Wednesday , May 15 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሽወደን ኣብ ዒራቕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይላ ንግዚኡ ከተደስክሎ ምውሳና ተገሊጹ።

ኣመሪካ ንኢራናዊ ኣዛዚ ሰራዊት ቃስም ሱሌይማኒ ዕላማ ዝገብረ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ጥቓ ከተማ ባቕዳድ ድሕሪ ምክያዳ እዩ እዚ ውሳነ ሽወደን ዝመጽእ ዘሎ። “ብምኽንያት ህሉው ኲነታት ኣብቲ ቦታ ክንሰርሕ ኣይንደልን ኢና” ክትብል በዓልቶ መዚ ሓበሬታ ሓይልታት ሽወደን ክሪስቲና ስዋን ሓቢራ’ላ። ኣብ መዓስከር ኣመሪካ ዒራቕ 70 ዝኾኑ ወተሃደራት ሽወደን ነቊጦም ከም ዝርከቡ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ፖሊስ ብስሙ ንእተገብረ ናይ ምትላል ስራሕ ኣቃሊዑ።

ገለ ሰባት ፖሊስ እናተመሰሉ ብፍላይ ንሽማግለታት የታልሉ ምህላዎም ፖሊስ ሓቢሩ። ገለ ሰባት ናብ ኣባይቲ ግዳያት ብምኻድን ኣብ ናይ ባንክ ሰነዳቱ ምርምር ብምግባርን ናይ ፒን ኮድ ክህቦም ብምሕታትን ሰባት የታልሉ ምህላዎም ድማ ኣብሪሆም። ፖሊስ ብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ፒን ኮድ ይዂን ሰነዳት ባንክ ወይ’ውን ክረዲት ሰባት ከም ዘይምርምሩ ሰባት ከስተውዕሉ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ። ናብ 1414114 ብምድዋል ናይ ዝመጾም ሰብ መንነት ከረጋግጹን …

Read More »

ዝኾነ ን ፖሊስ ኣብ ስራሕ ከለዉ ዝዕንቕፍ ጽንክር ዝበለ ሓድሽ ሕጊ ክወጽእ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ መስርሕ ምሕዳን ገበነኝታትን ሕጊ ኣብ ምኽባር ንዝንቀሳቐሱ ሰብመዚ ንምዕንቃፍ ዝንቀሳቐስ ድማ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ዝኽእሎ ሕጊ ከምዝወጸ ተሓቢሩ ። ተሪር ምጥሓስ ሕጊ ዝፈጸመ ብውሑዱ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ 18 ዓመትን ዕድመ ልክዕን ማእሰርቲ ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ዝብይን እዩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኣንጻር ገበናት ጒጅለ ዘተኣታተዎን ካብ 2020 ጀሚሩ ገግባራዊ ምዃን ዝጅምርን እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ኣብ ሽወደን 800 ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝገጠመን ተገሊጹ።

800 ዝኾና ደቂኣነስትዮ ካብ መጻምደን ነበር ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝመጸንን ተሓቢአን ክነበራ ምግዳደንን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። ብሰንኪ ጎነጻዊ ምፍርራህ ህይወተን ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ደቀንስትዮ ካብ ዝነበራሉ ከተማ ውጽእ ኢለን ብምርሓቕ ክነበራ ምጅማረን እውን እታ ጋዜጣ ኣብሪሃ’ላ። እታ ጋዜጣ እዘን ደቀንስትዮ ዘሕልፋኦ ዝበለቶ ስቓይ ዘርዚራ’ላ። ሓንቲ ሉዊዛ ዝስማ ካብዘን ግዳያት” ከይቅተል ብምባል ተሓቢአ እየ ዝነብር። ሰባት ምስ መትና ብዜና እዮም …

Read More »

ካብ ምጅማር እዛ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ስቶክሆልም ንዝንቀሳቀሳ መኻይን ክፍሊት ከምዝወሰኸ ተገሊጹ።

ካብ ጥሪ 1 2020 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ከተማ ስቶክሆልም ካብን ናብን ዝህሉ ምዝዋር መኪና ክፍሊት ክውስኽ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ጎደና ኤሲንግለደን ( Essingeleden ) ዝግበር ዝያዳ ዝኸበረ ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ምውሳኽ ቀረጽ ናብታ ከተማ ዝህሉ ኣታውነት ክውስኽ እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩሉ’ሎ። ኣብ ምዝዛም እዛ ዓመት ካብን ናብን ስቶክሆልም ዝግበር ነዊሕ ጒዕዞ ዝኸበረ ክኸውን እዩ። ብዙሕ ትራፊክ ኣብ ዝህልወሉ መዓልቲ …

Read More »

ክልተ መንእሰያት ብቕትለት ካብ 8 ክሳብ 16 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም።

