Saturday , April 27 2024

ባህሊ

ሰብ ሓዳር ደቀንስትዮን ድቃስን

“ስራሕ ጓለንስተይቲ ኣይውዳእን እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ክንሰምዕ እንከለና፡ ክብደት ናይቲ ኣብ ዝባን ደቀንስትዮ ዘሎ ድርብ ጾር ዝገልጽ ብቑዕ ኣበሃህላ ምዃኑ ኢና እንርዳእ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘቤታውን ናይ ደገን ስርሓት ከኣ፡ ብሰንኪ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ሃስያትትን ብስጭትን ዝለዓል ስነኣእምሮኣዊ ነውጽን ጭንቀትን የስዕብ’ሞ፡ እኹልን ጥዕና ዘለዎን ልዋም ድቃስ ከሊኡ፡ ብዝያዳ ኣብ ህይወታን ሓዳራን ኣሉታዊ ጽልዋ ይፈጥር። ሰብ ሓዳር ደቀንስትዮ፡ ግቡእ ድቃስ ምስ ዝስእና …

Read More »

ስቶክሆልም ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ትሸባሸብ።

ሽወደን ሓድሽ ዓመት ንምጽንባል ሙዚቃዊ ርችት ንምፍናውን ትዳሎ ኣላ ተባሂሉ። ናይ ሎም ዓመት ጽንብል ካብ ናይ ዓሚ ዝተፈልየ ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ እውን ተገሊጹ። ስቶክሆልም ካብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ርችት ምትኳስ ዝኸልከለት ኮይና ናብ ትሕት ዝበለ ጽፍሒ ንምጒዳልን ብሙዚቃ ዝተሰነየን ንምግባር ተዳልያ ኣላ።፡ ብራኸ እዞም ርችት ካብ 60 ክሳብ 75 ሜትሮ ኮይኑ ካብቲ ዓሚ ዝነበረ ናይ 300 ሜትሮ እንክነጻጸር …

Read More »

ቱሰ ተዓዋቲ ውድድር ኣይዶል ሽወደን 2019 ኮይኑ።

ቱሰ ቺሳ ኣብ ናይ መወዳእታ ውድድር ዝበዝሐ ድምጺ ብምርካብ ተዓዋቲ ኣይዶል ሽወደን ኮይኑ። እዚ ን ኣስታት 8 ወርሒ ዝቐጸለ ውድድር ኣዝዩ ኣድካን ብሙንባሩ ነዚ ዓወት ምብቕዔይ ንኩሉ ድምጺ ዝሃቦ ኣመስጊኑ። ቱሰ ድሕሪዚ ውድድር ብዙሕ ታሕጓስን ሃንደበትነት ከም እተሰምዖ ድማ ገሊጹ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ነብሰይ ምእማን ዳርጋ ኣጥፊአ ኔረ። ንቤተይ ክኸይድ ብዙሕ እዋን ወስዊሰ ኔረ ኢሉ ብምባል ነዚ ውድድር ገሊጽዎ። ኣብዚ …

Read More »

ዓምዲ ሓንቲ ዓለም፣ ናብ ሰማይ ጠምት ።

ሓደ እዋን ሓደ ሰብኣይ ለይቲ ተንሲኡ ንወዱ “ተመልሶ ወደይ፡ ተንስእ፡ ናብዛ ቐረባ ዓዲ በጺሕና ክንምለስ ኢና” በሎ። ተመልሶ ድማ ባዕጊጉ፡ “ኣቦ፡ ከውታ ለይቲ ደኣ እንታይ ክንገብር ኢና ናብ ቀረባ ዓዲ እንኸይድ” በሎ። ግን ከኣ ንኣቦኡ ስለ ዘኽብሮ ተንሲኡ ክዳኑ ወድዩ ምስ ኣቦኡ ንደገ ወጸ። ኣቦኡ ኣድጉ ኣኸቲሉ ወዱ ድማ ብጐድኑ ዘብዘብ እናበሉ መገዶም ቀጸሉ። ወርሒ ደሚቓ ወጺኣ ስለ ዝነበረት ኩሉ …

Read More »

ኣገደስቲ ጥቕስታት ሂወት!!

* ካብ ኣብ ዓወት ኣብ ውድቀት ኢኻ ዝያዳ ትመሃር። * ውድቀት፡ መሳልል ዓወት’ያ። * ብዝሓለፉ ክስተታት ፈጺምካ ከተስተንትን ኣይትንበር። ክምለሱ ስለዘይክእሉ። ብዝመጽኡ’ውን ፈጺምካ ኣይትጨነቕ። ከጋጥሙ’ውን ስለዘይክእሉ። ብዝተኻእለካ ኣብ ህሉው ንበር ንሂወትካ ኣብ ምምቃራን ምጽባቓን ከኣ ከይተሓለልካ ጸዓር። * እቶም ስቕ ኢሎም ዝርእዩ ፍጹም ኣይዕወቱን እዮም። ዕዉታት ከኣ ብኣንጻሩ ዓወት ኣይቋርጹን። * እቶም ሓቀኛ ሃብታማት ዝብሃሉ፡ እቶም ብዘለዎም ሕጉሳትን ተመስገን በሃልትን …

Read More »

