Thursday , May 16 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

15 ሽሕ መንእሰያት ንግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ቃለ-መሕተት ተጸዊዖም።

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ ን15 ሽሕ ንግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝምልከቶም መንእሰያት ቃለ-መሕተት ንኽገብሩ ጸዊዑ። ካብዚኣቶም 5500 መንእሰያት መሪጹ ኣብ ኣሃዱታቱ ክውዘዖም እዩ። ኣብቲ ካብ ነሓሰ 2020 ክሳብ ክረምቲ 2021 ዝካየድ ቃለ-መሕተት እቶም ኣብ ዓመተ 2002 ዝተወልዱ መንእሰያት ክጽውዑ ምዃኖም ምምሕዳር ዓቕሚ ሰብ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ዝተመርጹ መንእሰያት፡ ካብ ክረምቲ 2021 ጀሚሩ ንኣስታት ሽዱሽተ ክሳብ ዓሰርተ …

Read More »

መንገዲ ኣየር SAS ናይ ውሽጢ ሃገር በረራቱ ናብ 4 ቦታታት ኣውሪድዎ።

SAS ብዘይካ ኣርባዕተ ካልኦት ኲሎም ናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት ክስርዝ ይውስን።፡ መንገዲ ኣየር SAS ካብ መዕርፍፎ ነፍርቲ ኣርላንዳ ናብ ኡምዮ ኬሩና ሉልዮን ቪስቢን ገዲፍካ ካብ ስኑይ ጀሚሩ ኲሉ ካልእ በረራታት ደው ክብል ኣዚዙ’ሎ።፡ እዘን ኣርባዕተ በረራታት ክቕጽላ ዘፍቀድናሉ ምኽንያት ሕብረተሰብ ምርኻብ መታን ክኽእል ኢልና ኢና ኢላ። ይዂንምበር እዚ እገዳ ብዙሓት ሰባትን ኣቕሑን ንግዜኡ ክዕገቱ ዝገብር ብምዃኑ ኣብ ዝሓጸረ ናብ ንቡር …

Read More »

ንጉስ ሽወደን ናብ ህዝቢ ሽወደን ናይ ምሕጽንታ መልእክቲ የሕልፍ።

ንጉስ ሽወደን፡ ኣባሓጎታቶም ዝስእኑ ዘለዉ ቆልዑ የተሓሳስቡኒ ብምባል ሓዘኑ ኣብ ዝገለጸሉ፣ ቫይረስ ኮሮናን ንሽወደንን መላእ ዓለምን ኣጨኒቑ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንጉስ ካርል ጉስታቭ መበል 16 ብሰንበት ንህዝቢ ኣብ ዝፈነዎ ሓበሬታ ብምኽንይት ሕማም ኮሮና ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ምዕዛቡን ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕና ዘለዉ ሰራሕተኛታት ብፍላይ ኲነታቶም ከም ዘተሓሳስቦን ገሊጹ። ሽወደናውያን ኲሉ ንዓይ ጥራይ ዝብል ድሌታቶም ገቲኦም ካብ ምጒዕዝ ክቚጠቡን ብፍላይ ጥዕና …

Read More »

ቲግኒል፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ስቶክሆልም ጫፍ ከምዝበጽሐ ምልክታት ይሕብር።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጫፍ ከምዝበጽሐን ብዝያድ ድማ ኣብ ዝቕጽል ክልተ መዓልታት ከፍልጥ ምዃኑን ምልክታት ሓቢሮም ክብል ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ተመራማሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል ሓቢሩ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጫፍ በጺሑ ማለት፡ ብቫረስ ኮሮና ዝልከፉ ሰባት ቁጽሮም እናወሓደ ክመጽእ ማለት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝረአ ዘሎ ቁጽሪ ብዝሒ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ንጹር ስእሊ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ …

Read More »

ሽወደን፡ ቫይረስ ኮሮና ንመስርሕ ግዴታዊ ምስጓግ ስደተኛታት ደው የብሎ።

ፖሊስ ሽወደን ነቶም ሕቶ ዑቕበኦም ዝተንጽገ እሞ ንግዴታዊ ምስጓግ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ ስደተኛታት ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው ከምዝለቐቖም ሎሚ ቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። “እዚ ጉዳይ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ሽግር’ዩ” ክብል ሓላፊ ፖሊስ ሽወደን ሓላፊ ፖሊስ ምክትታል ዶባት (NOA)፡ ፓትሪክ ኢንግስትሮም፡ ገሊጽዎ። ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ከምተሃስየን፡ እቶም መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ስደተኛታት እሞ ኣብ ደገ …

Read More »

