Thursday , May 16 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሓደስቲ መጻእተኛታት ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ከተማ ሶልና ተቓውሞ ከካይዱ እዮም።

ብርክት ዝበሉ ብኢመግረሽን ናብ ምምሕዳር ሶልና ዝተመደቡ ሓደስቲ መጻእተኛታት ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ከተማ ሶልና ብሰኑይ ኣብ ቅድሚ ህንጻ እቲ ምምሕዳር ናይ ተቓውሞ ምትእኽኻብ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ንሳቶም ገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጠበቓታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዛዕባ “ሕማቕ” ዝበልዎ ኲነታት ኣባይቲ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከስምዑ እዮም። ኣብዚ ጒጅለ ዘለዉ ኣክቲቭስታት ከም ዝገለጽዎ ምብቃዕ ውዕል መንበሪ ኣባይቲ ብዘይ ምቕራብ …

Read More »

ስዑዲ ዓረብ ናይ ሽወደናውያን ሓዊስካ ቪዛ 48 ዜጋታት ትስርዝ።

ስዑዲ ዓረብ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኣቶ፡መግለጺ ኣቐዲሞም ቪዛ ዘይሓዙ ዜጋታት 49 ሃገራት ንልዕሊ 6 ወርሒ ዝጸንሐ ናይ 440 ሪያል ንዘይከፈሉን ናብ ሃገራ ክኣትዉ ከም ዘይተፍቅድ ገሊጻ’ላ። ትማሊ መስከረም 27 ስዑዲ ዓረብ ኣህጒራዊ መዓልቲ ቱሪዝም ምስ ኣብ ኒውደልሂ (ህንዲ ) ዝጽንብሎ ዘሎ ውድብ ንግድ ዓለም ብምዃን ከም እተኽብር ተፈሊጡ’ሎ። ብመሰረት ብሓሙስ ዝወጸ ሓበሬታ ምስ ምኽባር እዚ በዓል ናይ ስራሕ ቪዛ ምሃብ ክጅመር …

Read More »

ብዛዕባ ሽወደን

Read More »

ኣብ መዓስከር መቐበሊ ስደተኛታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ዓይነት ናይ ውሕስነት ኣገልግሎት ይግበረለን?

ኣብ መዓስከር መቐበሊ ኣጋይሽ ስደተኛታት ዝርከባ ዑቕባ ዝሓታ ደቂ ኣንስትርዮ እኹል ናይ ሓለዋ ኣገልግሎት ከምዘይረኽባ ብዙሓን ተጣበቕቲ ወገናት ይሕብሩ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እንታይ ክገብራ ይግባእ? ኣብ ናይ ሓባር መዓስከር መቐበሊ ስደተኛታት ክቕመጣ’ኸ ውሑስ ኮይኑ’ዶ ይስመዐን? ሪታ ኦጆኒ ዝተባህለት ኣደ ክልተ ቆልዑ ዝኾነት ኬንያዊት ኣብ ጥቓ እቲ ትቕመጠሉ መዓስከር መቐበሊ ኣጋይሽ ስደተኛታት ሬሳኣ ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ …

Read More »

ተሸለምቲ ኖቤል ተሓጽዮም።

መንእሰይ ሽውደናዊt ኣክቲቪስት ግሬታ ቶንበሪ ካብዞም ኣህጒራውያን ተሸለምቲ ሓንቲ እያ ተባሂሉ’ሎ። ካብቶም ተሸለምቲ ኣክቲቪስት ኣሚናቱ ሓይደር ‘ውን ከም ዘለዎ ተፈሊጡ’ሎ። ካብ 1980 ጀሚሩ ኣብ ዙርያ ብከላ ከባቢ፥ ስግኣታት ኑክሌርን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝበዛ ማእከል ጌሮም ንዝንቀሳቐሱ ኣክቲቪስታት ብኣዳለውቲ ሽልማት ስቶክሆልም ንሽልማት ክሕጸዩ ምጽንሖም ይፍለጥ። ዓመታዊ 100 ዝኾኑ እማመታት ናብዚ ሸላሚ ትካል ዝመጹ ኮይኖም እቲ ትካል ኣብ ታሕሳስ ንዝወሃብ ሽልማት ብጥንቃቐ …

Read More »