ኤርትራዊ ደራሲ ሓጂ ጃብር ብልጫ ”ካታራ” ተሰሊሙ

ኤርትራዊ ደራሲ ሓጂ ጃብር፣ ”ካታራ” ዝተባህለ ንዝበለጸ ብዓረብኛ ዝጻሓፍ ልብ ወለ ዝዕደል ስልማት፣ ”ዓፍራ ቡን” (ራቕዋት ቓህዋ) ዝተባህለት ልብ ወለድ ድርሰቱ ቀዳማይ ብልጫ ስለ ዝወሰደት፣ ትማሊ 15/10/2019 ኣብ ዋና ከተማ ቀጠር ከም ዝተሰለመ ተፈሊጡ። ሓጂ ጃብር፣ ኤርትራዊ ደራሲ ኮይኑ፣ ብዙሓት መጻሕፍቲ ዝደረሰን፣ ”ሰምራዊት” ዝተባህለት ዝደረሳ ልብ ወለድ ብልጫ ናይ ”ሻርቃ” ወሲዳ ምንባራን ዝዝከር ኢዩ።

Read More »

ባህሊ:ቀቢላ ቻምቦሊ

ኣብ ቀቢላ ቻምቦሊ – ደቡባዊ ክፋል ኮንጎ፡ ኩሉ ጉዳያት ደቂ-ተባዕትዮ ብደቂ-ኣንስትዮ እዩ ዝፍጸም። ዕድመ መርዓ ዝበጽሐ ጐበዝ ናብ ሓትኖታቱ ብምኻድ ጓል ክመርጻሉ ይሓተን፡ እቲ መርዓ ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ምስ እንዳ ሓሞኡ‘ዩ ዝነብር። ብልምዲ’ዛ ቀቢላ፡ ጓል ካብ እንዳ ስድርኣ ስለ ዘይትወጽእ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ክልተ ዝፋተዋ መሓዙት ንሓደ ሰብኣይ ክምርዓዋ ይኽእላ እየን። ንሱ፡ ክሳብ ጽቡቕ ገይሩ ዝሓዘንን ዝተማእዘዘንን ድማ ከቢሩ ይነብር። ደቂ-ኣንስትዮ’ዛ …

Read More »

ኣዕኑድ ምዉቕ ሓዳር።

ሎሚ ካብ ማንም ንላዕሊ ዝምድና ሓዳር ሓያል ስራሕ ዘድልዮ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ዝበዝሑ ሓደስቲ መጻምዲ፡ ሕጕስን ነባሪን ዝምድና ክህልዎም’ዮም ዝምነዩ። እንተኾነ፡ ‘ኣደኻ ከምዝለኣኸትካ ዘይኮነስ ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ’ዩ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ዝደልዩዎን ዝምነዩዎን ኩሉ ግዜ ግብራዊ ኮይኑ ኣይረኽብዎን። እቲ ምንታይ፡ ሕጕስ ሓዳር ብድሆታትን ጸገማት ሰሪርካ ዝብጻሕ መስርሕ ብምዃኑ። መጻምዲ ቀለልቲ መምርሒታት ተጠቒሞም ዝምድና ሓዳሮም ትርጉም ዘለዎ፡ ሓጎስ፡ ፍቕሪን ቀጻልነትን ዘለዎ ክገብሩዎ ይኽእሉ’ዮም። …

Read More »

ጽባቐ

ጽባቐ ኣብ ዓይኒ ጠማቲኡ. . . ጽባቐ ከከም ገላጺኡ. . . ጽባቐ ከከም ቦታኡ. . . ጽባቐ ብመጠን ደረጃኡ. . . ካልእ’ውን መግለጺ ጽባቐ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ጽባቐ ብዓይኒ ስነ-ጥበባውያን’ከ? ስነጥበብ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ስነ-ግጥሚ፡ ሕደማ፡ ቅብኣ፡ ቅንየት፡ ቅርጻ፡ ትልሂት ኩሉ ጽባቐ እዩ። ስነ-ጥበብ ብጽቡቕ ኣገባብ ጌርካ ንጽቡቕ ነገር ምጉላሕ እዩ።  ነዚ ድማ ቦታን ባህልን እምነትን ኣነባብራን ብዓቢ ይጸልዎ ኣብ ዓዲ ጸዓዱ ‘ሕብሪ’ …

Read More »

መን እዮም ሳመራውያን

ሳመራውያን፡እቶም ብሽወደን፡ ወግዓዊ ኣፍልጦ ወይ ተቐባልነት ዘሎዎም እንኮ ደቀባት እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ፊንላንድን ራሻን ድማ ይነብሩ። ኣብ ሽወደን፡ ከባቢ 20,000 ዝኾኑ ሳመራውያን ኣለዉ። ሳመራውያን፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፡ ኣብ ሃድን፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኢደ ጥበብን ኣብ መፍረ ዓጋዘንን ዝተዋፈሩ እዮም። ሳመራውያን፡ ነቲ እንስሳ ዘገዳም ዝኾነ ሸውዓተ ቀርኑ፡ ናብ እንስሳ ዘቤት ክቕይሩ ዝበቕዑ ህዝቢ እዮም። 06 የካቲት ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ሳመራውያን እዩ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com