Wednesday , May 15 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሰብ መዚ ሽወደን ንዕጡቓት ብረት የጠንቅቑ።

ሰብመዚ ኣኽባር ሕጊ ሽውደን ኣባላት ዳዕሽ ብዝኾኑን ኣብ ሶርያን ዒራቕን ከቲቶም ብዝጸንሑ ሽወደናውያን ሰብ ብረት ኣብ ልዕሊ ሰባት ወንጀል ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምእማት መርመራ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ንሳቶም ንጋዜጠኛ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ገበን ተፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ጥርጣረ ከም ዘለዎምን ብመሰረት ኣህጒራዊ ሕጊ ነዚ ክምርምሩ ግዴታ ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ። ንሳቶም እቲ ገበን …

Read More »

ፓርላማ ሽወደን ንግዝያዊ ሕጊ ዑቕባ 2016 ን ተወሳኺ ክልተ ዓመታት ክናዋሕ ወሲኑ!!

ብመሰረት ፓርላማ ሽወደን ንምጥራንፍ ስድራቤት ዝምልከት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ጉዳይ  ግዚያዊ ሕጊ ዑቕባ 2016 ከምዘለዎ ንኽልተ ዓመት ማለት ስጋብ 2021 ክጸንሕ ክውስን ከሎ፡ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ማለት ናይ ሓደ ዓመት ጥራይ ክወሃብ ዝጸንሔ ድማ ልኽዕ ከምቶም ንካልኦት ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ይኹን ምጥራንፍ ስድራቤት ሓደ ዓይነት መስል ክወሃቦም ተወሲኑ ። ኣብዚ ና ይ ሎሚ ውዕሎ ነዚ ናይ ምንዋሕ እማመ ካብ …

Read More »

ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ትምህርቲ ስቶክሆልም ብጾታዊ መጥቃዕቲ ብሰኑይ ተኸሲሱ!!

ብመሰረት ጸብጻባት ተሌቪዥን ሽወደን እዚ ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርብዓ ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ብዙሓት ኣቐዲሙ ዝተቘጽረለን ኣብያተ ትምህርቲ ሕማቕ ኣታሕዛ ቈልዑ ምሕላፉ ተገሊጹ። ሓደ ካብቶም ዝቐረቡሉ ክሲታት ኣብ ጽድያ 2017 ኣብ ወዲ 10 ዓመት ህጻን ጾታዊ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ እዩ።

Read More »

ኩሉ ሰብ ኣንጻር ጎነጽ ክለዓል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ጸዊዑ!!

ቀዳማይ ሚኒስተር ስቲፈን ሉፈን ገበርቲ ገበን ክቕጽዑ ምዃኖም ብምምልካት ኲሎም ዜጋታት ኣንጻር ጎነጽ ደው ክብሉ ኣተሓሳሲቡ። እዚ ዝተባህለ ሸሞንቲአን ሰልፊታት ሽውደን ኣብ ባይቶ ድሕሪ ዘካየዳኦ ጒዳይ ጎነጽ ዝማእከሉ ዘተ እዩ። “ሰብ ኣብ ካልኦት ራዕዲ ከስፍን ኣዝዩ ተጸላኢ ነገር እዩ” ድማ ኢሉ። “ከምዚ ዝፈትዉ ሰባት ካልእ ዝንባለታት ከማዕብሉ ከነተባብዕ ኣሎና” ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ። ንሱ ኣብቲ ኣጋጣሚ መንግስቲ ኡልፍ ክሪኣተርሰን ገበን …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን መስከርቲ ንምሕላው ሓድሽ ስጒምቲ ንምውሳድ ይሸባሸብ!!

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምፐሪ (Mikhail Damperi) ብዓርቢ መዓልቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ከተማ ሌኮንቢን ምፍንጃር ድሕሪ ምግጣሙ መንግስቲ ውድባት ገበን ንምክልኻል ግቡኡ ክዋጻእ ጸዊዑ’ሎ። መስከርቲ ብዘይፍርሂ ሕነ ምፍዳይ ቤትፍርዲ ቀሪቦም ክምስክሩ ከም ዝግባእ እዚ ንምትብባዕ ድማ ምስክርነት ንዝህቡ ኣባላት ገበን ፍርዶም ከጐድል ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ’ሎ።

Read More »

53 ሚእታዊት ስደተኛታት ሽወደናዊ ዜግነት ምሓዞም ሕቡናት ምኻኖም ገሊጾም!!

