Friday , May 17 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ፖሊስ ሽወደን መጠንቀቅታ ይህቡ።።

ሰባት ብ SMS ካብ ዝመጾም መልእኽቲ ክጥንቀቑ ፖሊስ ሽወደን ኣተሓሳሲቦም። በዚ መገዲዚ ኣቢሎም ጒሒላታት ናይ ሰባት ብሕታዊ ሓበሬታ ንምርካብ ምትላል ይፍጽሙ ምህላዎም ከኣ ገሊጾም። ሒድት መዓልታት ቅድሚ ምስዳድ ሓበሬታ ኣታዊ በዓልመዚ ቀረጽ ንዂሎም ብዕድመ እኹላት ሽወደናውያን ዝርዝራት ዓመታዊ ኣታዊ: ዝኽፈል መጠንን ካልእን ዝምልከት ናይ ፖስታ ወይ ኢሜይል መልእኽቲ ክሰድድ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ። ስለዚ ድማ ካልእ ዝመጾም መልእኽቲ ክስርዝዎ ተላብዮም። …

Read More »

ቫቲካን ሚስጥራዊ ሰነዳት ፓየስ ክትቀልዕ ምዃና ጳጳስ ፍራንሲስ ኣፍሊጡ።

ቫቲካን ሚስጥራዊ ናይ ዘመነ ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ ሰነዳት ፓየስ መበል 12 ክትቀልዕ ምዃና ጳጳስ ፍራንሲስ ኣፍሊጡ። ፓየስ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም (1939-1958 ) ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝነበረ ኾይኑ ንምትንሳእ ሰልፊ ናዚ ዘተባብዐን ብዛዕባ ምጽናት ህዝቢ ኣይሁድ ኲንኔ ዘየስምዐን እዩ ተባሂሉ ብዙሕ ክንቀፍ ዝጸንሐ እዩ። ቫቲካን ፓየስ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ኣንጻር ናዚን ምጽናት ዓሌትን ተቓሊሱ እዩ በሃሊት እያ። ነቶም ቅድሚ …

Read More »

ሽወደን ልዕሊ 100 ኣብያተ ጽሕፈታት መራኸብቲ ስራሓት ትዓጹ ኣላ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት Arbetsförmedlingen ፖለቲከኛታት ባጀት ክቖርጹ ምኻኖም ድሕሪ ምፍላጦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዘለዉ ናይ ስራሕ ማእከላቱ ካብ ፍርቆም ንላዕሊ ክዓጽዎም ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ትካል ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ካብተን ዘለዋኦ 242 ናይ ውሽጢ ሃገር ስርሓት ነተን 130 ክዓጽወን ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ውሳነ ኣብ ገጠር ንዝርከባ ንኡሳንን ማእከሎትን ማእከላት ክሃሲ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዜና እቲ ትካል 4500 ካብ …

Read More »

ቻይና ክልተ ካናዳውያን ብወንጀል ስለያ ትኣስር።

ዲፕሎማት ነበር ማይክል ኮርቪግ ከምኡውን ነጋዳይ ማይክል ስፓቮር ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ቻይና ኣትዮም። ኣቐዲማ ቻይናዊት ሜንግ ዋንዡ ብጠርጠራ ምጥፍፋእን ምጥሓስ ሕጊ ኢራን ተኸሲሳ ኣብ ካናዳ ከም እተቐየደት ይፍለጥ። ወይዘሮ ሜንግ ካናዳ ብዘይዝኾነ ገበን እያ ቐዪዳትኒ ብምባል እያ ትኸስስ። ቻይና ብወገና ንተግባር ካናዳ ኮኒናቶ’ላ። ምእሳር እዞም ካናዳውያን መርኣያ ምንቊልቋል ዲፕሎማስያዊ ርክብ እዘን ሃገራትን ተግባር ሕነ ምፍዳይ ከይኮነ …

Read More »

ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ሓፈሻዊ መርሓ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዲፉ’ሎ።

ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ኣብ ዕላዊ መርብበ ሓበሬታ ጽያፍ ነገራት ዝጽሕፉ ሰባት ከም ዝእግዶም ብምግላጽ ሓፈሻዊ መርሓ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዲፉ’ሎ። ናብ መርበብ ሓበሬታታት ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ጸርፊን ጽልኢ ዝመልኦ መልእኽቲን ብማሕበራዊ ሚድያ ከም ዝለኣኽ ይፍለጥ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ዝኾነ መልእኽቲ ካብ ጸርፊን ምንሻውን ጸያፍ ኣባህላን ናጻ ኮይኑ ኣኽብሮታዊን መጎታዊን ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ’ሎ።

Read More »