፡ እዚ ቕትለት ኣብ ሓምለ 19 2019 ፍርቂ ለይቲ ዘጋጠመ ኮይኑ ሓደ መንእሰይ ኣብ ኖርዲስታን ማእከል ከተማ ዮተበሪ ብስሕለት ክውጋእ ብምግባር እዩ ተፈጺሙ። ፈጻሚ እዚ ገበን መጀመርታ ንተቐታሊ ኣብ ቅልጽሙ ቀጺሉ ኣብ ኣፍልቡ ብስሕለት ከም ዝወግኦን ግዳይ ናብ ሆስፒታል እናተወስደ ከም ዝዓረፈን ተመልኪቱ። ቤርፍርዲ ነቲ ካልኣይ መንእሰይ ኣብዚ ገበን ብምትሕብባሩ ብ 8 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ በይንሉ’ሎ። ብዘይካ እዚ ዝተጠቕሰ መቕጻዕቲ …

Read More »

ኣብ ኦስትሬጎትላንድ (Ostergotland)ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ልዕሊ 180 ጥርዓናት ናብ ፖሊስ ከም ዝመጹ ተገሊጹ።

እዚ ጻውዒትን ጥርዓንን ጒዳይ ዕጸፋርስ፥ ባእስን ካልእን ዘጠቓለል ኮይኑ ፖሊስ ዛጊት ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም 38 ከኣ ብዝተፈላለየ ጒዳይ ኣሲሮም ኣለዉ ተባሂሉ። ካብ መንጐ እዚ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ዝቐረበ ጒዳያት ኣብ ኖርሾኮፒን ከባቢ ቨርቤ ሰዓት 2 ለይቲ ዝተገብረ ጾታዊ ምድፋር ናይ ሓንቲ ኣብ ዕስራታት እትርከብ መንእሰይ ጥርዓን ከምዝበጽሖኦ እውን ፖሊስ ሓቢሩ። በዚ እተጠርጠረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

ንስደተኛታት ዝምልከት ሓደስቲ ናይ EBO ሕግታት ከምዝጅምሩ ተሓቢሩ።

ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ክቕመጡ ዝኽልክል ሕጊ EBO (ኣድራሻ ሂብካ ምውጻእ ዝምልከት) ካብ ረቡዕ ባሕቲ ጥሪ 2020 ጀሚሩ ክቕየር እዩ ተባሂሉ። እዞም ሕግታት ካብ ሓምለ ጀሚሮም ኣብ ትግባረ ዝውዕሉ ኮይኖም ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ተኣፈፍቲ ቦታታት ክሰፍሩ እንተመሪጾም ናይ መቚነን መሰላቶም ክስእኑ ሙኻኖም ተሓቢሩ። ኣብ ሶደርታልየ እዚ ምልዋጥ ሕጊ ብመሰረት ፖሊስ ሓደገኛታት ተባሂሎም ኣብ እተለለዩ ቦታትት ንዝሰፈሩ ሓተትቲ ዕቚባ ብኣዎንታ …

Read More »

ኣብዚ ዓመትዚ ቊጽሪ ምፍንጃር ብናህሪ ምውሳኹ ሓድሽ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ።

ክሳብ መወዳእታ 2019 ዝተፈላለያ ዞባታት እታ ሃገር 236 ምፍንጃራት ከም ዝረኣየን እዚ ድማ ምስቲ ዓሚ ዘጋጠመ 162 ምፍንጃራት እንክረአአ ገዚፍ ምውሳኽ ምርኣዩ BRA ኣብ ዘውጽኦ ኣሃዛት ኣመልኪቱ። ኣብዚ ዓመትዚ ዝተራእየ ምፍንጃራት ከምቲ ናይ ዓሚ ብብዝሒ ብዘቤታዊ ስርሓት ቦንባታት ዘጋጠመ ምዃኑ’ውን ተመልኪቱ’ሎ። “እዞም ናውቲ ጉጀለታት ገበን ዝጠቀሙሎም ኣዝዮም ሓደገኛታት መሳርሒታት እናኾኑ እዮም ዝመጹ ዘለዉ” ክብል ኣብ NOA ሃገራዊ ፖሊስ ዳይረክተር እቲ …

Read More »

ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ገለ ምምሕዳራት ሽወደን ኣብ ብዝሒ ህዝበን ዓቢ ምጒዳል ተራእዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን ዋላኳ ብሓደ ሚልዮን ምዕባዩ እንተተገልጸ ገለ ምምሕዳራት ከተማ ግና ብኣንጻሩ ቊጽሪ ህዝበን ናህሪ ዘለዎ ምጒዳል ኣርእዩ ኣሎ ተባሂሉ። ገሊኣተን ክሳብ ዓሰርተ ሚእታዊት ካብ ነበርተን ከም ዝጐደለ እዩ ዝንገር ዘሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት መጠነ ሞት ካብ መጠነ ውልደት በዚሑ ስለ ዝርከብ እዩ ክብሉ ክኢላታት ገምጋሞም ኣቐሚጦም ኣለዉ።፡ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ምስ ኤጀንሲ ዜና ቲቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com