Wednesday , May 15 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

13 ኩባንያታት ሽወደን ኣብ ዝርዝር ጸሊም መዝገብ (Black list) ዓለማዊ ባንክ ኣትየን።

ዓለማዊ ባንክ፡ ነተን ብገንዘባዊ ብልሽውና ዝኽሰሳ ኣስታት 2000 ዝኾና ኩባንያታት ኣብ ዝርዝር ጸሊም መዝገቡ ኣስፊርወን ከምዘሎን ካብኣተን ድማ እተን 13 ኩባንያታት ሽወደን ምዃነን ነቲ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ተለቪዥን ሽወደን ኣቃሊሑ። ኣብ ናይ ጸዓት፡ ኣሃዛዊ ውሕስነትን (digital security) ኣህጉራውያን ኣማኸርቲ (international consulting) ዝነጥፋ ኩባንያታት ገለ ካብተን 13 ኩባንያታት ሽወደን እየን። ዓለማዊ ባንክ፡ ነዘን ኣብ ጸሊም መዝገቡ ኣስፊርወን ዘሎ ኩባንያታት ብመንገዱ ኣብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ናይ ዝተተምየኑ ፓስፖርታት ቁጽሪ ወሲኹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ሽወደን ን450 ዝተተምየኑ ፓስፖርታት ከምዝወረሰን እዚ ቁጽሪ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ሬድዮ ኢኮት ኣቃሊሑ። ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ፡ እዞም ከምዚኦም ዓይነታት ፓስፖርታት ኣብ ገበናት ዘይሕጋዊ ፍልሰት ዝጥቀምሎም ኮይኖም ገለ ካብቶም ፓስፖርታት ዝተተምያኑ ክኾኑ ከለዉ ገለ ድማ ጥዑያት ፓስፖርታት ኮይኖም ካልኦት ሰባት ዝጥቀምሎም እዮም። እዚ ዝተረኽበ ብዝሒ ብሳላ ቀጻሊ ዝኾነ ምምዕባል ናይ መሳርሒታትን ምምዕባል ዓቕሚ …

Read More »

ፖለቲከኛ ነበር ኣብ ቤታ ዘለዉ 15 ሽሕ መጻሕፍቲ ዝሕዝ ካልእ ቤት ተናዲ።

ኣፈኛ ባይቶን ፖለቲከኛ ሽወደን ነበርን ሚኒስተር ብርጊታ ዳህል ሸውዓተ ዝኽፍሉ ቤታን ክሽነኣን ብመጻሕፍቲ መሊኡ ዳርጋ ቤትንባብ ከም እተቐየረን ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ገሊጻ’ላ። ንሳ ምንባብ ኣገዳሲ ክፋል ህይወታ ምዃንህን ኣብ ዝኸደቶ ቦታ መጽሓፍ ናይ ምምላእ ልምዲ ከም ዘለዋን ብምግላጽ ፈጺሙ ዘየሰልኪ ነገር እንተሎ ምንባብ እዩ ኢላ። ንሳ መጻሕፍታ ክወስድ ዝደሊ ትካል ይዂን ቤተ መጻሕፍቲ እንተሎ ተረባሒ ክትገብሮ ድልውቲ …

Read More »

ካብ ዓሰርተ ሽወደናውያን እቶም ሸሞንተ ንዶናልድ ትራምፕ ከም ዘይፈትዉዎ ተገሊጹ።

ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ ካብ ዓሰርተ ሽወደናውያን እቶም ሸሞንተ ንዶናልድ ትራምፕ ከም ዘይፈትዉዎ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ማእከል ኖቭጅስ ሬድዮ ሽወደን ትራምፕ ብፍላይ ብሽማግለታትን ኣባላት ሊበራላውብ ጸጋማዊን ሰልፊ ከም ዝጽላእ ተፈሊጡ። መብዛሕትኦም እቶም ነዚ ሕቶ ዝመለሱ ሰባት ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝግበር ምርጫ እንተተዓዊቱ ኣብ ሽወደን ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእል ዘለዎም ጥርጣረ ገሊጾም ኣለዉ። “ትራምፕ ኣብ ልዝብ ዘይኣምንን ጎነጻዊን ሰብ …

Read More »

ኲባንያታት ጒዕዞን መንገዲ ኣየርን ሽወደን ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣትዮም።

ኲባንያታት ጒዕዞን መንገዲ ኣየርን ሽወደን ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣትዮም። ቦርድ ሓፈሻዊ ጥርዓናት ሽወደን ሓድሽ ጸሊም መዝገብ ዝሓመቑ ዝበሎም መንገዲ ኣየራት፥ ጒዕዞን ኣገልግሎትን ኣመልኪቱ ምውጽኡ ተፈሊጡ። እዚ ብተገልገልቲ ዝመጹ ጥርዓናት ምኽንያት ጌሩ ዝመጸ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። እዚ ዝርዝር 165 ሓደስቲ ኲባንያታት ዝሓዘ ኰይኑ ንምኽሪ ቆንስል ሓፈሻዊ መረረታት ካብ ምፍጻም ዝሓንገዱ እዮም ተባሂሎም ኣለዉ። እዚ ዝርዝር ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ምሕዳስ ከም …

