Thursday , May 16 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሽወደናውያን መራኸቢ ኩባንያታት ንሸመተ ዝዓለመ ናይ ዓማዊለን ሓበሬታታትን መረድኢታትን ይግህሳ።

ክልተ ካብ ኩባንያታት ሽወደን ዝኾና Tele2 ን Telenors ንናይ ዓማዊለን ሓበሬታን መረዳእታን ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣብ ረብሓ ናይ ሸመተ ኩባንያታት ከምዝወዓለን እዘን ኩባንያታት ድማ ብዘይ ፍቓድ ናብቲ ስርዓተ ዕድጊ ከም ዝኣተዋ ማዕከን ሓበሬታ ሽወደን TT ሓቢሩ። ብመሰረት ተሊኖር ዝተባህለ መርበብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2019 ዝጀመረ ንቡር ዘይኮነ ናይ ፈተሻ ስራሓት ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ሓበሬታ ዓማዊል ከምዝተኻየደን ንምግሃስ ሓበሬታ …

Read More »

ዓመታዊ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝኾኑ ንኽስጎጉ ዝተሓስቡ ሰባት ነጻ ይልቀቑ።

ዓመታዊ ክሳብ 600 ዝኾኑ ሰባት ብዝፈጸምዎ ገበናት ካብ ሽወደን ንኽስጎጉ ክሲ ዝቐርበሎም እኳ እንተኾኑ፡ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝኾኑ ሰባት ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ናይ ምስጓግ ውሳነ ዲሒኖም ነጻ ከም ዝልቀቑ መዕከናት ዜና ይሕብራ። ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝፈጸሞ በደላት ንኽስጎግ ዝተወሰነሉ ሰብ እንደገና ነጻ ክልቀቕን ንዝፈጸሞ ገበን ንኸይደግሞ ዝኾነ ዓይነት ውሕስነት ከይ ኣተወ ክኸይድን ዘኽእል ውሳኔ፡ ነቲ ናይ ሽወደን …

Read More »

28 ምምሕዳራት ሽወደን ሓደስቲ መጻእቲ ክቕበላ ድልየት የርእያ።

ካብ 166 ምምሕዳራት ሽወደን እተን 28 ምምሕዳራት ልዕሊ እቲ ብቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝምደበለን ብዝሒ ሓደስቲ መጻእቲ ክቕበላ ድልዋት ምህላወን ዳህሳስ መስመር ተሌቪዥን TV4 ሓብሩ። ካብቲ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝወሰነለን ብዝሒ ሓደስቲ መጻእቲ ንላዕሊ ክቕበላ ድልውነት ኣለወን’ዶ ንዝብል ዳህሳስ ን166 ምምሕዳራት ዝተኻየደ እዩ። ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን 10 ሓደስቲ መጻእቲ ሰዲዱልና፡ ይኹነ እምበር ካብ 50 ክሳብ 150 ሓደስቲ መጻእቲ ክንቅበል ድልዋት ኢና …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ንሕጊ ዋንነት ብረት የትርሮ።

ኣብ ሽወደን ብውልቀ ሰባት ዝውነን ዝኾን ዓይነት ብረት ፍቓድ ክህልዎ ሎሚ መዓልቲ ብመንግስቲ ደረጃ ሓሳብ ከምዝቐረበ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምቤሪ ሓቢሩ። እዚ ሓሳብ’ዚ ነቲ በብእዋኑ ዝምዕብል ዘሎ ጎነጽ ናይ ጉጅለታት ንምውጋድ ዝሕግዝ ውን እዩ። እዚ ፍቓድ ወላ ንናይ ሃድን ብረትን ንኻልእ ዓይነት ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝጥቀምሉ ብረታት ዘጠቓለለ እዩ። እዚ ዓይነት ኣገባብ እቲ እንኮ መከላኸሊ ገበናት ከምዘይኮነ እቲ ሚኒስተር …

Read More »

ብቕትለት ዝተኸሰሱ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ ን14 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም።

ቤት ፍርዲ ወረዳ ምምሕዳር ፋሎ ብቕትለት ዝተኸሰሱ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ ንነፍሲ ወከፎም ናይ 14 ዓመት ማእሰርቲ ፍርዲ በይንሎም። እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ብዕለት 11/01/2019 ኣብ ክፋረንስፊዲን፡ ቦርለንኝ ዝፈጸምዎ ተኹሲ ኮይኑ ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ሓደ ሰብ ድማ ብኸቢድ ቖሲሉ። ኣኽባሪ ሕጊ፡ ነቲ ዝፈጸምዎ ገበን ከም ቀዳማይ ደረጃ ቕትለትን ፈተነ ቅትለትን ኢሉ ናብ ቤት ፍርዲ ጠለቡ እኳ እንተኣቕረበ፡ …

Read More »

ብሰንኪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ቤት ፍርዲ ኢመግሬሽንን ዝወሃቡ ውሳኔታትን ክውሕዱ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ብሰንኪ ኣብ ቤት ፍርዲ ሚግሬሽን ዘጋጥሙ ዘሎ ሕጽረት ብዝሒ ሰራሕተኛታት ብዓቢ ቁጽሪ ክጎድል ምዃኑ ኣገልግሎት ኢመግሬሽን ሽወደን ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓድሽ መንግስታዊ ሕጊ ባጀት እዘን ቤት ፍርድታት ካብቲ ዝጠለበኦ ቀረብ ዝወሓደ ይረኽባ ስለዘለዋ እዩ። ካብቲ ኣገልግሎት ከነቕርበሉ ዝግባኣና ደረጃ ብጣዕሚ ሪሕቕና ኣለና ክብል ኣብ ቦርድ ሚግሬሽን ሓላፊ ክፍሊ ውጥን ዝኾነ ሀንሪክ ሆልመር ተዛሪቡ። እዚ ማለት ድማ እተን …

Read More »

ብወገን ሕሉፍት የማን ክፍኖ ዝኽእል ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ሰበ ስልጣን ሽወደን የጠንቅቑ ።

ብመንገዲ መርበብ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ካብ ሕሉፍ የማናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ንዝመጽእ ስግኣት እናዛየደ ይኸይድ ምህላዉን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ካብቶም ዝሓለፉ ናይ ሕሉፍ የማናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብምውካስ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ተኽእሎታት ከምዘሎ ካብ ሽወዳናዊ ትካል ናይ ምክልኻል ምርምር (FOI) ዝወጸ ናይ መጠንቀቕታ ጸብጻብ ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ስለላ ሽወደን (SÄPO) ብወገኑ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ከምዝደገፎ ሬድዮ ኢኮት (EKOT) …

Read More »

ኣብ ሽወደን ውዱብ ገበናት ናብ ጽላት ማሕበራዊ ድሕነት ገጹ ምምርሑ ተገሊጹ።

ኣብዝ ሃገር በብግዜኡ ዝውስኽ ውዱብ ገበናት ይረኣዩላ ምህላዎም ሰብመዚ ሽወደን ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ውዱብ ገበናት ኣብ ነተጒትን ተዂስን ጥራይ ከይተሓጽረ ናብ ጽላት ማሕበራዊ ድሕነት እውን ይመጣጠር ምህላዉ እውን ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ወከልቲ ፖሊስን ኮሚሽን ገበን ሽወደንን ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ እዩ። “ውዱብ ገበናት ኣብ ምጥቃም ነተጒትን ተዂስን ጥራይ ከይተሓጽረ ናብ ጽላት ማሕበራዊ ድሕነት ይኸይድ ብምህላዉ ኣዝዩ …

Read More »

ሓበሬታ ንተቐማጦ ደቡባዊ ስተኮልም!!

ፖሊስ ከትማ ስቶኮልም ሎሚ ሓሙስ ብ ሄሊኮብተር ተሰንዩ ዓበይቲ ኣጽዋራትን ተተኮስቲ ዘጠቓለለ ወታደራዊ ልምምድ ከካይድ ከምዝኾነ ንተቐማጦ እዚ ከባብይ ይሕብር። ኣብዚ ወታደራዊ ልምምድ ብርክት ዝበላ ወታደራዊ ተሽከርከርቲ፣ ኣጋር ፖሊስን ተተኮስትን ብብዝሒ ዝሳተፍዎ ኮይኑ ዝኮነ ድምጺ ተተኮስቲ ምስ ዝሰምዑ ሰባት ኮይስንብዱን ርጉእ ምንቕስቓሳቶም ከም ወትሩ ከካይዱ ወስኹ ይገልጽ። ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እዚ ልምምድ ዝኻየደሉ ቦታ ካብ ከባብታት ሶደርማልም (Södermalm) ሲጋብ ቬስትበርጋን …

Read More »

ሰልፊ ሞደራተር ኣብ ሽወደን መሰል ዑቕባ ረኺቦም ኣብ ዝኾነ ገበን ዝተሳተፉ መንበሪ ፍቓዶም ብምስራዝ ካብ ሃገር ክወጹ ዝሕግዝ ሕጊ ከተግብር ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ሰልፊ  ሞደራተር ኣብዚ ቕንያት ኣብ ከተማ ቨስትሮስ ኣብ ዘካይዶ ምዱብ ዓመታዊ ጉባኤ፣ ንጉዳይ ገበናት፣ ምርመራ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ዝሰረቶም ኣከዳድና ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽልክል ሕጊ ክግበር፣ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባን ዉህደትን፣ ዝኣመሳሰሉ ሕቶታት ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ሕቶታት ብምልዓል ምስ ዝንቀሳቐሱ ዘሎዉ ሰልፍታት ተሓባቢሩ ክሰርሕ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ። ብጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ፣ ዝኾነ ሰብ ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎ፣ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ ብማእሰርቲ ዘቕጽዕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com