Thursday , May 16 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ትራምፕ ንሽወደንን ሉቨንን የጥቅዕ!!

ኣመሪካዊ ተጻዋታይ ሙዚቃ ራፕ ኣሳፕ ሮኪ ጒዳዩ ብቤትፍርዲ መዓልቦ ክሳብ ዝረክብ ኣብ ቤትማሕቡስ ክጸንሕ ብቤት ፍርዲ ሽወደን ድሕሪ ምውሳኑ ሉቨን ብፕረሲደንት ትራምፕ ዘለፋ ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ። “ንኣሳፕ ፍትሕዎ። ንሕና ንሽወደን በዓልውዕለታ ኢና። ኢድና እዚ ኣይኮነን” ክብል ትራምፕ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ጽሒፉ’ሎ። “ሽወደን ኣብ ሓቀኛ ናይ ገበን ብድሆታታ ኣብ ክንዲ ተተኲር ኣብ ከምዚ ክትጽመድ ኣይነበራን” ክብል ድሕሪ ምውሳኽ ሉፈን ግቡእ …

Read More »

ሽወደን ብምጥሓስ ክሊ ኣየራ ን ነርወይ ትኸስስ!!

ሄሊኮፕተር ፖሊስ ኖርዌይ ናብ ክሊ ኣየር ሽወደን ብምጥሓሳ ሸወድን ከሲሳታ። ሚኒስትሪ ጒዳያት ሽወደን ሓንቲ ሄሊኮፕተር ፖሊስ ኖርዌይ 10 ማይል ክሊ ኣየር ሽወደን ምትሓሳ ሓቢሩ። እዚ ፍጻመ ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት ከም ዘጋጠመን ፖሊስ ሽወደን ኣብ ክሊ ኣየር ሽወደን ክትበርር ፍቓድ ተዋሂብዋ እዩ ኢሎም ብጌጋ ምግማቶም ከም ዘሕዘኖ ገሊጹ። በዞ ድማ ሽወደን ክሊ ኣየራ ከም ዝተደፍረ ንኖርዌይ ብዕሊ ሓቢራታ’ላ። ዝሓለፈ ዓመታት …

Read More »

ሽወደን ዲጂታላዊ ሕሳብ ጥርጡራት ንኸተደስክል ብፖሊስ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዝቐረበላ ሕቶ ትነጽግ!!

ፖሊስ ሽወደን ሕሳብ ጥርጡራት ገበን ኣብ ምድስካል ካብ ካልኦት ሃገራት ሓገዝ ይረኽቡ’ኳ እንተኾኑ ካልኦት ተመሳሳሊ ሓገዝ እንክሓታ ግና ከም ሕቶኦም ከም ዝንጽጉ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ብመሰረት እቲ ኣብ 2001 እተኸተመ ኣውሮጳዊ ውዕል ሳይበርክራይም እዚ ምድስካል ብሓገዝ ብዙሓት ሃገራት ጥራይ እዩ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል። ነዚ ሕጊ ዝፈረማ ሃገራት 18 እኳ እንተኾና ዛጊት ግና ሓጋጊ ኣካል ሽወደን አቲ ሽወደን ሕሳብ ጥርጡራት ገበነኛታት …

Read More »

ፖሊስ ገጽ ገበነኛታት ዘለሊ ቴክኖሎጂ ከተኣታትዉ ድሌት ከም ዘለዎም ገሊጹ።

ፖሊስ ሽወደን ገጽ ገበነኛታት ዘለሊ ቴክኖሎጂ ከተኣታትዉ ድሌት ከም ዘለዎምን ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ፈተነ ምክያዶምን ገሊጾም። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ እታ መሳርሒት ስእሊ ናይ ገበነኛ ምስ ኣብ ማዕከን ዘለዉ 40 ሽሕ ዝኾኑ ካልኦት ገጻት ብምንጽጻር እያ ገበነኛ ተለሊ። “እዚ ምስቲ ዝጸንሐ ብኢድ ዝግበር ዝነበረ ኣሰራርሓ ብምውድዳር ኣዝዩ ስሉጥ ኣገልግሎት ክንህብ ከኽእለና እዩ” ክብል በዓልመዚ ፖሊስ ሽወደን ማርቲን ቫልፍሪድሰን ን TV4 …

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 22, ሓምለ 2019

Read More »

