ዩ። ኣብ’ዞም መርበብ ሓበሬታታት www.tillvaxtverket.se ከምኡ …

Read More »

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሓዪሮም ዝነበሩ 13 ሽወደናውያን ተመሊሶም።

ጋዜጣ ስቨንስካ ዳግብላዴት ን ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብምጥቃስ ከም ዝሓበረቶ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብገበናውያን ጒጅለታት ተሓዪሮም ዝነበሩ 13 ሽወደናውያን ናብ ሽወደን ከም ዝምለሱ ተጌሮም ኣለዉ። እዞም ሕዩራት ናብ መንቆል ዓዶም ክበጽሑን ደሃይ ክገብሩን እዮም ናብተን ሃገራት ጌሾም ኔሮም። መብዛሕትኡ እዚ ምሕያር ኣብ ኬንያን ሶማልን ዝተኻየደ ምንባሩ እታ ጋዜጣ ኣብሪሃ’ላ። እዞም እሱራት ንማህረምቲ ማእሰርቲን ካልእ ጎነጽን ተቓሊዖም ምንባሮም እታ …

Read More »

ዴንማርክ ኣብ ዶባት ሽወደን ዘሎ ጸጥታዊ ኲነታት ንከተሕይሎ ፍተሻ ከተካይድ ሙዃና ገሊጻ።

መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ ሃገሩ ዘሎ መጠን ገበን ከጒድል ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ገበን ንምዕጋት ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ሕጊታት ኣብ ምድላው ምውሳኖም ከኣ ይንገር ኣሎ። ሓደ ካብዞም ሕጊታት ንሽወደን ዝምልከት እዩ። ካብ ሕዳር 12 ጀሚሩ ፖሊስ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲኣተን ሃገራት ንዝንቀሳቐሱ ሰባት ፍተሻ ከካይዱ ምዃኖም ድማ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብዚ ፍተሻ ዝኣቱ ኩሉ ሰብ ዘይኮነ ኣብ ገበን ዝተዋፈሩ ሰባት ብፍላይ ምዃኖም …

Read More »

ኣብ ሽወደን ቀዋሚ መንበሪ ንምርካብ ናይ ቋንቋ መርመራ ክተኣታቶ እዩ።

መራሒ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኢባ ቦሽ ቶር ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣብ ሽወደን ቀዋሚ መንበሪን ዜግነትን ክረኽቡ ዘመልክቱ ሰባት ናይ ቋንቋ መርመራ ክገብሩ ክሕተቱ እዮም ኢላ። ኣብ ጒዳይ ሓደስቲ መጻእቲ ኣብ ክንዲ ምምሕዳራት ከተማ መንግስቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ክትወስድ ጸዊዓ’ላ። ብኻልእ መዳይ ቡሽ ነዚ ኣብ መንጐ ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፥ ከባቢ፥ ሊበራልን ማእከልን ዘሎ ምትሕብባር ባጀት ነዚ ናይ ቋንቋ መርመራ ከምቲደፍኣሉ ገሊጻ። ንሳ …

Read More »

ኣብያተ መግቢ ሽወደን በርገር ኪንግ ንዓማዊሉ ዝሓደረ ዓይነታት መግቢ የቕርብ ምህላዉ ተገሊጹ።

ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝገበረቶ መርመራ እቲ ክጐሓፍ ዝግብኦ መግቢ ኣብዘን ህቡባት ኣብያተ መግቢ ይሽየጥ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣብዘን ኣብያተ መግቢ ኣናጹ ከም እተራእያ ገለ ተገልገልቲ ገሊጾም ኣለዉ። እንተኾነ እታ ጋዜጣ ስም ናይተን ኣብያተ መግቢ ካብ ምርቋሕ ተቘጢባ’ላ። ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ምስ ገለ ካብዞም ሰራሕተኛታት ኣን ዝገበረቶ ዕላል ዝሓደረን ክጐሓፍ ዝግብኦ መግብን ስለምንታይ ንዓማዊል ክቐርብ ይግበር ኣሎ ኢላ ሓቲታ’ላ። ኣካያዲ እቲ ትካላት ብወገኑ …

Read More »

ዋጋታት ትኬት SL መጛዓዓዝያ ከተማ ስቶኮልም ካብ ወርሒ ጥሪ ከምዝውስኽ ተገሊጹ።

ካብ ዝመጽእ ሓዱሽ ዓመት 2020 ጀሚሩ ብ40 ክሮነር ኣብ ወርሓዊ ካርድ SL ከተማ ስቶኮልም ማለት 930 ክሮነር ን ወርሓዊ ካርድ  ከምዝኸውን መርበብ ሓቤረታ ስቫኒስክ ዳግብላደት ገሊጻ። እዚ ወስክ ኣብ ሰለስተ ክብረ በብዓመት ዝውስኽ ኮይኑ ስጋብ 2022 ዝቕጽል እዩ። እቲ ቀዳማይ ወስኽ ኣብ ጥሪ 2, 2020 ብ 40 ክሮነር ብምውሳኽ ዋጋ ወርሓዊ ካርድ SL 930 ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ስልሳይ ድማ …

