Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ገበነኛታት ንፖሊስ ብድሮናት ይስልዩ።

ገበነኛታት ፖሊስ ንምስላይ ድሮናት ይጥቀሙ ምህላዎም ኣባል ሓለዋ Mikale ይገልጽ። ንሱ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዮተበሪ ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ዝተዋፈረ ኮይኑ ኣብ ዮተበሪ ስቶክሆልምን ማልምን እዚ ተርእዮ እናገነነ ምምጽኡ ይዛረብ።

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 13 ግንቦት 2019

Read More »

ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ሽወደን መጻኢ ዕማማቱ ተንቲኑ ንዉሳነ ከቕርብ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ከም ባዓል መዚ መንግስቲ መጻኢ መደብ ስርሑ ንዕማማቱን ከመይ ክመስል ከምዘሎዎ፣ ዝዉስን መጽናዕታዊ ትንተና ብምግባር ንዉሳነ ንመንግስቲ ከቕርብ ተኣዚዙ። ብመሰረት ፖለቲካዊ ስምምዕ ወርሒ ጥሪ ባጀት ተቓወምቲ ንዕምማትን ንጥፈታትን ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዳግመ ስርርዕ ክግበረሉን መብዛሕቱ ዕማማቱ ብኻልኦት ብሕታዊ ትካላት ክዕመም፣ ዝብል ፖለቲካዊ ዉሳነ ከምዝተገብረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ብኡ መጠን ብመሰረት ተቓወምቲ ዘጽደቕዎ ምደባ ባጀት እቲ ቤት ጽሕፈት ዘድልዮ …

Read More »

ሽወደን ናይ መጀመሪያ ኣብ ትሕቲ ዳዕሽ ካብ ዝነበሩ ሕጻናት ብወግዒ ክትቅበል ጀሚራ።

እቶም ምስ ሽወደን ምትእስሳር ካብዘሎዎም ወለዲ ዝተወልዱን ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ዳዕሽ ካብ ዝጸንሑን፣ ቆልዑ ናብ ሽወደን ክመጹ ወግዓዊ መስርሕ ከምዝተጀመረ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ከም ቀንዲ ወዳቢ ናይቲ ፈጣሪ ራዕዲ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ ምዃኑ ዝተነግረሉ፣ምካኢል ስክራሞ ዝወለዶም ብጠቕላላ ሾዉዓተ ቆልዑ ናብ ሽወደን ክመጹ ኣብ ጉዕዞ ከምዘሎዉን፣ወከልቲ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዒራቕን ጉዳይ እቶም ቆልዑ ተቕቢሎም ይሰርሕሉ …

Read More »

ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ኣብ ባጀት ምክልኻል ብገዚፍ ተፈላልየን።

ዓቃባዊ ማእከላይ ሊበራላዊን ደሞክራስያዊ ክርስትያን ሰልፊን ብምኽንያት ኣብ ባጀት ምክልኻል እተራእየ ናይ ሓሳባት ምፍልላይ ካብ ባይቶኣዊ ሽማግለ ምክልኻል ነብሰን ምግላለን ይግለጽ ኣሎ። ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝወዓለ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዘን ሰልፊታት እዩ እዚ ፍልልያት ከም እተጋህደ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እተን ሰልፊታት ካብ ዓመተ 2020 ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ ዓመታት 84 ቢልዮን ክሮነር ንምክልኻል ክስላዕ ክእምማ እንከለዋ ሚኒስተር ምክልኻል ግና መንግስቲ …

Read More »

