Sunday , May 12 2024

ባህሊ

ፍልስፍናን ፍቕርን ካልኣይን መወዳእታን ብናስሮቪች

ነቲ ዝህሉ፤ ምሳና ዝነብርን ዘሎን እውን ነፍቅር ኢና፡፡ ብኣኣቶም ባህ ይብለና፡፡ ነዚ ዓይነት ፍቕሪ ግሪኻውያን ፊልያ ኢሎም ይጽውዕዎ፡፡ እዚ ናይቲ እንስእኖ ኣካል ረባጺ ባህጊ ኣይኮነን፤ እዚ ፈለፋሊ ዛራዪ ሓጎስና እዩ፡፡ አረ ንባዕሉ”ውን ሓጎስና እዩ፡፡ ጥብቕ ዝበለ ኣካላዊ ምርኻብን መሰተጋብርን ፍቑራት፤ ፍቕሪ፡ ምትሕልላይን ተወፋይነትን መጻምዲን ኣዕሩኽን ኣብዚ እዩ ዝምደብ፡፡ ፊልያን ፈልፋሊ ሓጎስን መጓዕዝቲ እየን፡፡ እዚ ዓይነት ፍቕሪ ገለ ባእታታት ኤሮስ ዝሕውስ …

Read More »

ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ሓፈሻዊ መርሓ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዲፉ’ሎ።

ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ኣብ ዕላዊ መርብበ ሓበሬታ ጽያፍ ነገራት ዝጽሕፉ ሰባት ከም ዝእግዶም ብምግላጽ ሓፈሻዊ መርሓ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዲፉ’ሎ። ናብ መርበብ ሓበሬታታት ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ጸርፊን ጽልኢ ዝመልኦ መልእኽቲን ብማሕበራዊ ሚድያ ከም ዝለኣኽ ይፍለጥ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ዝኾነ መልእኽቲ ካብ ጸርፊን ምንሻውን ጸያፍ ኣባህላን ናጻ ኮይኑ ኣኽብሮታዊን መጎታዊን ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ’ሎ።

Read More »

ኣመንቲ ጀሆቫ ብምዃኖም ኣብ ማእሰርቲ ሩስያ ይሳቐዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ሩስያ ብምኽንያት ዝስዕብዎ ሃይማኖት ብፖሊስ ስቓይ ከም ዝወረዶም ኣመንቲ ጆሆቫ ዊትነስ ገሊጾም። ማሕበር ናይዞም ኣመንቲ ካብ 2017 ንደሓር ኣብ ሩስያ ብሕጊ ዝተኸልከል እዩ። እቲ እምነት ከም ሓደ ኣሸባሪ ጒጅለ ከም ዝረአን ዛጊት ዓሰርተታት ኣመንቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተሓዪሮም ምህላዎምን ይፍለጥ። ሰብመዚ ሰርጒት ነቲ ክሲ ምስቓይ ፈለማ ክኽሕድዎ እኳ እንተፈተኑ ጸኒሖም ክንምርምሮ ኢና ኢሎም ኣለዉ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን …

Read More »

ፕሮዲጂ ፍሊንት ኪዝ ኣብ መበል 49 ዓመቱ ዓሪፉ።

ህቡብ እንግሊዛዊ ደራፋይ ሙዚቀኛን ሳዕሳዓይን ጒጅለ ሙዚቃ ፕሮዲጂ ፍሊንት ኪዝ ኣብ መበል 49 ዓመቱ ዓሪፉ። ንሱ ኣብ ዱንሞ ኤሴክስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቱ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ። እቶም ግንቦት ንሙዚቃዊ ዑድት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኸዱ ዝዳለዉ ዝነበሩ መሳርሕቱ ብሞት ኪዝ ምሕዛኖም ብምግላጽ” ዓቢ መሃዛይን ኣውራን ኣርቲስቲ ኢና ከሲርና” ኢሎም። መሳርሕቱ ሊያም ሆውሌት ኣብ ወግዓዊ ኢንስታግራም ፕሮዲጂ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ” …

Read More »

ብማዕርነት ሕጊ ጾታታት ዝመጸ ሽወደን ካብተን ዝበለጻ ሃገራት እያ ተባሂሉ።

ባንክ ዓለም ኣብ ዝገበሮ መጠነ ሰፊሕ መጽናዕቲን ጸብጻብን እዩ እዚ ዝተገልጸ። ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ደቀንስትዮ ሰለስተ ርብዒ መሰል ደቂተባዕትዮ እዩ ጸኒሑወን። እዚ ድማ ስራሕ ኣብ ምርካብን ናይ ባዕለን ዋኒን ኣብ ምክያድን ዕንቅፋት ይኾነን ኣሎ። “ደቀንስትዮ ምሉእ ዓቕመን ዝጥቀማሉ ኲነታት እንተዝጣጣሕ ዓለም ብፍትሒ ጥራይ ዘይኮነ ብጸጋ እውን ምበልጸገት ኔራ” ትብል ወኪል ፕረሲደንት ባንክ ዓለም ክሪስታሊና ጂኦርጄቫ። “ዛጊት …

Read More »