Read More »

ንመንእሰያት ዝለዓለ መቕጻዕቲ ክብየን ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ገዛኢ መንግሲ ዝርከባ ሰልፍታት ብውዱባት ገበነኛታት ዝመጻ ዘሎ ገበናት ኣብ ምንካይ ይዘራረባ ምህላወን ተፈሊጡ። ሓደ ካብቲ ሽግራት መንእሰያት ገበናት ይፍጽሙ ምህላዎምን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ክሊ ዕድመ 18–21 ዘለዉ ሕጽር ዝበለ መቕጻዕቲታት ክወሃቡ ምጽንሖም እዩ ተባሂሉ። ሰልፊታት ለዘብተኛታት፥ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ነዚ ጸኒሕ ሕጊ ክኣልይዎ ከም ዝደልዩ ድማ ገሊጾም ኣለዉ። ካብ 18-21 ዘሎ መንእሰይ ሕጽር ዝበለ ጥራይ መቕጻዕቲ ክብየነሉ የብሉን …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ካብ ኣባይተን እተፈናቐላ ኣንስቲ ቊጽረን ይውስኽ።

ኣብ ሰብዓታት ዝርከባን ኣቐዲመን ንቡር ህይወት ክመርሓ ዝጸንሓን ብርክት ዝበላ ሽማግለታት ኣንስቲ ኣባይቲ ኣልባ ኰይነን ኣብ ጎደና ክድቅሳ ይረኣያ ምህላወን ተፈሊጡ። ኣብ ቀረባ እዋን ብ ኣሃዱ ኣባይቲ ኣልቦ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ቊጽሪ ናይዘን ቤት ኣልባ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብ ምውሳኽ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣባል ቆንስል ማሕበራዊ ዜጋትት ስቶክሆልም ጃን ጃንሰን እዛ ከተማ በዚ መዳይ ሽግራት ይረኣይዋ ምህላዎም ይገልጽ። ስለዚ ድማ …

Read More »

መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ፡ ፋይናንሳዊ ደገፍ ንሰለስተ ቈልዑ ጥራይ ክወሃብ ትብል።

ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ መንግስቲ ንምምሕዳራት ከተማ ደገፍ ክህብን ሽቕለት ከጉድልን ጸዊዓ። መራሒት እታ ሰልፊ ኢባ ቡሽ ቶር ካብቶም 400 ሽሕ ሰባት 126 ሽሕ ዝኾኑ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ብምምሕዳራት ከተማ ከም ዝእለዩ ኣመልኪታ። ብተመሳሳሊ ደረጃ እታ መርሒት ሰልፊ ሰለስተ ቈልዑ ስድራ ጥራይ ክሕገዙ ጠሊባ’ላ። እዚ ኣገባብ ስድራቤታት ስራሕ ንኸናድያ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ክትብል ቡሽ ቶር ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ንግድ ሽወደን ንመንግስቲ ኣጠንቂቑ።

ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ንግድ ሽወደን ንመንግስቲ መጠንቀቅታ ይህብ። እቲ ማሕበር እዚ ብሕዳጣን ዝቖመ መንግስቲ ዋላውን ምስቶም ኣብ ባይቶ ዝድግፍዎም ሰልፊታት ማእከል ምፍልላይ የምጽእ ብዘየገድስ ነቲ ያታዊ ዴሞክራስያዊ ኣገባብ ምስዓቡ ክቕጽል ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ዳገንስ ንሂተር ብመሰረት እተሓትመ ርእይቶ እቲ ማሕበር ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝረኽቦ ዘሎ ደገፍ ከም ውሁብ ጌሩ ካብ ምውሳድ ብምቚጣብ ጠለባት ኣብ ምስላጥ ክነጥፍ ኣጽኒዑ መኺሩ’ሎ። ፕረሲደንት እቲ ማሕበር ካትል ፔተር …

Read More »

ዋሕዚ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ምውሳኽ ውዱብ ገበን ግደ የብሉን ተባሂሉ።

ፍርቂ ካብቶም ውዱባት ገበን ዝመርሑ ዘለዉን ኣብ ቀረባ እዋን ብክትትል ፖኪስ ካብ እተታሕዙን ውልቀሰባት ሽወደናውያን ምዃኖም ጋዜጣዊ መርመራ ኣረጋጊጹ። እዚ ብጋዜጠኛ ኤልስፕረሰን ፍሬድሪች ጆሾልት እተኻየደ ክትትል 15 ካብቶም 32 መራሕቲ ውዱባት ገበን ኣብ ሽወደን እተወልዱ ምዃኖም ኣረጋጊጹ’ሎ። ንሳ ኣብ መግለጺኣ እቶም ዝተረፉ ቅድሚ 20 ዓመታት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ፥ ገሊኦም ከኣ ካብ ዓመተ 2000–2009 ምስ ስድራኦም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ እዮም ክትብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com