ቤትጽሕፈት ማሕበራዊ ጒዳያት Härnösand ብምኽንያት ምፍርራህ ተዓጽዩ።

ፖሊስ Härnösand ቤትጽሕፈት ማሕበራዊ ጒዳያት ዓርቢ መዓልቲ መጥቃዕቲ ክወርዶም ምዃኑ ብኢሜይል ድሕሪ ዝበጽሖም ምፍርራህ ከም ዝገዓዙ ገሊጹ። እቲ ምፍርራህ ናብ ጋዜጣን እቲ ቤትጽሕፈትን ከም እተላእከን እቲ ቤትጽሕፈት ከኣ ብዘይ ምድንጓይ ጥርዓን ምቕራቦምን ተፈሊጡ። ፖሊስ ነቲ ምፍርራህ ብዕቱብ ከም ዝሕዝዎ ሓቢሮም ኣለዉ። በዚ ድማ’ዮም ነቶን 60 ሰራሕተኛታት ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ቤቶም ክውዕሉ ዝገበሩ። በዚ ድማ ሎሚ ኲሉ ርክባት ተዓጽዩ እዩ ውዒሉ። …

Read More »

ቛንቋ ሽወደን ንጀመርቲ ምስ ደጀን ከሰተ

Read More »

ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ማልሞ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ፖሊስ ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም።

እዚ ምፍንጃር ቅድሚ ትማል ምሸት ኣብ ከባቢ ቤትብልዒ Lilla Torg እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ሰብ ዘውረዶ ጒድኣት የለን እንተኾነ ግና እቲ ቤትመግቢ ዕንወት ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ። ኣፈኛ ፖሊስ ከም ዝገለጸቶ ፖሊስ ከባቢ 1፥49 እዮም ብዛዕባቲ ምፍንጃር ሓበሬታ መጺእዎም። ጒጅለ ሃንደሳ ፖሊስ ከኣ ነቲ ቦታ ብምዕጻውን ምኽርዳንን ምርምሮም ኣብ ምክያድ ይርከቡ ኣለዉ ተባሂሉ። እቲ ምፍንጃር ኣብቲ ቤትመግብን ኣዋሰንቲ ከባቢታትን ጒድኣት እኳ እንተውረደ …

Read More »

ኣብ Rinkeby ኣብ ምርጫ ባይቶ ኣውሮጳ ዝህሉ ተሳታፍነት ንምዕዛዝ ፈተነ ተጌሩ ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም ከባቢ Rinkeby ተሳትፎ ምርጫ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክዛይድ ብውድባት ሲቪካዊ ማሕበራት ጻዕሪ ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ። እዞም ምርጫታት ካብ 23 ክሳብ 26 ግንቦት ዝካየዱ ኮይኖም 400 ሚልዮን ዜጋታት ክሳተፍዎም እዮም ዝብል ትጽቢታት ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ። ውድባት ማሕበረሰብ ሶማል ንተቐማጦኡ ኣብ ዝገበሮ ጐስጓስ ሰሚናራት ክልተ ሕጹያት ምርጫ ክከታተሉ ምዕዳሙ ይዝከር። ኣብ 2014 ኣብ ዝተገብረ ምርጫ Rinkby ዝወሓደ መራጺ ከም እተራእየላ …

Read More »

ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምዕጋት ፍቓድ ንዝሓተቱ ፖሊስ ፍቓድ ምሃብ ኣብዩ።

እዞም ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምዕጋት ኣብ ከተማታት ሽወደን ሰልፊ ክገብሩ ፍቓድ ንዝሓተቱ ጒጅለ ዓርቢ ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፖሊስ ፍቓድ ስለዝኸልእዎ ክፍጽሞ ዘይምኽኣሉ ገሊጹ’ሎ። ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሽወደን Bensinupproret 2.0 ዝበሃል ናይ ተቓውሞ ጒጅለ ምፍጣሩ ይፍለጥ። እዚኣቶም ከምቶም ሰብ ብጫ ጃኬት ተባሂሎም ዝጽውዑን ኣብ ፈረንሳይ 20 ሽሕ ሰብ ኣብ ጐደና ዘሰለፉን ጒጅለ ምዃኑ ይዝረበሉ። መስራቲ ናይዚ ምንቅስቓስ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com