ማሕበረ ኮም ሶማል ኣብ ልዕሊ መራሒት ሰልፊ ክርስትያን ደሞክራት ተሪር መልሲ ይህብ።

ብዓሌት ካብ ትጎጃጅሊ ንግዳያት ደግፊ ምስ ግዳያት ቫይረስ ክሮና ዝኾኑ ክፋላተ ሕብረተ ሰብ ደው ብምባል ሓገዝናን ደገፍናን ከነርእዮም ድኣ ይግበኣና እምበር ንሕብረተ ሰብ ብዓሌት ክንጎጃጅል ኣይግበኣናን ክብል ሓላፊ ማሕበረ ኮም ሶማል ኣብ ሽወደን፡ ሓባን ሓሰን፡ ኣብ መጽሔት ኣፍቶንብላደት ዝጸሓፎ ዓንቀጽ፡ ንሓላፊት ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራት ዝኾነት ኢባ ቦሽ ጸዊዑ። ጠንቂ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ካብ ዝኾኑ ሓደ፡ ጽልዋ ባህላዊ ልምድታት ምዃኑን ብፍላይ ድማ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት 4 ሚያዝያ 2020

ኣብ ናይ ሎሚ ዜና መጽሔት መደብ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣባላት ምድላዉ ፈነወና ንፈነወ ዝበቅዕ ዘዳለዉዎ ሓበሬታ ኮይኑ፣ እብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ዘተኮረ እዩ ። 1. ብዛዕባ እዚ ዘሎ ህሉው ክኖታት ናይ ክሮና ቪሩስ ሓደገኛ ምዕባለታቱ ! 2. መብርሂ ብዛዕባ መደባት ኣልኮምፒስ ትግርኛ !

Read More »

ኣብ ሽወደን ናውቲ ሕክምና ምውሳኽ ዋጋ ምርኣዩ ተገሊጹ።

ጋዜጣ ዳገን ንሄተር DN ከም ዝጸብጸበቶ እንተኾይኑ ዋጋ ናውቲ ጽሬትን ሕክምናን ብናህሪ ወሰኽ ዋጋ ኣርእዩ’ሎ። እዞም ናውቲ ማስክ፥ መነጽር፥ ከምኡ’ውን ናይ ኢድ ጸረ ተሃዋስያን እዮም። ብመሰረት እታ ጋዜጣ ብናህሪ ጠለብ እዚ ዋጋ 900% ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ሃገራዊ ማእከል ዕቀባ ኣብቲ ምውሳኽ ዋጋ ዘለዎ ምስምማዑ ምግላጹን እታ ጋዜጣ ወሲኻ ኣብሪሃ። ኣብ ፍርያት ርኡይ ሕጽረት ምህላዉ ድማ ኣመልኪታ።፡ ብዘይካዚ ዋጋ ትራንስፖርት ኣጸቢቑ ወሰኽ …

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት፥ ናይ ሕጂ ቀዳምነታትና ህዝቢ ምድሓን ሙዃኑ ይገልጽ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት፥ ሕጂ ቀዳምነታትና ህዝቢ ምድሓን እዩ፥ ድሕሪኡ ምድሓን ቊጠባ ብምግባር ይሰርሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ። ሚኒስተረ ውሽጣዊ ጒዳያት ሚካኤል ዳምፐሪ ቀዳምነት መንግስቲ ሽወደን ብቫይረስ ኮሮና ዝመውት ሰብ ንኸይህሉ ምስራሕን ህይወት ህዝቢ ምድሓንን ምዃኑ ገሊጹ። ” ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኲነታት ኢና ዘሎና” ዝበለ ዳምፐሪ”ዝኸፍአ ክመጽእ ይኽእል እዩ ኢልና ኢና ተዳሊና ዘሎና” ብምባል ንተሌቪዥን ሽወደን ገሊጹ። ካብ ቊጠባ ሃገርን ምድሓን ህይወትን ኣየናይ …

Read More »

መንግስቲ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ክገብሩ ሓቲቱ።

መንግስቲ ሽወደን ምስ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ኣድላዪ ስጒምቲ ንምትግባር ናብ ባይቶ ከይቀረበ ንምውሳን ዘኽእሎ እማመ ሕጊ ምውጽኡን ተገሊጹ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና TT መንግስቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት ነዚ እማመ ክድግፍዎ ሓቲቱ’ሎ። መንግስቲ እዚ ሕጊ ብህጹጽ ክጸድቕን ኣብ ዝመጻ ሰልስተ ወርሓት ተግባራዊ ክኸውንን ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ። እቲ እማመ ምዕጻው ካፈታት ባራት ናይትክለባትን ኣብያተ ስፖርትን ከምኡ’ውን እክብ ምባል ዝኽልክል ኮይኑ ገለ መጓዓዝያ፥ ወደባትን መደብራት ኣውቶቡስን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com