Wednesday , May 15 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሽወደን ኣብ ሽቕለት ኣልቦነት ንዘለዉ ዝበለጸት ሃገር እያ ክትብል ሓንቲ ጋዜጣ ስጳኛ ገሊጻ።

ሓንቲ ጋዜጣ ስጳኛ ነቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ኣገባብ ምንኣዳ ተገሊጹ። እታ ጋዜጣ ኣብ ሽወደን ስራሕ ምስኣን ማለት ክንድቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝረአ ሓለፋታት መዓልታዊ ህይወትካ ማለት ክንክን ጥዕናን ፋይናንስን ምስኣን ከም ዘየስዕብ ብምጥቃስ ማሕበራዊ ድሕነት ንሽወደናውያን ውሕስነት ክስምዖምን ስራሕ ዘይብሎም ምስ ግዜ ክረኽቡን ከም ዝሕግዝ ኣብሪሃ። ሽወደን ብሃገር ደረጃ ካብ ስራሕ ንዝተሰናበቱ ብብሕቲ ዝሕግዝ ኣገባብ ከም ዘለዋን …

Read More »

ኣብ 2019 ቊጽሪ ግዳያት መጥቃዕቲ ብረት ዮተበሪ ምጒዳሉ ተገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዮተበሪ ዝኽሰት ዝነበረ ናህ ብረት መጥቃዕቲ ኣብ 2019 ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብምንጽጻር ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ይርከብ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ዓመተ 2019 ሓደ ሰብ ብብረታዊ መጥቃዕቲ ክመውት እንከሎ ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ 12 ምቑሳሎም ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ 2018 ግና 11 ሰባት እዮም ብጥይት ተወቒዖም ምንባሮም ይዝከር እዩ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ካብ ዝተኸስቱ 80 ብብረት …

Read More »

ልዕሊ 34 ሽሕ ውልቀሰባትን ትካላትን ዛጊት ዝግብኦም ቀረጽ ናይ ምሕዋይ ግደ ኣይፈጸሙን ተባሂሉ።

ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን ስካተርቨርት ( Skatteverket ) ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ልዕሊ 34 ሽሕ ውልቀሰባትን ትካላትን ዛጊት ዝግብኦም ቀረጽ ናይ ምሕዋይ ግደ ከም ዘይፈጸሙ ኣቃሊዑ። በዚ ድማ እቲ ብኣኣቶም ዝኽፈል ዕዳ ናብ 23 ሚልዮን ክሮነር ክዓቢ ጌርዎ ኣሎ ተባሂሉ። እዚ ኣብ ምግባር እንድሕር ምትሕብባር ዘይኣርእዮም ንብረቶም ናብ ህዝባዊ ማል ክሰጋገር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ። እዚ ገንዘብ ብፍላይ ነቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ …

Read More »

ካብ ዝመጽእ ዓመት ንደሓር ተግባራዊ ዝኾኑ ሕግታት ኣብ ሽወደን።

ምጅማር ሓድሽ ዓመት ማለት ሓደስቲ ሕግታት ኣብ ሽውደን ዝተኣታተወሉ ግዜ ኮይኑ እዞም ዝስዕቡ ሕግታት ካብ ባሕቲ ጥሪ 2020 ጀሚሮም ኣብ ትግባረ ክውዕሉ እዮም። ምንዋሕ ናይ ጥሮታ ዕድመ ሓደ ሰብ 68 ክሳብ ዝበጽሕ ናይ ስራሕ መሰሉ ሕሉው ክኸውን እዩ። ሰራሕተኛ ዕድሚኡ 68 ምስ ሓለፈ ጥራይ እዩ ካብ ስራሕ ከሰናብቶ ዝኽእል። ኣብ 2023 እዚ ደረት ዕድመ ናብ 69 ክውስኽ ትጽቢት ኣሎ ስደተኛታት …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሄልሲንኪ ብርቱዕ ነትጒ ኣጋጢሙ።

ትማሊ ወጋሕታ ብርቱዕ ነትጒ ኣብ ከባቢ ራምሎሳ ደቡብ ሄልሲንኪ ምኽሳቱን ኣርባዕተ ኣባይቲ ምዕናዉን ተገሊጹ። ፖሊስ ብዛዕባዚ ጒዳይ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3፡25 ምስምዖምን ክኢላታት ቦምባ ናብቲ ቦታ ክለኣኹ ከም እተገብረን ድማ ተሓቢሩ። ኣብተን ዝዓነዋ ኣባይቲ ሰባት ደቂሶም ከምዝነብሩን ፥ ዛጊት ዝተጐድአ ሰብ ከምዝየለ በዓልመዚ ፖሊስ ኒልስ ኤሪክ ስቨንሰን ሓቢሩ። ብመሰረት ዝተገብረ ኣፈናዊ መርመራ እቶም ተኰስቲ ዕላምኦም ብምስሓት ናብዚ ኣባይቲ ሃስያ ምውራዶም …

Read More »

