Thursday , May 16 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ክፍሊ ኢሚግሬሽን ንወዲ ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ናይ ምስጓጒ ውሳኔኡ ይስርዝ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ንወዲ ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ናይ ምብራር ውሳኔኡ ብምስራዝ ኣብ ሽወደን ክጸንሕ ምፍቃዱ ጋዜጣ Dagens Nyheter ጸብጺባ። እዚ ምስ እንዳዓለቦኡ ዝቕመጥ ዘሎ ህጻን ድሕሪ ሞት ወላዲቱ ናብ ዩክሬይን ክባረር ተወሲኑ እኳ እንተነበረ ኣብ ዩክሬይን ምንም ዝቕበሎ ዘመድ ከም ዘይብሉ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ እቲ ውሳነ ከም ዝስረዝ ተጌሩ። ኣደ እቲ ህጻን ኣብ ሚያዝያ 2015 እያ ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ …

Read More »

ፈጣናት ኣውቶቡሳት ኤልትሪክ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሽወደን ክኣትዋ እየን ተባሂሉ።

ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ዓመተ 2019 ሓደስቲ ፈጣናት ኣውቶቡሳት ካብ ነቚጣታት Barkabyን Akalla Metro Stationን ስራሕ ከም ዝጅምራ ተፈሊጡ’ሎ። እዘን ኣውቶቡሳት ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዘለወን ኮይነን ብናህሪ ብምጒዓዝ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ርሕቀት ዝሰይትያ እየን ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዞባ ዓብዪ ከተማዊ ምንቅስቓስ ይረኣዮ ምህላዉ፡ ክሳብ ሕጂ 10ሽሕ ኣባይቲን ትሕተ-ምድራዊ ባቡር ተሃኒጾም ምህላዎም ድማ ተመልኪቱ’ሎ። እዘን ኣውቶቡሳት ስራሕ ኣብ ምጅማረን እቲ ጒዕዞ ካሳብ ቅድም …

Read More »

ትካል ጸጥታ ትሕቲ ምድሪ (tunnelbanan) ስቶክሆልም 2 ሰራሕተኛታቱ የባርር።

ትካል ጸጥታ ትሕቲ ምድሪ (tunnelbanan) ስቶክሆልም ሓሙስ ምሸት ክልተ ኣባላት ንሓንቲ ነፍሰጾር ሰበይቲ ብጎነጽ ካብ Metro ባቡር ኣውጺእኩም ብዝብል ካብ ስራሕ ደው ኣቢልዎም። እታ ሰበይቲ ናይ መሕለፊ ወረቕት የብልክን ብምባል ኣውጺኦሟ ከይኮኑ ዝብል ጥርጣረ ኣሎ። ብዙሓት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ክልተ ፖሊስ ንሓንቲ ነፍሰጾረ ሰበይቲ ምስ ውሉዳ ካብ ባቡር ብሓይሊ እናውጹኡዋ ዘርኢ ናይ ቪድዮ ምስሊ ፈነየን ኣለዋ። እቲ ዝተፈነወ ስእሊ ከቢድ …

Read More »

ኣዕራብ ወሽመጥ ዓረብ ንምብጻሕ ጳጳስ ፍራንሲስ ብዓቢ ህንጥዩነት ይቕበሉ።

ኣዕራብ ወሽመጥ ዓረብ ንምብጻሕ ጳጳስ ፍራንሲስ ብዓቢ ህንጥዩነት ይቕበሉ። ኣዚና ኢና ነመስግን። እዚ ኣብ ህይወትካ ምሉእ ዘይርከብ ዕድል እዩ ትብል ፍሊፒናዊት ስደተኛ ረይ አርዊን። 44 ዓመት ዝዕድሜኣ አርዊን ሓንቲ ካብቶም ሰሉስ መዓልቲ ኣብ ኣቡዘቢ ክፉት ዕዳጋ ክርከቡ ዝመጹ ኣስታት 135 ሽሕ ምእመናን እያ። ኣብኡ እቲ ኣብ ፊሊፒንስ ብ “ሎሎ ኪኮ” ዝፍለጥ ጳጳስ ፍራንቺስስኮ ኣብ ጒዳይ ሰላም ዝተፈላለያ እምነታት ኣመልኪቱ ጽሑፍ …

Read More »

ፍልስፍናን ስነ-ምግባርን ብናስሮቪች

ቀዳማይ ክፋል ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ስነ-ምግባር ግጉይ ግንዛበ እዩ ዘለዎም፡፡ ስነምግባር ዝህሉ ንምቕጻዕ ኣሲርካ ንምሓዝ ወይ ንምዅናን ኣይኮነን፡፡ ነዚ ዝዓዩ እዅላት ኣብያተ ፍርዲ : ኣብያተ ማሕቡስን መደበራት ፖሊስን ኣለዉ፡፡ እዞም ትካላት ንባዕሎም ሕፍቲ ብዘይብሉ ንጹህ ስነ-ምግባራዊ መትከላት ድዮም ዝምርሑ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት ሶቅራጦስ ብመስርሕ ፍርዲ ሓሊፉ እዩ ንሞት ተኾኒኑ፡ እንተኾነ ግና ካብቶም ዘቕተልዎ ዝዓቢ ስነምግባርን ናጽነት ኣእምሮን …

