Friday , May 10 2024

ብበንዚንን ዲዘልን ዝንቀሳቐሳ መካይን ንምእጋድ መንግስቲ መርመራኡ ይጅምር።

ኣብ መንጐ መንግስትን ማእከላይ ሰልፊን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ 2030 ጀሚሩ ብበንዚንን ናፍታ ዝንቀሳቐሳ መካይን ብሕጊ ንምእጋድ ዘኽእል እማመ ንምቕራብ መንግስቲ ምርምር ምጅማሩ ተገሊጹ። “ብባዮጋዝ፥ ኢታኖልን ካልእ ተሃዳሲ ኬሚካልን ዝንቀሳቐሳ መካይን ንምትብባዕን በቲ ካልእ ሸነኽ ብበንዚንን ናፍታ ዝንቀሳቐሳ መካይን ንምእጋድ እዩ ዕላም እዚ እማመ” ክብል ኣፈኛ ክሊማ ሰልፊ ማእከል ሪቻርድ ኖርደን ምስ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ሓቢሩ። እዚ እገዳ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ዶ ይተግበር ኣብ ዝብል እዚ መርመራ መጽናዕቲ ክገብረሉ እዩ።

ዕላማኡ ናብ ኣየር ዝፍኖ ናይ ካርቦን ዳዮክሳይድ መጠን ንምጒዳልን ሸቶታት ክሊማ ክውን ንምግባርን እዩ ድማ ኢሉ። ብዛዕባ ክዉንነት እዚ እማመ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ” እዚ ዘይተርፍ ፍልቀት እዩ። ውዒልና ሓዲርና ናብ ተሓዳሲ ጸዓት እዩ ጉዕዞና” ክብል መሊሱ። እዚ እማመ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ጥሪ እናተባህለ ዝፍለጥ ኣብ መንጐ ሰልፊታት ማእከላይን ሊበራልን ዝተገብረ ምኽታም እዩ። እዚ እማመ ተግባራዊ ንኽኸውን ብደረጃ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጽገና ገለ ሕግታት ክትግበር ከም ዝሓትት እውን ተመልኪቱ’ሎ። እዚ እማመ ዛጊት ብፍላይ ካብ ሸየጥትን ደለልቲን መካይን ብዙሕ ነቐፌታ የአንግድ ምህላዉ ድማ ተፈሊጢ። ንሳቶም እዚ እማመ ተግባራዊ እንተኾይኑ መካይን ዋግአን ክኸብር እዩ በሃልቲ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com