ብበንዚንን ዲዘልን ዝንቀሳቐሳ መካይን ንምእጋድ መንግስቲ መርመራኡ ይጅምር።

ኣብ መንጐ መንግስትን ማእከላይ ሰልፊን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ 2030 ጀሚሩ ብበንዚንን ናፍታ ዝንቀሳቐሳ መካይን ብሕጊ ንምእጋድ ዘኽእል እማመ ንምቕራብ መንግስቲ ምርምር ምጅማሩ ተገሊጹ። “ብባዮጋዝ፥ ኢታኖልን ካልእ ተሃዳሲ ኬሚካልን ዝንቀሳቐሳ መካይን ንምትብባዕን በቲ ካልእ ሸነኽ ብበንዚንን ናፍታ ዝንቀሳቐሳ መካይን ንምእጋድ እዩ ዕላም እዚ እማመ” ክብል ኣፈኛ ክሊማ ሰልፊ ማእከል ሪቻርድ ኖርደን ምስ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ሓቢሩ። እዚ እገዳ …

Read More »

ንጉስ ሽወደን ሃገርና ብዙሕ ጸገማት ኣብ ቅድሜኣ ተገቲሮም ኣለዉ ኢሉ።

ንጉስ ሽወደን ካርል መበል 16 ብምኽንያት በዓል-ልደት ንሽወደናውያን ኣብ ዝፈነዎ መልእኽቲ ሽወደን ከም ገበንን ምልዋጥ ክሊማን ዝበሉ ብድሆታት ኣብ ቅድሚኣ ተገቲሮም ምህላዎም ኣመልኪቱ። ንሱ”ኣብ ሽወደን፥ ኣብ ዞባና ይኹን ብዓለም ደረጃ ከበድቲ ብድሆታት ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ምህላዎም ርዱእ እዩ። “ብደረጃ ዓለም ጎነጽ፥ ምቱኻስን እናዓበየ ምስ ምምጽኡ ብዙሕ ሻቕላ ፈጢሩ’ሎ። እዚ ንኣይን ንስድራይን ብዙሕ እዩ ዘሕስበና” ድማ ኢሉ። ኣነ ክዕቅነሉ ካብ ዝጀመርኩ …

Read More »

ሓደ ቤት ፍርዲ ሽወደን ን መምህሩ ዝቐተለ ገበነኛ ፍርዱ የማሕይሸሉ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምዕራብ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ መምህሩ ንዝቐተለ ገበነኛ ፍርዱ ካብ 11 ዓመት ናብ 9 ዓመት ክጐድል ጌሩ ተባሂሉ። ኲነታት ጥዕና ኣእምሮ ገበነኛ ኣብ ግምት ብምእታው ናብዚ ምጒዳል ፍርዲ ከም እተበጽሐ እውን እቲ ቤትፍርዲ ገሊጹ። ጓል 69 ዓመት መምህር እብ ኪየል ኣብ ዝርከብ ቤታ እያ ሂወታ ሓሊፋ። ፈጻሚ እቲ ቕትለት ድማ ብፍቓዱ ኢዱ ብምሃብ ቅትለት ምፍጻሙ ተኣሚኑ እዩ። …

Read More »

ሰረቕቲ ዱካን ኣትዮም ከይሽምቱ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ክተኣታቶ እዩ ተባሂሉ።

ደጋጊሞም ኣብ ስርቂ ምውፋሮም እተረጋገጹ ዕሉላት ዓዋሉ ካብዚ ጽድያ ጀሚሮም ናብ ዱካናት ኣትዮም ከይሽምቱ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ክተኣታቶ እዩ ተባሂሉ። ብዘይካዚ ካብ ኣብያተ መጻሕፍትን መሐንበሲን ዝኣመሰለ እውን ክኽልከሉ እዮም ይብል እቲ ሓበሬታ። ኣፈኛ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኣንድርያስ ካርልሰን ኣብያተ መጻሕፍቲ ስርዓት ዘይብለን እናኾና ይመጻ ምህላወን ብምግላጽ እዚ ሕጊ ካብ ዱካናት ሓሊፉ ክዝርጋሕ ሓቲታ’ላ።

Read More »

ክፍሊ ኢመግረሽ ካብዚ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ሓዲሽ ክፍሊት ከምዝህሉ ሓቢሩ።

ካብ ባሕቲ ጥሪ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ሽወደን ዋጋ መንበሪን ፍቓድ ስራሕን ክብ ክብል ኡኡ ተባሂሉ። ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ናይ መንበሪን ፍቓድ ስራሕን ዋጋ ካብቲ ዝጸንሐ ክብ ከብሎ እየ ክብል ገሊጹ’ሊ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ንመጀመርታ ግዚኡ እዩ። ናይ ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ክፍሊት ናይ ቪዛ ሕቶን ከከም ኲናታቱ ዝውሰን ካብ 250 ክሳብ 2000 ክሮና ዝኸውን ወሰኽ ክግበረሉ ይኽእል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com