ስቴቨን ሎቨን ኣብ ጒዳይ ሕጊ ሽወደን ማንም ኢዱ ከእቱ ኣይክእልን እዩ ክብል ንትራምፕ ብትሪ ነቒፉ።

ፕረሲደንት ዶንልድ ትራምፕ ብጒዳይ ኣመሪካዊ እሱር ተጻዋቲ ራፕ ኣሳፕ ሮኪ ንሕጊ ሽወደን ድሕሪ ምንቃፉ እዩ ሎቨን ከምዚ ዝበለ መልሲ ዝሃበ። ሮኪ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝነበረ ኣምባጓሮን ተዂስን ተጠርጢሩ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣቱ ኮይኑ ዘሎ ክብሉ ሰብመዚ ፖሊስ ሽወደን ይገልጹ። ትራምፕ ” እዚ ጒዳይ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ መታን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ክዛረብ እየ” ድሕሪ ምባሉ ኸኣ’ዩ ስቴቨን ” …

Read More »

ዋሺንተን ብጒዳይ እሱር ራፐር ምክትል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ናብ ሽወደን ልኢኻ!!

ጒዳይ ምስ ክልተ ርእሱ እተኣስረ ራፐር ንምሕታት ኣመሪካ ምክትል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ካርል ሪስ ናብ ሽወደን ምልኣኻ ተፈሊጡ። ሪስ ምስ ወከልቲ ቆንስላዊ ኣሃዱ ስቴት ዲፓርትመንት፡ ኣባላት ኤምባሲ ኣመሪካን ሚኒስትሪ ፍትሒን ክራኸብ እዩ ክብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። ብዙሓት ሰብመዚ ኣመሪካ ሽወደን ነዚ ናይ ራፕ ሙዚቀኛ ብምእሳራ ክዂንናኣ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሽውደን ግና እቶም ሰባት ብዝፈጸምዎ ገበን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

ካብ 20 ሓምለ 2019 ጀሚሩ ግዜያዊ ሕጊ ሓተትቲ ዕቚባ ግብራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ!!

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ለውጢታት እዚ ሓድሽ ሕጊ ንምጥርናፍ ስድራቤት ዝምልከት ብይን ይርከቦ” ክብል ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ’ሎ። “ነዚ ሕጊ ከበዳሉ ብዙሕ ኢና ሃሊኽና” ኣብቲ ክፍሊ ዝሰርሕ ፍረድሪክ ፔጀር። ባይቶ ሽወደን ዝሓለፈ ሰነ ግዜያዊ ሕቶ ዕቚባ ንኽልተ ዓመታት ከናውሕ ወሲኑ ኔሩ እዩ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ መለሳዊ ሓለዋ ዝረኸቡ ሰባት ከም ስደተኛታት መስል ምጥርናፍ ስድረቤታት ክህልዎም …

Read More »

ፖሊስ ኣብ ዮተበሪ ንዝነበረ ዓብዪ ምስግጋር ዕጸፋርስ ምፍራሶም ተገሊጹ!!

ብመሰረት ፖሊስ እቶም ገበነኛታት ንዝተፈላለየ ዓመታት ዝተፈርዱ ኮይኖም 10 ካልኦት ብጠርጠራ ተታሒዞም ኣለዉ። ኣማኢት ኣሽሓት ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ’ውን ተፈሊጡ። ኣብዚ ግዜዚ ፖሊስ ነቲ ናይ ዕጸፋርስ መርበብ ከም ዘዕነዉዎ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኣምኑ ምግላጾም ፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ። ሓላፊ ፖሊስ ምዕራባዊ ዞባ ቶቢያስ በርግቪስ ፖሊስ ብኣርባዕተ ገበነኛታት ጀሚሮም ንሰማንያ ኣባላት ምሓዞም ገሊጾም ኣለዉ። ዕድመ ናይዞን ኣባላት ገበን ካብ 18 …

Read More »

ቤትፍርዲ ንተሌቪዥን ሽወደን ብገንዘብ ይቕጽዖ!!

ተሌቪዥን ሽወደን SVT ንፖለቲከኛ ሰልፊ ድሞክራትና ነበር ኬንት ኤኸሮት ብዘይፍቓዱ ቪድዮኡ ብምልዓሉ ናይ 190 ሽሕ ክሮነር መቕጻዕቲ በይንሉ’ሎ። ብመሰረት እቲ ቤትፍርዲ እቲ ማዕከን ዜና ዝግብኦ ክረዲት ብዘይምሃቡ እዩ እቲ ክሲ ኣብ ልዕሊኡ ተፈጺሙ። ብዙሕ ዓመታት ይገብር ኤኸርት ሰባት ኣብ ጎደናታት ስቶክሆልም ዓሌታዊ ጸርፍታት እናዝነቡ ድሕሪ ምስኣሉ ድሕሪ ክልተ ዓመታት እቲ ስእሊ ዘሪቚ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ክቀባበላሉ ከም እተራእያ ይግለጽ። በዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com