ፍልስፍናን ፍቕርን ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ከም ፍቕሪ ጌሩ ብዙሕ ዝተጻሕፈሉን ዝተባህለሉን ኣርእስቲ ምሕሳብ ኣይከኣልን፡፡ ብፍቕሪ ዝመጽእ ጃሕጃሕታ ሓጎስን ምልኣት ህይወትን ፤ ወይ ድማ በንጻሩ ዝስዕብ መስበርቲ ልቢን ቅዛነትን ቀንዲ ዛዕባ ዝበዝሕ ዓይነት ስነጥበብን ኣፋዊ ያታን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ንኣባጽሕ ከም ዕላል ፍቕሪ ጌሩ ዝምስጦምን ቀልቦም ዝስሕብን ካልእ ኣርእስቲ እንታይ ኣሎ ድዩ? ካብ ፍቕሪ ንላዕሊ ወዕዉዕ ስምዒትን ምትእስሳርን ክፈጥር ዝኽእልከ እንታይ ምተጠቕሰ? ርግጽዩ እቲ ዝበዝሐ ኣርእስቲ …

Read More »

ምስጋና ካብ ኣልኮምፒስ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ

ዝኸበርኩም ተዓዘብቲ መደባትና ንኩሉ እትገብርዎ ተሳተፍነትን ንምሕያል እዚ መደብ እትህብዎ ዘሎኩም ርእይቶን ምትብባዕን ሃናጺ ነቐፌታን ኣዚና ነመስግን። ኩሉ ክንፍንዎ ዝሓተትኩምናን ዝጠለብኩሞም መደባት ንምምልእ ዓበይቲ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ንርከብ ምህላዉና ክንሕብረኩም ደስ ይብለና። ዝሓለፈ ዓርቢ ሓደ ካብ ተኸታተልቲ መደባትናን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ፈነወና ኣብ ኩሉ ንምብጻሕ ብማሕበራዊ ሚድያ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረን ዝገብር ዘሎን መንእሰይ መርከብ ዳንኤል ምስ ወላዲኡ ናብ ስቱድዮና ብምምጻእ ምትብባዕን …

Read More »

ሃድን ሓበሬታ! ብበሪሁሉ ብኣማን

ንሓደ ንጥፈት ኣብ ፍልጠት ተመርኲስካ ክተሰላስሎ እንተዄንካ ሓበሬታ ክህልወካ ይግባእ። ሓበሬታ ክህልወካ ድማ ክትሓትትን ክትውከስን ኣለካ። ናይ ምፍላጥ ህንጡይነትና ኣብ ግዜ ቁልዕነትና ጥራይ ዝንጸባረቕ፡ ኣብ ግዜ ብጽሕናና ግን ዳርጋ ጠቕሊሉ ዝቕህም ባህርይ ክኸውን ይረአ። ሓታቲን ፈታሺን ባህርይ ከምቲ ኣብ ግዜ ቁልዕነት ኣብ ግዜ ብጽሕና እውን ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ተማሂርካ እትረኽቦ፡ ሓቲትካን ተወኪስካን እትረኽቦ ሓበሬታ ንኣተሓሳስባኻ ብዝያዳ ከስፍሖ …

Read More »

ግዳያት ወልፊ ስራሕ (Workaholism) ብበሪሁሉ ብኣማን

ክንሰርሕ ዲና ንነብር ወይስ ክንነብር ኢና ንሰርሕ ዝብል ሕቶ ወትሩ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምላሽ ክንረኽበሉ ንተሓታተተሉ ኣርእስቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሕብረተሰባት ናይ ገለ ከባቢታት ዓለም፣ ሰባት ንኽሰርሑ ከም ዝነብሩ ይኣምኑ። ኣብ ገለ ካልኦት ከኣ ንኽንነብር ኢና ንሰርሕ ይብሉ። ወድ ሰብ ብባህሪኡ ክሰርሕን ክሃልኽን በሃላይ እዩ። ንብድሆታት ህይወት ብስራሕ ሰጊሩ ናይ ዓወት መንፈስ ክስመዖ ይደሊ። ሰሪሕካን ኣፍሪኻን ክብረትን ትርጉም ዘለዎ …

Read More »

ክኢላታት ሽወደን ዓሳ ምብላዕ ኣብ ጥዕና ኣዎንታዊ ተራ ኣለዎ ይብሉ።

ተመራመርቲ ሽወደን ዓሳ ንጥዕና ኣካላትን ከባቢን ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ሰባት ዝያዳ ዓሳ ንኽምገቡ ምትብባዕ ከም ዘድሊ ይሕብሩ’ለዉ። እዞም ኣብ ስቶክሆልም ዝተጋብኡ ተመራመርቲ ዓሳ ምብላዕ ካብ ምኽራሽን ሕማም ልቢን ከም ዝከላኸልን ካብ ካልእ ዓይነት ስጋ ብዝበለጸ ንከባቢ ከም ዝሰማማዕን እዮም ገሊጾም። “ንኣፍረይቲ መግቢ ዝያዳ ኣብ ዓሳ ከተኲሩ ምኽርና ኣብ ምልጋስ ንርከብ። ምኽንያቱ ዓሳ ምብላዕ ፍዂስ ከም ዝብለና እውን ይገብር እዩ” ትብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com