Monday , May 6 2024

ባህሊ

መዓልቲ ፍቑራት (Valentine’s Day)

እቲ ፍቑራት ህያባት ዝለዋወጡሉን ፍቕራዊ ቃል-ኪዳኖም ዘሐድሱሉን መዓልቲ ፍቑራት፡ ዓመት መጸ ኣብ ለካቲት 14 ይበዓል። ዝተፈላለዩ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፣ ምቁር ሕብስቲ፣ ቶርታ፣ ፍሉይ ናይ ሽምዓ ምሸትን ካልእ ነዚ መዓልቲ ዘንጸባርቑ ምድላዋትን ብምግባር፡ ፍሉይ ትሕዝቶ ዘለዎም ካርተሊናታትን ዕምባባታትን ብምድላው ዘኪሮሞ ይውዕሉ። ንምዃኑ ኣፍልጦና ብዛዕባ ኣመዓባብላ መዓልቲ ፍቑራት ክሳብ ክንደይ እዩ? ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ መዓልቲ ፍቑራት (ቫለንታይን ደይ) ዝጸውዩ ዛንታታት መብዛሕትኦም ዝመሳሰሉ’ኳ እንተኾኑ …

Read More »

ፍቕሪ ወዲ 36 ዓመት ፍልስጤማዊ ስደተኛ ምስ ጓል 79 ዓመት መምህሩ

ፍቕራዊ ህይወት ወዲ 36 ዓመት ፍልስጤማዊ ስደተኛን ጓል 79 ዓመት ኣፍቃሪቱን ሕጋዊ ዕንቅፋታት ይሰግር። እዚ ሓምዛ ዳሊስ ዝተባህለ ፍልስጤማዊ ምስዛ ጡረተኛ ጓል 79 ዓመት ሚልዮኔር እዩ ኣብ ፍቕሪ ወዲቑ ዝርከብ። ምንጪ ሃብቲ እዛ ኣዛውንቲ ዘይንቀሳቐስ ንብረት( real estate) እዩ። እዚ ፍቐራዊ ርክብ ሓምዛ ተመሃራይ Ola Simson ኸኣ መምህሩ ኣብ ዝነበረትሉ እዩ ጀሚሩ። እዚ ፍቕራዊ ርክብ መርዓ ዝዕንቅፉ ሕጋዊ መሰናኽላት ብምእላይ …

Read More »

ፍልስፍናን ስነ-ምግባርን ካልኣይን መዛዘሚን ክፋል ብናስሮቪች

ሰነ-ምግባር ንሰብ ብውልቁ ዝምልከቶ ኣርእሰቲ እንተኾይኑ ክንዲ ብዝሕና ዝኸውን ናይ ሰነምግባር መዐቀኒታት ይህሉ ማለት ድዩ? እቲ መልሲ “ኣይፋል” እዩ፡፡ እዚ ምናልባት ሓደ ካብ ግርምቢጣት ኣምር ስነ-ምግባር እዩ ፡፡ ስነምግባር ንሓደ ሰብ ብውልቁ ዝምልከቶ ጕዳይ ይኹን”ምበር ተፈጻምነቱ ግና ኣድማሳዊ እዩ፡፡ ሕብረተሰብ ናይ ውልቀሰባት እኩብ እንዳኣሉ፡፡ ይብዛሕ ይውሓድ ኵሉ ሰብ ብኸምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ እዩ ዝመላለስ፡፡ ስነምግባር ከከም ደረጃ ኣተሓሳስባና፤ ዘዕበየና ባህልን እንነብረሉ …

Read More »

ሬድዮ ሽወደን መበል 80 ዓመት ልደታ ኣብ ምብዓል ትርከብ።

ሬድዮ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ርሱን ሃዋሁ ካልኣይ ኲናት ዓለም እያ ብ 1939 ድምጺ ኣመሪካ ዝተባህለ መደባ ክትፍኑ ጀሚራ። ሕጂ ሬድዮ ሽወደን መበል 80 ዓመት ልደታ ኣብ ምብዓል ትርከብ። እዘን ናይ ስግር ባሕሪ ፈነወታት ብምስፋሕ ከኣ እያ ውዒላ ሓዲራ ሬድዮ ሽወደን ተመስሪታ። ፈለማ ጀርመን እንግሊዝኛ እናበለት ብ 24 ቋንቋታት ናብ ዝፍኖ ሬድዮ ንምዃን በቒዑ ዘሎ። ሬድዮ ሽወደን ካብ ምስረትኣ ጀሚራ ምስ …

Read More »

ባህሊ ምጽውዋርን ጥቕምታቱን ብበሪሁሉ ብኣማን

ተጻዋርነት ከም ኣምር ክግለጽ እንከሎ ንባህላዊ ብዙሕነት፣ ክዉንነት ከባቢኻን ዓለምን ባህርያት ደቂ ሰብን ምቕባልን ምኽባርን ማለት’ዩ። ዝኾነ ሰብ ባህሊ ተጻዋርነት ከማዕብል እንተኾይኑ፣ ንጽቢብ ኣተሓሳስባ ዝብድህ ፍልጠት ክቐስም፥ ክፉትን ናጻን ምብሃሃልን ከዘውትር፥ ኣብ ፍልልያት ውህደት ንምፍጣር ክጽዕር፥ ንሰባት ናይ ሓሳብ ናጽነት ክህብ፥ ወ.ዘ.ተ ክኽእል ኣለዎ። መለለዪ ጸዋር ባህርይ እዚ እዩ። ባህሊ ተጻዋርነት፣ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ፣ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ምስፋን ዓቢ ተራ …