Read More »

ኣመሪካ ተወሰኽቲ 3750 ወተሃደራት ናብ ዶብ መክሲኮ ትልእኽ።

ኣመሪካ ተወሰኽቲ 3750 ወተሃደራት ናብ ዶብ መክሲኮ ክትልእኽ እያ ክብል መደበር ምክልኻል ኣመሪካ ካብ ፔንታጎን ሓቢሩ። ብጠቕላላ 4350 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዶባት ክልቲኣተን ሃገራት ክዕስክሩ እዮም ማለት እዩ። እዞም ሓደስቲ ተወዛዕቲ ኣብቲ ዶባት ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ሓለዋ ወሰንን ምህናጽ ትሪኮላታዊ ሓጹርን ክዋፈሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ። እቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሓለዋ ዶብ ዝነበሩ ወተሃደራት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብኡ ክጸንሑ እዮም …

Read More »

ሓላፊ ትካል ኣልኮምፒስ ዶክተር ማሕሙድ ዓጋ ኣብ ኣኼባ ዞባ ስኮነ (skåne) ተሳቲፉ።

ሓላፊ ትካል ኣልኮምፒስ ዶክተር ማሕሙድ ዓጋ ኣብ ኣኼባ ዞባ ስኮነ ተሳቲፉ። ምምሕዳር ዞባ ስኮነ ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ ግደ ማዕከናት ዜና ኣብ ምብጻሕ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንሓደስቲ መጻእቲ ብዝብል ቴማ ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ። ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣካያዲ ትካል ኣልኮምፒስ ዶክተር ማሕሙድ ዓጋ ተረኺቡ ግደ ኣልኮምፒስ ብምዝርዛር ኣገዳስነት ናይ ሓበሬታ ንሓደሽቲ መጻእቲ ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ምምሕዳር ስኮነ (skåne) ነቶም ዝቀረቡ ሓሳባት ድሕሪ …

Read More »

ኢድካ ናብ ካልኦት ዘይምውጥዋጥ!

ኣብዚ ዓለም፣ ወድ ሰብ ጥራይ እዩ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ፍጡር ሰፊሕ ልቦናን ጥበብን ተዓዲሉ። ይኹን’ምበር ኣብ ህይወት ምሉእነት ስለዘየልቦ ኣብ ትግባረ ዉጥናቱ ዕንቅፋታት ከጋጥምዎን ጌጋታት ክፍጽምን ንቡር እዩ። ዝበዝሕ እዋን ሰባት ንዓወቶም ምስ መንፍዓቶም ከተኣሳስርዎ እንከለዉ፣ ንፍሽለቶም ድማ ናብ ግዳማዉያን ረቛሒታት ወይ’ዉን ካልኦት ሰባት ከጸግዕዎ ይረኣዩ። ጌጋታት ግን ምኽኒት ስለዘናደኻሎም ዘይኮነ ብኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ተመሪሕካ ክትገጥሞም ሕልናዊ ቅሩብነት ምስ እተርኢ ጥራይ …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሒደት ሰራሕተኛታት ጥራይ ከምዝሰጐጐ ተፈሊጡ።

ባጀት በዓል መዚ ኢመግረሽን ኣብ 2019 ብዙሕ እኳ ምንቊልቋል እንተርኣየ ዛጊት ሒደት ሰራሕተኛታት ጥራይ ካብ ስርሕ ከምዝሰጐጐ ተፈሊጡ። በዚሑ ተባሂሉ ካብ ሓሙሽተ ከባቢታት 92 ሰራሕተኛታት ጥራይ እዩ ክሰጒግ ተባሂሉ’ሎ። “ባጀትና ተቘሪጹ ኣብ ኣሰካፊ ኲነታት”ኳ እንተሃለና ካብቲ ቅድሚ ሕጂ እተጸበናዮ ንላዕሊ ሰባት ክንሕዝ ንኽእል ኢና” ይብል ኣብ ቦርድ ኢመግረሽን ሓላፊ ምቅይያራት Magnus Onnestig። ብግብሪ ናብ ኣገልግሎት ሽቕለት እተላእከ ጸብጻብ ናይቶም ስራሕ …

Read More »

ማእከል ኮምፕዩተር ዩኒቨርሲቲ Linköping መበል 30 ዓመቱ ጸንቢሉ።

ብዕድመ ዝዓበየ ሃገራዊ ማእከል ኮምፕዩተር ዩኒቨርሲቲ Linköping መበል 30 ዓመቱ ጸንቢሉ። ኣብቲ ጽንብል ሓሙሽተ ልዑል ፍጥነት ዘለወን ኮምፕዩተራት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ክትከላ እየን። ሓንቲ ካብዚኣተን ኣብ ሽወደን እታ ዝዓበየት ኮምፕዩተር እያ ተባሂሉ’ሎ። እዛ ዓርሞሸሽ ኮምፕዩተር ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ እታ ዝሓየለት እያ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ Linköping ዝተስርሓ ካልኦት ኮምፕዩተራት ኣብ ኣካዳምያዊ መጽናዕቲ ትምህርቲን ቡለቲን ኣየርን ሓዊስካ ኣብ ሓያሎ ዓውዲታት ኣገልግሎት ክህባ እየን። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com