Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣመሪካ ዜጋታት ካብ ዒራቕ ክወጹ ትጽውዕ።

ዋሽንግተን ነቶም ኣዝዮም ወሰንቲ ዘይበሃሉ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ካብ ዒራቕ ክምለሱ ጸዊዓ። ምምሕዳር ኣመሪካ ብረቡዕ ግንቦት 15, 2019, ነቶም ኣዝዮም ወሰንቲ ዘይበሃሉ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ካብ ዒራቕ ክምለሱ ኣዚዙ’ሎ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ምሃብ ቪዛ ንግዚኡ ደው ከም ዘበሎ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ንዜጋታት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ምጒዳል ኣገልግሎት ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ክገብረሎም ምዃኑ’ውን ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ብሰሪ ንእሽቶ ምምሕዳራዊ ጌጋ ንሱን ስድራኡን ተባሪሩ።

ሓሙሽተ ዝርእሱ ሰራሕተኛ ብሰሪ ዝሰርሖ ንእሽቶ ጌጋ ካብ ሽወደን ክባረር ከም እተኣዘዘ ተፈሊጡ። እዚ Gentian Hoksa ዝስሙ ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ Småland ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣልባንያዊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ናይ ስራሕ ውዕሉ ከናውሑሉ ንዘቕረቦ ሕቶ ምንጻጎም ከም ዘሰንበዶ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ንሱን ስድራኡን ብህጹጽ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣፍሊጦሞም ኣለዉ። “እቲ ዘስርሓኒ ኩባንያ ፋይናንሳዊ ጸገም ስለዝነበሮ ናይ ዕረፍተይ ደሞዝ ኣብ ግዚኡ ኣይከፈለንን” ክብል Huxa …

Read More »

ኣባል ሓደ ሃይማኖታዊ ጒጅለ ነበር ብጾታዊ መጥቃዕቲ ይኽሰስ።

ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን ሰለስተ ኣባላት ክርስትያናዊ ጒጅለ ሃይማኖት ነበር ብጾታዊ ምዝመዛን መጥቃዕትን ምኽሳሱ ተፈሊጡ። እዚ ጒጅለ ኣብ ሰሜን ኣፕሳላ ዝርከብን ጴንጠቘስጠ Knutby ተባሂሉ ዝፍለጥን እዩ። ሸሞንተ ኣባላት እዚ መጓሰ ኣብ ዓመታት 2015ን 2018 ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ምዃኖም ከኣ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሓንቲ ካብተን ተኸሰስቲ Åsa Waldau ዝተባህለትን ኣብቲ ቤተክርስትያን “መርዓት ክርስቶስ” ብዝብል ቅጽል ስም እትፍለጥን ዝነበረት እያ። እዚ ሃይማኖታዊ ጒጅለ ኣብ …

Read More »

ፍልስፍናን ሓርነትን ቀዳማይ ክፋል

“ቅኑዕ ንዘበለ ሕጊ ነብስኻ ተገዛኢ ምግባር ሓርነት እዩ” ዣን ዣኽ ሩሶ ሓርነት ካብቶም ኣዝዮም ዝዝውተሩን ትርጉሞም ዝተዛበዐን ኣምራት ሓደ እዩ፡፡ ንምዃኑ ሓርነት እንታይ ማለት እዩ? በቲ ኣዝዩ ልሙድ ኣተራጉማኡ ሓርነት ከም ድላይካ ምዃን፤ ካብ ዝኾነ ዓጋቲ፤ ደራቲን ባርያኡ ዝገብረካን ሓይሊ ናጻ ምዃን ማለት እዩ፡፡ ቶማስ ሆበስ እተባህለ ፈላስፋ ብዛዕባ ሓርነት እንክጽሕፍ ከምዚ ይብል–ሓርነት ክትብሮ ካብ እትደሊ ዘታርፈካ ግዳማዊ ዕንቀፋት ወይ …

Read More »

ልእልቲ ኖርዌይ ኣፍቃሪኣ ዕላዊ ጌራ።

ልእልቲ ኖርዌይ ማርታ ሉዊ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ስእሊ ኣመሪካዊ ኣፍቃሪኣ ሻርማ ቨሪት ብምጥቃዕ ፍቕራዊ ህይወታ ጋህዲ ጌራ’ላ። ኣብቲ ስእሊ “ነዚ ዝመስል ኣፍቃሪ ምርካበይ ኣዝየ ዕድለኛ እየ፥ ኣብዛ ዓለም ዘይቅድመ-ኲነታዊ ፍቕሪ ምህላዉ ክርዳእ ብምግባር ንህይወተይ ቀዪርዋ እዩ። ሳላኻ ሰሓቕ መዋዕልተይን መሓድርተይን ኮይኑ’ሎ ፍቕረይ። ንዘለኣለም ከፍቅረካ እየ!” ዝብል ጽሑፍ ከኣ ምስቲ ስእሊ ተለጢፉ ኣሎ።፡ ወዲ 44 ሻርማ መሃዚን ተጣባቒ መሰል ደቀንስትዮን እዩ። …