Read More »

6 የካቲት ሃገራዊ መዓልቲ ሳመር እዩ።

6 የካቲት ሃገራዊ መዓልቲ ሳሚ ተባዒሉ ውዒሉ።። በዚ ዕለት እቶም ብሸነኽ ሰሜን ካብ ኖርዌይ ክሳብ ሩስያ ተዘርጊሖም ዝርከቡ ደቀባት ህዝብታት ተዘኪሮምን ተባዒሎምን ይውዕሉ። ሽወደን ሃገራዊ ጒባኤ ሳሚን ንዕኡ ዝጽንብልን መደበር ሬድዮ ኣለዋ። እንተኾነ ግና ሜላን ልምድን መንብሮ ሳሚ ዛጊት ዝግብኦ ሓለዋ ይግበረሉ የሎን እዩ ዝበሃል። ዋላኳ ቀንዲ ደራኺት እቲ ውዕል ባዕላ እንተነበረት ሽወደን ዛጊት ከታሚት ናይቲ ኣብ 1991 ዝጸደቐ ውዕል …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ. 9 ብኣማኑኤል ሳህለ

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ? ሓኪም ምስ ተረኣኻ ውጽኢቱ ኣይነገርካንን እሞ፡ እጽበ ኣሎኹ። ኣብታ ዝሓለፈት ደብዳበይ ዘይነገርኩኻ ፍጻመ ኣሎ። ቀልጢፈ ዘይነገርኩኻ ድማ ቅሩብ ስለ ዘሕፈረኒ እዩ። ግን ሕጂ ነብሰይ ስለ ዝወቐስኩዋ ክነግረካ መዲበ እየ ዝጽሕፈልካ ዘሎኹ። ሓጋይ ብምንበሩ፡ ሃሩርውን ብርቱዕ ብምንባሩ፡ ናብ ሓደ እንዳ ዓርከይ ከይደ። ንሱ ትሕቲ ዕድመ ብምዃኑ ምስ ሽወደናውያን ስድራቤት እዩ ዚቕመጥ። ናብቲ ዝቕመጠሉ ቦታ ምስ …

Read More »

ዜናታት ሸወደን ብቛንቋ ትግርኛ 05 የካቲት 2019

1. ኩባንያ መጉዓዚያ ባቡር ክልተ ኣባላት ሓለዋ ብዝፈጸምዎ ጉጉይ ኣገባብ ስራሕ ካብ ስራሕ ደዉ ኣቢሉ ። 2. ነፋሪት ዝዓገተት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ሽወደናዊት መንእሰይ ኣብ ቤት ፍርዲ ተኸሲሳ።

Read More »

ኣዕራብ ወሽመጥ ዓረብ ንምብጻሕ ጳጳስ ፍራንሲስ ብዓቢ ህንጥዩነት ይቕበሉ።

ኣዕራብ ወሽመጥ ዓረብ ንምብጻሕ ጳጳስ ፍራንሲስ ብዓቢ ህንጥዩነት ይቕበሉ። ኣዚና ኢና ነመስግን። እዚ ኣብ ህይወትካ ምሉእ ዘይርከብ ዕድል እዩ ትብል ፍሊፒናዊት ስደተኛ ረይ አርዊን። 44 ዓመት ዝዕድሜኣ አርዊን ሓንቲ ካብቶም ሰሉስ መዓልቲ ኣብ ኣቡዘቢ ክፉት ዕዳጋ ክርከቡ ዝመጹ ኣስታት 135 ሽሕ ምእመናን እያ። ኣብኡ እቲ ኣብ ፊሊፒንስ ብ “ሎሎ ኪኮ” ዝፍለጥ ጳጳስ ፍራንቺስስኮ ኣብ ጒዳይ ሰላም ዝተፈላለያ እምነታት ኣመልኪቱ ጽሑፍ …

Read More »

ፍልስፍናን ስነ-ምግባርን ብናስሮቪች

ቀዳማይ ክፋል ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ስነ-ምግባር ግጉይ ግንዛበ እዩ ዘለዎም፡፡ ስነምግባር ዝህሉ ንምቕጻዕ ኣሲርካ ንምሓዝ ወይ ንምዅናን ኣይኮነን፡፡ ነዚ ዝዓዩ እዅላት ኣብያተ ፍርዲ : ኣብያተ ማሕቡስን መደበራት ፖሊስን ኣለዉ፡፡ እዞም ትካላት ንባዕሎም ሕፍቲ ብዘይብሉ ንጹህ ስነ-ምግባራዊ መትከላት ድዮም ዝምርሑ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት ሶቅራጦስ ብመስርሕ ፍርዲ ሓሊፉ እዩ ንሞት ተኾኒኑ፡ እንተኾነ ግና ካብቶም ዘቕተልዎ ዝዓቢ ስነምግባርን ናጽነት ኣእምሮን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com