Read More »

ኣካያዲ ኢስፕረሶ ንሰራሕተኛታቱ ብምፍርርሁ ብ ጋዜጣ ይቃላዕ ።

ኣካያዲ ህብብቲ እንዳ እስፕሬሶ ንሰራሕተኛታቱ ክሳብ 12 ሽሕን 500 ክሮና ካብ ጁባኦም ቀረጽ ከኽፍሎም ምዃኑ ብምፍርራህ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ሓንቲ ጋዜጣ ሽወደን ኣቃሊዓ። ዓደግቲ ዝኾነ ኣቕሓ ወይ ኣግልግሎት እንክገዝኡ ቅብሊት ክወሃቡ ሕጊ ሽወደን የገድድ እዩ። ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴ ብገለ ተጠቀምቲ ኣብ ዘዘራረበትሉ ብሰንኪ ብኲራት ቊጽጽር በዓልመዚ ቀረጽ ሰራሕተኛታት ናብ ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ምፍርራህ ይቃልዑ ኣለዉ ኢሎም ኣለዉ። “እዚ ፍጹም ዘይምኽንያታዊ ክፍሊት እዩ፡ …

Read More »

ፈይስቡክ ሓድሽ ኣገባብ ከተኣታቱ እዩ።

ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ፈይስቡክ ላይክ ምባል እቲ ቐንዲ ናይቲ ኩባንያ መለለዪ እዩ ኰይኑ ጸኒሑ። እዚ ኣገባብ’ዚ፡ ንዝበዛሕና ስእሊታትና ክሳብ ክንደይ ጽቡቓት እዮም፡ ወይ ዝጸሓፍናዮም ዳእላታት ክሳብ ክንዲ ምንታይ ኣስሓቕቲ . . .ወዘተ ብእኡ እናመዘንና ምኻድ ካብ እንጅምር ውሑድ ኣይገበርናን። ኩባንያ ፈይስቡክ ብወገኑ፡ ስሙ ምስዛ ላይክ ኣመና ብምትሕሓዙ ኣብ ኣፍደገ ማእከል ምምሕዳር’ቲ ትካል ከይተረፈ ከም ኣርማ ኰይና ከም እትስቀል ገይሩ …

Read More »

ብሰንኪ ኣገባብ ኣሰራርሓ፡ መንገዲ ኣየር ስካንድናቭያ (SAS) መቕጻዕቲ የንጸላልዋ!!

ሽወደናዊ ናይ ንግዲ በዓል መዚ (Swedish Business Environment Authority) ንመንገዲ ኣየር ስካንድናቭያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ድኽመት ኣገባብ ኣሰራርሓ እንተዘይኣማሓይሻ ከምኡ ድማ ንዘጋጥሙ ጸገማት ኣብ ግዝይኡ እንተ ዘይኣለልያ መቕጻዕቲ ክብየነላ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ዘጋጥሙ ጸገማት ንምልላይ መንገዲ ኣየር ስካንድናቭያ ከም ተወሳኺ ኣብ ናይ ደገ ምንጭታትን ዓቕምን ክትሙርከስ ከምዘለዋ፡ እቲ በዓል መዚ ጠሊቡ። እዛ መንገዲ ኣየር’ዚኣ ንፈለማ ግዝየኣ ኣይኮነትን ትውቀስ ዘላ። ሽወደናዊ ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ …

Read More »

ሽወደን ንሕቶ መንበሪ ፍቓድ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ከም ተቃልሎ ሓቢራ።

ኩነታት መንበሪ ፍቓድ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ እንግሊዛውያን ኣብ ቅንያት ብረግዚት (Brexit without deal) ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ብዘይ ስምምዕ ኣብ ትወጻሉ እዋን መንግስቲ ሽወደን መስርሕ ምሕታት መንበሪ ፍቓድ ንዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ከተቃልለሎም ምዄና ኣፍሊጣ። ንሕቶ መንበሪ ፍቓድ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝን ስድራ ቤቶምን ዝምልከት ብሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን: ሞርጋን ዮሃንሰን: ፍሉይ ውጥን ከም ዘዳለወ SVT ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ። ዓዲ እንግሊዝ ካብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com