Read More »

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ክሲ ሳላንጅ ዳግማይ ይኸፍቱ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ቅድሚ ሕጂ ተዓጽዩ ዝነበረ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ሳላንጅ ክኸፍቱ ምዃኖም ብሰኑይ ገሊጾም ኣለዉ። መስራቲ ዊኪሊክስ ዝነበረ ኣሳንጅ ኣብ ሽወደን ተኸፊትዎ ዝነበረ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ 2017 ምዕጻዉ ዝዝከር ኮይኑ ሓንቲ ካብተን ከሰስቱ እቲ ጒዳይ ዳግማይ ክኽፈት ምግባራ ይግለጽ ኣሎ። ኣሳንጅ ብ 2010 ናብ ሽወደን ድሕሪ ዝገበሮ መገሻ እዩ እቲ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ክሲ ዝሰዓበ። ንሱ እቲ ዝገበሮ …

Read More »

ርክብ ሽወደንን ሩስያን ዛሕቲሉ።

ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሽወደንን ሩስያን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ተባሂሉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብዚ ሰሙን ሩስያ ክልተ ሽወደናውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ሃገራ ድሕሪ ምብራራ እዩ ክብል ክኢላ ዲፕሎማሲ ኣብ ኡፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ዝኾነ ፕሮፌሰር Stefan Hedlund, ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

Read More »

ምምንጫው በካሊ ትኪ ሽወደን ወሲኹ።

ምምንጫው በካሊ ትኪ ሽወደን ኣብ ክንዲ ዝንኪ ብኣንጻሩ ወሰኽ ምርኣዩ ብኤጀንሲ ምዕቃብ ከባቢ ሽወደን ዝተፈነዉ ኣፈናዊ ኣሃዛት የረጋግጹ። በዚ መሰረት ፈነወ በካሊ ጋዝ ሽወደን 0.9 በጺሑ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብማእከል ሰርዓተ ሙቐት እታ ሃገር ዝዝውተር ናይ ከሰል ነዳዲ እዩ ተባሂሉ። ባይቶ ሽወደን ዘውጽኦ ሸቶ ከባቢ ንምምላእ ገና ነዚ ኣሃዝ ብ 5 ወይ 8 ሚእታዊት ምጒዳል ከም ዝሓትት ይግለጽ።

Read More »

ብሰንኪ ዋሕዲ መረጽቲ ፈረንሳ ናብ ሽወደን ተቋምት።

ኤምባሲ ፈረንሳይ ኣብ ስቶክሆልም ነቶም ልዕሊ 6 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታቱ ኣብቲ ኣብ ግንቦት 26 ኣብ ሽወደን ዝካየድ ምርጫ ኣውሮጳዊ ሕብረት ድምጾም ንኽህቡ የተባብዕ ኣሎ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ 2014 ኣዝዩ ውሑድ መራጺ ብምኽሳቱ እዩ ክትብል እታ ማዕከን ሓበሬት ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኣብ Västerås ገዚፍ ወፈራ ፖሊስን ሄሊኮፕተራትን ተራእዩ።

ከተማ Västerås ከባቢኣን ብሄሊኮፕተራት እተሰነዩ ብዝሒ ዘለዎም ሓለዋ ፖሊስ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ። ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ፖሊስ ነዚ ሓበሬታ ልክዕ ምዃኑ እኳ እንተረጋገጹ እንታይ ዘለ መስርሕ ይካየድ ምህላዉ ግና ናብ ዝርዝር ክኣትዉ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። “ሓደ ሸቶ ዘለዎ ዓብዪ ስርሒት መርመራ ዝካየድ ዘሎ’ዩ ዝመስል” ድሕሪ ምባል ፖሊስ ስርሖም ድሕሪ ምውዳኦም ምሉእ ሓበሬታ ክህቡ ምዃኖም ገሊጹ’ሎ። ድሒሩ ዝመጸና ዜና ከምዝሕብሮ ፖሊስ ከባቢ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com