Thursday , May 16 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሓሙሽተ ሰብኡት ካብ ሽውደን ናብ ዴንማርክ ዕጸፋርስ እናመላለሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም!!

እዞም ሓሙሽተ ሰብኡት ኣብ መጻብብ ኦረሱንድ ንእትርከብ ቪን ዝተባህለት ደሴት እናተጠቕሙ እዮም ዕጸፋርስ ከሳግሩ ተታሒዞም። እቶም ክልተ ሰብኡት ብጋዝ እትዓዪ ጃልባ ብምጥቃም ብ 10 ጥሪ ዕጸፋርስ ኣብ ምምልላስ እዮም ተዋፊሮም ኔሮም። ሳልሳዮም ድማ ነቲ ዕጸፋርስ ናብ መኪና ክራይ ብምጽዓን ናብ ሽውደን ከስግሮ መዲቦም እዮም ተንቀሳቒሶም። “እዞም ሰባት ኣብ ገበን ኣብ ምፍጻም ሓደ ካብ ሓደ ዘይሰንፍ ተራ እናተጻወቱ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር …

Read More »

ክፍሊ ውሽጣዊ ቀረጽ 50 ዝኾና ክሊኒካት ስኒ ቀረጽ ካብ ምኽፋል ክሃድማ ምጽንሐን ገሊጹ!!

50 ዝኾና ዝኾና ግላዊ ክሊኒካት ስኒ ቀረጽ ካብ ምኽፋል ክሃድማ ምጽንሐንን ብስም ዘየለዉ ሰባት ማሕበራዊ ጥቕሚ ክግሕጣ ምጽንሐንን በዓልመዚ ቀረጽ ስቶክሆልም ገሊጹ። እዘን ክሊኒካት ደይመደይ ኢለን እየን ነዚ ምህዳም ቀረጽን ምትላልን ክፍጽማ ጸኒሐን ክብል እቲ በዓልመዚ ገሊጹ’ሎ። “ብጠቕላላ እዘን ክሊኒካት ምስ ወለዱ ክሳብ 25 ሚልዮን ክሮነር እየን ዝእወዳ” ክብል እቲ በዓል መዚ ንEkot ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብሪሁ።

Read More »

ቤትፍርዲ ሽወደን ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ንዘጠፋፍአ ቻይናዊ ናብ ዓዱ ምስትላም ትኣቢ!!

ነዚ ገበነኛ ናብ ዓዱ ምስትላም ምስ ውዕል ኣውሮጳን ሕጊ ምስትላምን ዝጋጮ ብምዃኑ ኣሕሊፈ ኣይህብን እየ ክብል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብ ውሳኔኡ ጸኒዑ’ሎ። “ነዚ ቻይናዊ ናብ ዓዱ እንተስተሊምናዮ ብዙሕ ግፍዕን መከራን ክወርዶ እዩ፥ እዚ ድማ ምስ ውዕል ኣውሮጳን ሕጊ ምስትላምን ዝጋጮ ብምዃኑ ኣይንውዕሎን ኢና” ክብል ፒተር አስፕ ካብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ገሊጹ። እዚ ኣብ ክሊ ዕድመ ሓሙሳታት ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ቻይና ካብቶም ኣዝዮም …

Read More »

ፈረንሳ ን ሽወደን ተኸቲላ ሓዱሽ ሕጊ ቈልዑ ክትነድፍ ኢያ!!

ፈረንሳ ኣብነት ሽወደን ብምስዓብ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝወርድ ኩሉ ዓይነት ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክትእግድ ምዃና ኣፍሊጣ። ፈረንሳ ምጽፋዕን ካልእ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝወርድ ኣካላዊ መጥቃዕትን ዝእግድ ሕጊ ከተሕልፍ ምዃና ኣፍሊጣ’ላ። በዚ ድማ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ንዝእግዳ ብምጽንባር ፈረንሳ መበል 56 ሃገር ኮይና’ላ። እዚ ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ምቊራጽ ኲሉ ዓይነት ኣካላዊ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ውድብ ብዓቢ ሓጊስ ከም እተቐበሎ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ሓንቲ እተሓጀበት ጓለንስተይቲ ኣብ ጎደና ማልም ሓደ ሰብኣይ ቱፍ ከም ዝበለላ ትኸስስ!!