 ዎርልድ ቫልዩ ሰርቨይ ዝገበሮ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ 53 ሚእታዊት ስደተኛታት ሽወደናዊ ዜግነት ምሓዞም” ኣዝዩ ከም ዘሐብኖም” 24 ሚእታዊት ከኣ ብመጠኑ ክብሉ ምምላሶም ገሊጹ። እቶም ኣዝዮም ሕቡናት ሶማላውያን እዮም ይብል እቲ መጽናዕቲ። ኣብ ዓመታት 2010 ከምኡ’ውን 2014 ዝተገብረ መጽናዕቲ 39.7 ሚእታዊት ተሓተትቲ ብሽወደናዊ ዜግነት ኣዝዮም ሕቡናት ምዃኖም ገሊጾም ኔሮም። እዚ መጽናዕቲ ካብ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ዝውለዱ 6516 …

Read More »

መጋበርያ ክኸውን ኣይተፈጠርኩን!

ብናስሮቪች Nature ንነፍሲ ወከፍና ብስምና እያ ትፈልጠና። ነዚ ዝኸውን ማእለያ ዘይብሉ ሳየንሳዊ መርትዖታት ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ ኣሰር ኣጻብዕና’ኳ ይፈላለ እዩ። ካብቶም ናብ ርሕሚ እኖኻ ዝኣተዉ ኣማኢት ሚልዮናት ዋህዮ ዘርኢ እቲ ሓደ ዕዉት እዩ ብውህደት እንቋቑሖ ሰሪሑካ። ዝተፈልየ ዋህዮ እንተዝዕወት “ንስኻ” ኣይምኾንካን። ኣብዚ ደርማስ ጠፈር ብዂለንትናኡ ንኣኻ ዝመስል ሰብ ኣይነበረን፥ የሎን፥ ንዘለኣለም ከኣ ኣይክትድገምን ኢኻ። እዝስ ንኣእምሮ’ውን ዝኸብድ እጹብ ድንቂ ነገር …

Read More »

ፖሊስ ማልሞ ንሓደ ሰብ ዘፈራርሕ ዝነብረ ተኪሶም ወቒዖም!!

ፖሊስ ሽወደን ን ሓደ ኣብ ማእከል መዋፈሪ ባቡራት ከተማ ማልሞ ቦንባ ክፈንጅር እየ ኢሉ ዘፈራርህ ንዝነበር ሰብ ድሕሪ ናይ ቡዙሕ ምሕጽንታ ሃሪሞም ከምዘውድቕዎ ገሊጾም። ስጋብ ሕጂ ዝኾነ ተወሳኺ መጉዳእቲ ኾነ ሓደጋታት ዝበጽሔ እካ እንተዘየለ እቲ ቦታ ግን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ኮይኑ ንግዚኡ ኣገልግሎት ካብ መሃብ ኣቓሪጹ ከምዘሎን ብኽኢላታት ሃንደሳ ዝኮነ ተፈንጀርቲ ከይህሉ ተፍትሽ ይግበረሉ ከምዘሎ ሓቢሮም። ወሃቢ ቃል ፖሊስ …

Read More »

ኣብ ማልም ማእከላት መመልመሊ ፖሊስ ተኸፊቶም!!

ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፖሊስ ኣብ ማልም 850 ማእከላት መሰልጠኒ ቦታታት መዲቦም እኳ እንተነበሩ እቲ ቊጽሪ ሕጂ 950 በጺሑ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ማልም ጥራይ እቲ ቊጽሪ ካብ 96 ናብ 144 ወሲኹ ኣሎ ተባሂሉ። ” ክሳብ መስከረም ዘድሊ መሳለጥያ ክንቅርብ ኢና። ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ ማልም ኸኣ 144 ተመሃሮ ክንቅርብ መደብ ኣሎና” ክትብል ዳይረክተር ስልጠና ፖሊስ ካሮሊን መልግረን ሓቢራ።

Read More »

ሸንገን ቪዛ ምምሕያሻት ይግበረሉ!!

ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምዕጋት ኣብ ዙርያ ሸንገን ቪዛን ሕጋውያን ተጉዓዝትን ገለ ምምሕያሻት ሕጊ ምግባሩ ገሊጹ። እዚ ሓድሽ ምምሕያሽ ሕጊ ንመስርሕ ቪዛ ኣውሮጳ ንጹርን ስሉጥን ክገብሮ እዩ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ኣውሮጳዊ ሕብረት ገሊጹ’ሎ። ገለ ካብቲ ምምሕያሻት ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ሕቶ ምቕራብን ክሳብ 6 ወርሒ ዝጸንሕ ቪዛ ምሃብን እዮም። እዚ ቪዛ ተደጋጋሚ ምእታው ዘፍቅድ ከም ዝኸውን እውን ተገሊጹ’ሎ። እዚ ኣብ መንጐ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com