ኣቑሑ ገዛን ካልእ ንብረትን ንምግዛእ፡ ገንዘብ ተለቅሑ።

ሓደ ኮምዩን፡ ማለት ከባብያዊ ምምሕዳር፡ ንዓኻትኩም ወይ ንቤተሰብኩም፡ ከም ስደተኛታት ተቐቢሉ ገዛ ምስ ዝህበኩም፡ ኣቑሑ ገዛን ካልእ ንብረትን ንምግዛእ፡ ካብ በዓል መዚ ትምህርታዊ ደገፍ (CSN) ክትልቅሑዎ እትኽእሉ ገንዘብ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ “ልቓሕ መግዝኢ ንብረት-ገዛ” (hemutrustningslån) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ ክትልቅሑ ከም ዝፍቀደኩም፡ ኣብ ቁጽሪ ኣባላት ስድራ ከምኡ’ውን፡ እቲ ገዛ፡ ምስ ንብረቱ ድዩ ወይስ ባዶ ኢኹም ተረኪብኩሞ ዝብል ረቛሒታት ይውስኖ። …

Read More »

ተመሃሮ ዮተበሪ መግቦም ስጋ ዘይብሉ ብምዃኑ ኣድማ ኣካይዶም።

ኣማኢት ተመሃሮ ከተማ ዮተበሪ ስጋ ኣብ መኣዶም ዘይምህላዉ ብምቅዋም ክታም ኣኪቦም ተባሂሉ። ክላራ ቲዮረቲካል ዝተባህለ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዮተበሪ፣ ስጋ ካብ መኣዲ ተመሃሮ ክእለ ምውሳኑ ይዝከር። ብመሰረት ገለ ተመሃሮ እዚ ተቓውሞ ቅድሚ ውሳነ ስለምንታይ ብዛዕባዚ ርእይቶና ዘይተሓተትና ዝብል እዩ።ብዛዕባ ምብላዕ ስጋ ባዕልና ድኣ እምበር ማንም ክውሰነላ ኣይክእልን እዩ፣ እዚ ቤት ትምህርቲ እዩ፥ ስለዚ ድማ ዝውሰድ ስጒምቲ ክንፈልጦ ይግባእ እዩ ክብል …

Read More »

ከተማ ዮተቦሪ ዝተቐበለቶም ሓደሽቲ መጻእቲ ብዘይ መንበሪ ክተርፉ ከምዝኽእሉ ይሕበር ኣሎ።

ከተማ ዮተበሪ ካብ ዝተቀበሎቶም ሓደሽቲ ኣስታት 2700 ሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ ዝመጽእ ዓርሒ ግንቦት 2020 ብሰንኪ ዋሕዲ ኣባይቲ ብዘይቤት ክተርፉ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ። ብምምሕዳር እዛ ከተማ ነዞም ስድራቤታት ዝተዋህበ ናይ ክራይ ውዕል ኣብ ወርሒ ግንቦት ግዜኡ ከምዝወድቕ ድሕሪኡ ናበይ ከምዝብሉ ካብ ሕጂ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ብመሰረት ሕጊ 2016 ኩለን ምምሕዳራት ናይ ክልተ ዓመት ውዕል መንበሪ ኣባይቲ ክቕርባን ሓላፍነት ኔርወን። …

Read More »

ማሕበር ንግዲ ሽወደን ን ካብ ካልእ ሃገር ሰራሕተኛታት ንዝቖጽራ ትካላት ይቓወመን።

ሓፈሻዊ ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ንግዲ ሽወደን ካብ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ንዝግበር ምቚጻር ሰራሕተኛታትን ብፍላይ ኣብ ትሑት ስራሕ ምቚጻርን ኣጥቢቑ ከም ዝቓወም ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ማሕበር ኣብ ሽወደን ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት እናሃለወ ከምዚ ዝበለ ትሑት ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ናብ ሽወደን ምምጻእ ኣድላዪ ከም ዘይኮነ ገሊጹ’ሎ። እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም እናተባህሉ እዮም ተታሊሎም ናብ ሽወደን …

Read More »

ስዊድባንክ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ንምቅላስ ዘኽእሎ እኹል ማዕከን ከም ዘይብሉ ተኣሚኑ።

ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ባንካታት ሽወደን ዝኾነ ስዊድባንክ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ንምቅላስ ዘኽእሎ እኹል ማዕከን ከም ዘይብሉ ተኣሚኑ። እዚ ዝኾነ ቦርድ ዳይረክተራት እቲ ባንክ ብክኢላታት ሰብመዚ ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራን ጸብጻብን ጸረ- ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ክቃላዕ ድሕሪ ምግባሩ እዩ።  ኣዚ ጸብጻብ ድሕሪ ስዊድባንክ ኣብ ሃገራት ሽወደንን ኤስቶንያን  ድኽመት ኣብ ዝተራእየሉ ክብል እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ክውሰዱ ዝጸንሑ ስጒምቲታት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com