ሓንቲ እተሓጀበት ጓለንስተይቲ ኣብ ማልም ብሓደ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዳ ገሊጻ። ንሱ ኣብ ገጻ ምራቑ ከም ዝተፍኣላ ኣፍቶንብላዴት ንንባብ ኣብቂዑ። እዛ ራቢኒጃር ዝስማ ጓል 24 ዓመት መንእሰይ ብረቡዕ ናብ ስርሓ እናኸደት እዩ በዚ ዛጊት መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ መጥቃዕቲ ኣጓንፍዋ። “ኣብ ገጽ ጓለንስተይቲ ጡፍ ምባል ፍጹም ነውሪ እዩ” ክትብል በዓልቲ ሞያ ጥዕና እቲ ከባቢ ነታ ጋዜጣ ገሊጻ’ላ። እቲ ሰብኣይ ንንውሕ ዝበለ …

Read More »

ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ኣብ ገዛ ማሕዩር ንዝጸንሓ ካፔተን መርከብ ነጻ ክወጻ ወሲኑ

ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝድሓኑ ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ላምፐዱሳ ኢጣልያ ዝኣተወት ካፒቴን ናይ ሓንቲ መርከብ ዝኾነት ጀርመናዊት ካሮላ ራኬት ነፃ ክትወጽእ ተወሲኑ። ፖሊስ ኢጣሊያ ካሮላ ራኬት 40 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ብምጽዓን ንሕጊ ጸረ ፍልሰት ኢጣሊያ ብምጥሓስ ነታ መርከብ ኣብ ወደብ ብምዕሻጋ ፖሊስ ኢጣሊያ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ናይ ገዛ ማእስርቲ ክትጸንሕ ምግባሩ ይዝከር። ዳኛ ኣለሳንድራ ቬላ ግን ካፒቴን …

Read More »

ትርጉም ሰዓት ዓሰርተን ዓሰርተን

ሰዓት፡ ኣብ 14 ክፍለ ዘመን’ዩ ክቀላቐል ጀሚሩ። ኣብ’ቲ እዋን ዝነበራ ሰዓታት፡ ብንፋስ ተሓጊዘን ይሰርሓ ነበራ። ብዘይካ’ዚ ሰባት ብጽላሎት ተሓጊዞም፡ ሰዓት ክንደይ ከም ዘሎ ይፈልጡ ከም ዝነበሩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ይገልጽ። ኣብ 17 ክፍለ ዘመን፡ ነቲ ብንፋስ ተሓጊዙ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰዓት፡ ብሓይሊ ዝህብ ጸዓት ከም ዝሰርሕ ምስ ተገብረ:: ሰዓት ኣብ ዝኾነ ቦታ ከም ዝሰርሕ ኮይኑ ቀረበ። ሰዓት ኣብ እንገዝኣሉ እዋን፡ ኣይነስተብለሉን ንኸውን …

Read More »

ብሕቡእ ኣልኮላዊ መስተ ናብ ሽወደን ከስግር ዝተታሕዘ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ!!

ኣስታት 9800 ሊትሮ ኣልኮላዊ መስተ ሒዙ ብሕቡእ ካብ ጀርመን ናብ ሽወደን ክስገር ዝተትሓዘ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። እዚ ወዲ 47 ዓመት ዝኾነ ሰብዓይ ኣብ  ኦረሱንድ  መስጋገሪ ድልድል  ደንማርክን ሽወደንን ዝተታሕዘ  ኮይኑ ቅድሚ ሕጂ ውን ብዝተፈላለየ ዓይነት ክሲ ቀሪቡ ዝፈልጥ እዩ። ወሃቢ ቃል ከፍሊ ጉምሩክ ሽወደን ኣብዚ ሃቦ ሓቤረታ እዚ ሰብ ኣብ መኪና ሓቢኡ ፈስታ ኣለኒ ብዝብል ምኽንያት እዩ ሓቢኡ …

Read More »

ትፈልጡዶ?

1. ስዑዲ ዓረብ ካብ ኦስትረልያ ኣግማል ከም እትዕድግ 2. ኢራን፡ ብምሒር ናይ ድሕንነት ቅልውላው ብስለያ እተጠርጠራ 14 ምጹጽላይ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወት 3. ናይ ዓሳ ነባሪ ወይ ናይ ወይል መልሓስ፡ ካብ ምልእቲ ሓርማዝ ከም ዚኸብድ 5. እቲ ኣርምስትሮንግ እተባህለ ንመጀመርያ ግዜ ንወርሒ ዝረገጸ ኣመሪካዊ ኣስትሮኖት፡ ካብ ወርሒ ምስ ተመልሰ ብቤትጽሕፈት ኢሚግረሽን ከም ዝሓለፈ ትፈልጡዶ? 6. ወድሰብ እቲ እንኮ ፍጥረት ዘይ …

Read More »

ፖሊስ ጀርመን ዕጸፋርስ ዝነግድ ዝዓበየ ናይ ኦንላይን መርበብ ይረኽቡ!!

ድሕሪ ናይ ብዙሕ ኣዋርሕ መርመራ ፖሊስ ጀርመን ነዚ ዝዓበየ ኦንላይን ናይ መድሃኒት መሸጣ ዝረኸቡ ኮይኖም ምስዚ ብዝተሓሓዘ 11 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። በዓልመዚ ፖሊስ ፈደራል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ብዓርቢ ነዚ ስርሒት ምክያዶምን ነቲ ቤትመድሃኒት ክዕጾ ምግባሮምን ገሊጾም። ኣብዚ እንዳ መድሃኒት ከምኒ ኮኬይንን ሄሮይንን ዝመሰሉ ከበድቲ ዕጸፋርስ ይሽየጡ ምንባሮም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com