Sunday , April 28 2024

ባህሊ

ህዝብታትን ባህልታቶምን

ህዝቢ ጫድ ካብ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ዝቘመ፡ ልዕሊ 100 ቋንቋታት ዝዛረብ ህዝቢ’ዩ። መርዓ ሕብረተ-ሰብ ጫድ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ዘለዎ ኰይኑ፡ ዝበዝሐ እዋን ግን ብሰንኪ ክብሪ ገዝሚ ብፍታው እንዳ ጓል ኣብ ምዝራፍ ዝተመስረተ ኰይኑ ንረኽቦ። እንዳ-ጓል ካብ “ከይብሉናን ካብ መን ሓሚቕናን” ዝብል ድሑር ኣተሓሳስባ ንኣዋልድ ደቆም ልዑል መጠነ ገዝሚ ስለ ዝሓቱ፡ ዕደመ መርዓ ዝሓለፈን ጐራዙ ጫድ ኣደዳ’ዚ ድሑር ባህሊ ብምዃነን፡ እንዳ-ጓል ምስ እንዳ-ወዲ …

Read More »

ገለ ነገራት ብዛዕባ ሎሚ ሰኑይ ክጅመር እዩ ብዛዕባ ዝበሃል ዘሎ እገዳ ምትካኽ!!

ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምትካኽ ካብ ጽባሕ ባሕቲ ሓምለ ጀሚሩ እጉድ ክኸውን እዩ። እንተኾነ ሬድዮ ሽወደን Ekot ከም ዘመልከተቶ እዚ ሕጊ ኣብ ተግባር ኣብ ምውዓል ክረኣዩ ዝግብኦም ገለ ጒዳያት ኣለው። እዚ ሕጊ እገዳ ምትካኽ ኣበይ ምዃኑ ብልክዕን ብዝርዝርን ኣየቐመጠን። ኣብያተ መግቢ ኣብ ቀጽረን ምትካኽ ዝኽልክላ ባዕላተን ድየን፡ ድሕሪ ምዕጻወንከ ምትካኽ ክፍቀድ ድዩ ኣብ ዝብል ዝተባህለ ነገር የለን። ብዘይካዚ ይብል ሬድዮ ቪበር …

Read More »

ምምህርናን ስነ-ምግባርን

ስነ-ምግባር ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ክወሃቦ ይኽእል’ዩ። ኣብ ምምህርና እንተመጺእና ግን ዕግበትን ድሌታትን ተመሃሮ በቲ ርትዓዊ ቀዳምነት ክወሃቦ እንከሎ ማለት’ዩ። ተመሃሮ ሓድሽ ፍልጠት ዝቐስሙሉን ዝዓግቡሉን ኣገባብ ኣመሃህራ ኣድማዒ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቶም ተመሃሮ እምነት ስለ ዘሕድሩሉ’ዩ። ክፈልጡ፡ ክጥቀሙ ምዃኖም እንተ ደኣ ኣሚኖም ኣገባብካ ዕዉት ክኸውን ይኽእል። ኣብ ምምህርና ስነ-ምግባር ዘድልየሉ፡ ንድሌታትን ሕልምን ተመሃራይ ቀዳምነት ምሃብ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ተመሃራይ ዓንዲ ሕቖ ናይ መስርሕ …

Read More »

ሚኪኤል ኣንጀሎ መን’ዩ?

ሚኪኤል ኣንጀሎ ፍሉይ ክእለት ዝውንን ስነ-ጥበባዊ’ዩ ነይሩ። እቲ ብቐንዱ ዝፍለጠሉ ሞያ ቅብኣን ቅርጻን እዩ። ንሱ ብተወሳኺ ኣርክቴክትን ገጣማይን’ዩ ነይሩ። ሚኪኤል ኣንጀሎ ብሉጽ ስብእና (personality) ዝውንንምንባሩ’ውን ተመራመርቲ ይዛረቡ። ሚኪኤል ኣንጀሎ ብ1475 ኣብ ኣርፕረሰ – ኢጣልያ ተወሊዱ። ኣብታ ማእከል ስነጥበብ ኤውሮጳ ዝነበረት ከተማ ፍሎረንስ ብምዕባዩ ድማ ገና ወዲ 13 ዓመት ከሎ’ዩ ቀባኣይ ኰይኑ። ነቲ ብዘይክዳን ዝቐረጾ ምስሊ ሰብኣይ ከኣ “ሕመረት ስነ-ጥበብ’ዩ” ኢሉ’ዩ …

Read More »

ገላጺ ምንቅስቓስ

ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ምስ ኣዕሩኽትና ኮነ ምስ ኣባላት ስድራቤትና ከም መረዳድኢ እንጥቀመሉ ቋንቋ ብኣፍና እነውጽኦ ቃል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብገላጺ ምንቅስቓስ’ውን ንሓድሕድና ንረዳዳእ ኢና። ከም መረዳድኢ እንጥቀመሎም ገለጽቲ ምንቅስቓሳት ካብ ባህሊ ናብ ባህሊ ኮነ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ነናቶም ዝተፈላለየ ትርጒም ክህልዎም ይኽእል። ስነ-ጥንቲ ዘጽንዕ ሮበርት ባካራት ኣብ ሃገራት ኣዕራብ 247 ገለጽቲ ምንቅስቓሳት ከም ዘለዉ ይገልጽ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣዕራብ ርእስኻ የማነ …

