Wednesday , May 15 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ነደፍቲ ህንጻ ሽወደን ጸርፍን ምውራድን ከም ዘሸገሮም ገሊጾም።

ነደፍቲ ህንጻ ሽወደን ብኦንላይን ብፌይስቡክ ዝመጽእ ጸርፍን ምውራድን ከም ዘሸገሮም ገሊጾም። ኣሰናዳኢት መጽሔት Arkitekten Maria Blom ገለ ነደፍቲ ህንጻ በቲ “ኣንጻር ምክልኻል ምብልሻው ከተማ” ዝበሃል ጒጅለ ብኦንላይን ነቐፍቲ ጸርፊን ኣነዋሪን ቃላት ይወርዶም ምህላዉ ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና ኣቦመንበር እዚ ጒጅለ Sigvald Freylander ከምዚ ዝበለ ዕላማ ከም ዘይብሎምን ከምዚ ዝበሉ መልእኽቲታት እንክርእዩ ብኡንብኡ ከም ዝድምስስዎም ገሊጹ’ሎ። ዛጊት ኣብ ሽውደን ክሳብ 700 ሽሕ …

Read More »

መራሕቲ ሰልፊታት ሽወደን ዘካየድዎ ክትዓት ብተሌቪዥን ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ።፡

ሰንበት 5 ግንቦት 2019 መራሕቲ ባይቶኣዊ ሰልፊታት ሽወደን ኣብ ጒዳይ ኢሚግሬሽን ክሊማ ሕጊን ገበንን ዝመሰሉ ጒዳያት ዝገብርዎ ክትዓት ብቴሌቪዥን ክመሓላለፍ እዩ ተባሂሉ። ብተወሳኺ ኣብቲ ክትዓት ጒዳያት ትምህርቲ ክንክን ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ሽወደን ክለዓሉ እዮም። እዚ ክትዓት ኣብ መንጐ ቀዳማይ፡ሚኒስተር Stephan Löfven ከምኡውን መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Olf Christersen ኮይኑ ኣብ ጒዳያት ድሕነት ኮሚኒቲ ሕጊን ስርዓትን እዮም ክዝትዩ። እዚ ክትዓት ኣብ መንጐ …

Read More »

667 ደለይቲ ስራሕ ብጌጋ ዝተኸፍሎም ገንዘብ ክመልሱ ይሕተቱ።

ኣማኢት ደለይቲ ስራሕ ብጌጋ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ይረኽቡ ምህላዎም SVT ዝተባህለ ኣገልግሎት ተሌቪዥን ገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻባት እዚ ተሌቪዥን 667 ደለይቲ ስራሕ ካብ 4 ክሳብ 10 ሚልዮን ክሮነር ዝግመት ሓገዝ ካብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ረኺቦም ኣለዉ። ልዕሊ 18 ሽሕ ዝኾኑ ግጒያት ውሳኔታት ብበዓልመዚ ዕዮ ከም እተፈጸሙ ተገሊጹ’ሎ። እዞም ጌጋታት ወርሓዊ ደለይቲ ስራሕ ካብ Försäkringskassan ቅድሚ ምርካቦም ዝቐረቡ ጸብጻባት ስራሕ እዮም።፡ ምንጪ እዚ ሽግር …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ካብ በዓል መዚ ኢመግረሽን

ዜጋታት ኤርትራ ብዘይ ፓስፖርት ብቐጥታ ምጥርናፍ ስድራቤት ሕቶኦም ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ:: ብብዙሕ ምኽንያታት ኤርትራውያን ፓስፖርት ዓዶም ክረኽቡ ይጽገሙ እዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ፍቓድ መንበሪ ንምሕታት ወይ ምጥርናፍ ስድራቤት ኣብ ምስላጥ ክሽገሩ ምጽንሖም ይፍለጥ። በዚ ድማ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ዜጋታት ኤርትራ ብዘይ ፓስፖርት ብቐጥታ ሕቶኦም ከቕርቡ ዝኽእልሉ ቀጥታዊ ኣገልግሎት ምቕራቡ የፍልጥ።

Read More »

ኣሜሪካ ኣሳንጅ ክወሃባ ትሓትት።

ሓጋጊ ኣካል ብሪጣንያ ነቲ መስራቲ ዊኪሊክስ ኣሳንጅ ናብኣ ኣሕሊፉ ክወሃብ ብኣመሪካ ዝቐረበ ሕቶ ይመያየጠሉ ኣሎ ተባሂሉ። ኣመሪካ ንኣሳንጅ ብጸጥታዊ ጒዳያት ከም እተሓቶ ገሊጻ’ላ። ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኤለክትሮኒካዊ ራስያ ተዋፊሩ ኔሩ እትብሎ ኣሳንጅ ናብኣ እንተተስተሊሙ ክሳብ ናይ 5 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝጽበዮ ይፍለጥ። ደገፍቲ ኣሳንጅ ብወገኖም ምድሪ ኣመሪካ እንተረጊጹ እታ ሃገር ካልእ ገበናት’ውን ክትድርድረሉ እያ ብምባል ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። 47 ዓመት …