ኣመንቲ ጀሆቫ ብምዃኖም ኣብ ማእሰርቲ ሩስያ ይሳቐዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ሩስያ ብምኽንያት ዝስዕብዎ ሃይማኖት ብፖሊስ ስቓይ ከም ዝወረዶም ኣመንቲ ጆሆቫ ዊትነስ ገሊጾም። ማሕበር ናይዞም ኣመንቲ ካብ 2017 ንደሓር ኣብ ሩስያ ብሕጊ ዝተኸልከል እዩ። እቲ እምነት ከም ሓደ ኣሸባሪ ጒጅለ ከም ዝረአን ዛጊት ዓሰርተታት ኣመንቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተሓዪሮም ምህላዎምን ይፍለጥ። ሰብመዚ ሰርጒት ነቲ ክሲ ምስቓይ ፈለማ ክኽሕድዎ እኳ እንተፈተኑ ጸኒሖም ክንምርምሮ ኢና ኢሎም ኣለዉ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን …

Read More »

ፕሮዲጂ ፍሊንት ኪዝ ኣብ መበል 49 ዓመቱ ዓሪፉ።

ህቡብ እንግሊዛዊ ደራፋይ ሙዚቀኛን ሳዕሳዓይን ጒጅለ ሙዚቃ ፕሮዲጂ ፍሊንት ኪዝ ኣብ መበል 49 ዓመቱ ዓሪፉ። ንሱ ኣብ ዱንሞ ኤሴክስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቱ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ። እቶም ግንቦት ንሙዚቃዊ ዑድት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኸዱ ዝዳለዉ ዝነበሩ መሳርሕቱ ብሞት ኪዝ ምሕዛኖም ብምግላጽ” ዓቢ መሃዛይን ኣውራን ኣርቲስቲ ኢና ከሲርና” ኢሎም። መሳርሕቱ ሊያም ሆውሌት ኣብ ወግዓዊ ኢንስታግራም ፕሮዲጂ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ” …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተ ስለያ ክገብር ዝጸንሐ ሽወደናዊ ተኣሲሩ ክትብል Dagens Nyhter ጸብጺባ።

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዒራቕ ተቐማጦ ሽወደን ስለያ ክገብር ዝጸንሐ ሽወደናዊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ክትብል Dagens Nyhter ጸብጺባ። 45 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰላይ ብዛዕባ ዒራቓውያን ስደተኛታት ንኻልእ ሃገር ስለያዊ ሓበሬታ ክህብ ጸኒሑ ብዝብል ጠርጠራ እዩ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ኣትዩ ዘሎ። ሓደ ካብ መቕርብ ጥርጡር እዚ ሰብ ካሜራ ዘይፍለዮ ምንባሩ ብምሕባር በቲ ኲነታት ምስንባዱ ገሊጹ’ሎ። ንሱ ንዝቐረበሉ ክሲታት ብምልኡ …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዑዲ ዓረብ ኣብ ጸሊም መዝገብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ምምዝጋብ ይኣቢ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዓርቢ ነቲ ንስዑዲ ዓረብን ኣርባዕተ ግዝኣታት ኣመሪካን ኣብ ጸሊም መዝገብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ክምዝገባ ዝብል እማመ ነጺግዎ። ስዑዲ ዓረብ ገንዘብ ብምዝውዋር ግብረሽበራውያን ኣብ ምምዋል ተውዕሎ ኣላ ዝብል ክሲ ክወርዳ ምጽንሑ ሮይተርስ ጸብጺቡ’ሎ። ስዑዲ ዓረብ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዙሕ ኣጽዋርን ኣቕሑን እትሽምት ሃገር ኣብ ልዕሊ ምዃና እዚ እማመ ከይትግበር ብዙሕ ጸቕጢ ክትገብር ምጽንሓ ይፍለጥ። ወከልቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዓርቢ ኣብ …

Read More »

ብማዕርነት ሕጊ ጾታታት ዝመጸ ሽወደን ካብተን ዝበለጻ ሃገራት እያ ተባሂሉ።

ባንክ ዓለም ኣብ ዝገበሮ መጠነ ሰፊሕ መጽናዕቲን ጸብጻብን እዩ እዚ ዝተገልጸ። ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ደቀንስትዮ ሰለስተ ርብዒ መሰል ደቂተባዕትዮ እዩ ጸኒሑወን። እዚ ድማ ስራሕ ኣብ ምርካብን ናይ ባዕለን ዋኒን ኣብ ምክያድን ዕንቅፋት ይኾነን ኣሎ። “ደቀንስትዮ ምሉእ ዓቕመን ዝጥቀማሉ ኲነታት እንተዝጣጣሕ ዓለም ብፍትሒ ጥራይ ዘይኮነ ብጸጋ እውን ምበልጸገት ኔራ” ትብል ወኪል ፕረሲደንት ባንክ ዓለም ክሪስታሊና ጂኦርጄቫ። “ዛጊት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com