Read More »

ድሮ ሚድሶማር

ድሮ ሚድሶማር ህዝባዊ በዓል እዩ። እቲ በዓል፡ ኣብ መንጎ ዕለታት 19-25 ሰነ ዘላ ዓርቢ እዩ ዝኽበር። እዚ በዓል እዚ፡ ሃገረ ሽወደን፡ ገና ክርስትያን ከይኮነት እንከላ እዩ ተጀሚሩ። ኣብ ድሮ በዓል፡ ሰባት፡ ኣብ ክቢ ናይ ሓደ ፓሎ ይስዕስዑ። እቲ ፓሎ፡ ብኣቝጽልትን ዕንበባታትን ዘጌጸ እዩ። ህጻናትን በጽሕታትን ድማ፡ ኣብ ርእሶም እሳር ዕንበባታት ይገብሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ሰባት፡ ሲል ከምኡ’ውን ላክስ ዝባሃሉ ዓይነታት ዓሳ፡ …

Read More »

ኣብ ምቅላስ ምልዋጥ ክሊማ ኣፕሳላ ዝበለጸት ከተማ ተባሂላ!!

ኣፕሳላ ኣብ ምቅላስ ምልዋጥ ክሊማ ካብ ከተማታት ሽወደን እታ ዝበለጸት ተባሂላ’ላ። ስዒበን ከተማታት ሱንድቫልን ክሪስታንድሳትን ተሰሪዐን ኣለዋ። እዚ ዝተባህለ ትካል ከባብያዊ መጽናዕቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኮይኑ 208 ምምሕዳር ከተማታት ከም እተወዳደራ ተፈሊጡ። ክሊማዊ ለውጢ ኣዝዩ ከቢድ ብድሆ ዓለምና ምዃኑ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

Read More »

መጋበርያ ክኸውን ኣይተፈጠርኩን!

ብናስሮቪች Nature ንነፍሲ ወከፍና ብስምና እያ ትፈልጠና። ነዚ ዝኸውን ማእለያ ዘይብሉ ሳየንሳዊ መርትዖታት ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ ኣሰር ኣጻብዕና’ኳ ይፈላለ እዩ። ካብቶም ናብ ርሕሚ እኖኻ ዝኣተዉ ኣማኢት ሚልዮናት ዋህዮ ዘርኢ እቲ ሓደ ዕዉት እዩ ብውህደት እንቋቑሖ ሰሪሑካ። ዝተፈልየ ዋህዮ እንተዝዕወት “ንስኻ” ኣይምኾንካን። ኣብዚ ደርማስ ጠፈር ብዂለንትናኡ ንኣኻ ዝመስል ሰብ ኣይነበረን፥ የሎን፥ ንዘለኣለም ከኣ ኣይክትድገምን ኢኻ። እዝስ ንኣእምሮ’ውን ዝኸብድ እጹብ ድንቂ ነገር …

Read More »

መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ኤልክትሮኒካዊ ናውቲ መምሃሪ ክጥቀማ ምኻነን ተሓቢሩ!!

መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሮም ኤለክትሮኒካዊ ዲጂታል ናውቲ ክጥቀሙ እዮም ተባሂሉ። እዚ እቶም ቆልዑ ምስ ኣብያተ ትምህርቶም ዘለዎም ርክብ ንኽጸንዕ ዝግበር ኮይኑ ኣካል ናይቲ ብሃገር ደረጃ ዝሳለጥ ዘሎ መስርሕ ምድጅታል እዩ። ብዙሓት ቆልዑ ሽወደን ምስ ዝተፈላለየ ዓይነት ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ሌላ ኣለዎም ዝበለ እቲ ሚኒስትሪ ኢንተርነት መዓልታዊ ዝጥቀሙ ከም ዘለዉ’ውን ይሕብር። ብፍላይ 5 ዓመት ናይ ዝበዝሑ ቆልዑ ተጠቃምነት …

Read More »

በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ዝበዝሑ ግዜያዊ ፍቓድ ዝነበሮም ከናውሑ እዮም ኢሉ!!

በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ዝበዝሑ ግዜያዊ ፍቓድ ዝነበሮም ከናውሑ እዮም ኢሉ!!  ዝበዝሑ ኣብ ቀረባ እዋን ግዜኦም ዝሓልፎም ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ክሕደሱ እዮም ክብል Magnus Bengstton ኣፍሊጡ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። ክሳብ 300 ሽሕ ዝበጽሑ ግዚያዊ ፍቃድ ዝጸንሖም ኣብዚ ዓመት ክናውሑ ትጽቢት ከምዘሎን ካብኣቶም ድማ 14 ሽሕ ሶርያውያን 4200 ኣፍጋንስታውያን ከምእውን ውሑድ ኣሻሓት ቁጽሮም ኤርትራውያን ሶማልን ዒራቕን ይርከብዎም።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com