Read More »

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሓዊ ምእጓድ ተኸልኪሉ።

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሽወደን ኣብ እዋን ጽምብል Valborg ሓዊ ምጥቃም ክልኩል እዩ። በዓልቲ መዚ ህጹጽ እዋንን እሳትን ኣብ ጫካታት ዘሎ ሓመድን ሳዕርን ምድራቑን ልዑል መጠን ሓደጋ ባርዕ ክህሉ ከም ዝኽእልን ሓቢራ ኣለዉ። “ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር እቲ ናይ ባርዕ ሓደጋ ልዕል ዝበለ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ወቕቲ ጽድያ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ’ምበር ቅልጥፍ ኢለ ዝመጸ እዩ ዝመስል” ኢላ’ላ። ብዙሓት ኣውራጃታትን …

Read More »

ሎም ምሸት ቀረጽ ኣታዊኹም እተፍልጥሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እዩ ተባሂሉ።

ሎሚ ካልአይቲ ሓሙስ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ተመላሲ ቀረጽ ናብ በዓልመዚ ቀረጽ Skatteverket እተፍልጡላ መዓልቲ እያ። ካብ ዘየድሊ ሞልታን መቕጻዕትን ንምድሓን ቀረጽ ኣብ ግዚኡ ከረክቡ ከም ዝግባእ ከኣ ክኢላታት ይመኽሩ። ዛጊት 4.6 ሚልዮን ሽወደናውያን ቀረጽ ኣታዊኦም ኣፍሊጦም( ከፊሎም) ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ 1.6 ሚልዮን ሎም ምሸት ከፍልጡ ትጽቢት ይግበረሎም። ብመሰረት IRS ኤለክትሮኒካዊን ቀጥታዊን ምፍላጥ ኣታዊ ኣዝዩ ቅቡል እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ዲጂታላዊ …

Read More »

ተመራመርቲ:ካንሰር ከጥፍእ ዝኽእል ጸረ-ኪዳርሲን ዝተባህለ ጸረ ተሃዋስያን ምቕማሞም ይንገር ኣሎ።

ኣህጒራውያን ተመራመርቲ ንተሰካሚ ዘርኢ ባክተርያን ካንሰርን ከጥፍእ ዝኽእል ጸረ-ኪዳርሲን ዝተባህለ ጸረ ተሃዋስያን ምቕማሞም ይንገር ኣሎ። እዞም ኣህጒራውያን ተመራመርቲ ካብ ዩኒቨርሲታት ብሪጣንያን ቶክዮን ዝተረኽቡ እዮም። እዚ ጸረ ተሃዋስያን ኣዝዩ ፍቱን ዝኾነ መድሃኒታዊ ባእታ ከም ዘለዎን ካንሰር ኣብ ምፍዋስ ዝግበር ጻዕሪ ሓደ ዓብዪ ዓወት ምዃኑን ተገሊጹ’ሎ።

Read More »

ውጽኢት IKEA እናተጠቕሙ ሰለስተ ህጻናት ጒድኣት ከም ዝበጽሖም ተገሊጹ።

ዓርሞሸሽ ፋብሪካ ኣቕሑ ዕንጸይቲ IKEA ሰለስተ ህጻናት ሓደ ካብ ፍርያቱ ዝኾነ በዓል ክልተ ደርቢ ጣውላ ( Ikea Sundvik) እናተጠቕሙ ጒድኣት ከም ዝወረዶም ገሊጹ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኩባንያና ዝህቦ ኣጠቓቕማ እቲ ናውቲ ብግቡእ ዘይምስዓቦም እዩ ክብል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። “ኣዚና ኢና ንሓዝን። እቶም ቆልዑ ኣብ ደሓን ኲነታት ምህላዎም ከኣ ኣረጋጊጽና ኣሎና” ድሕሪ ምባል ኣብ ዓይነትን ድሕነትን እቲ ፍርያት ምምሕያሽ …

Read More »

ኣብ Västerås ሓደ ሰብኣይ ብብዙሕ ጠያይቲ ከም እተወቕዐ ተገሊጹ።

ሎሚ ቐትሪ 45 ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ኣብ ከተማ Västerås ብብዝሒ ጠያይት ከም ዝቘሰለ ተገሊጹ። ፖሊስ እዚ ተግባር “ፈተነ ቕትለት” እዩ ኔሩ ክብሉ ገሊጾሞ’ለዉ። እዚ ተዂሲ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ዞባ እቲ ከተማ ኣብ ሰዓት 3:15 እዩ ኣጋጢሙ። በዓል መዚ ፖሊስ Daniel Waikdal ናብ ሆስፒታል ከም እተወስደን ዛጊት ብዘለዎ መጒዳእቲ ብዛዕባቲ ገበን መብርሂ ክህብ ዘይምኽኣሉን ገሊጹ። እቲ ግዳይ ብብዙሕ ጠያይቲ ከም እተወቕዐን ፖሊስ ነቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com