Monday , May 6 2024

ባህሊ

ሓላፊ ትካል ኣልኮምፒስ ዶክተር ማሕሙድ ዓጋ ኣብ ኣኼባ ዞባ ስኮነ (skåne) ተሳቲፉ።

ሓላፊ ትካል ኣልኮምፒስ ዶክተር ማሕሙድ ዓጋ ኣብ ኣኼባ ዞባ ስኮነ ተሳቲፉ። ምምሕዳር ዞባ ስኮነ ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ ግደ ማዕከናት ዜና ኣብ ምብጻሕ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንሓደስቲ መጻእቲ ብዝብል ቴማ ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ። ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣካያዲ ትካል ኣልኮምፒስ ዶክተር ማሕሙድ ዓጋ ተረኺቡ ግደ ኣልኮምፒስ ብምዝርዛር ኣገዳስነት ናይ ሓበሬታ ንሓደሽቲ መጻእቲ ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ምምሕዳር ስኮነ (skåne) ነቶም ዝቀረቡ ሓሳባት ድሕሪ …

Read More »

ኢድካ ናብ ካልኦት ዘይምውጥዋጥ!

ኣብዚ ዓለም፣ ወድ ሰብ ጥራይ እዩ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ፍጡር ሰፊሕ ልቦናን ጥበብን ተዓዲሉ። ይኹን’ምበር ኣብ ህይወት ምሉእነት ስለዘየልቦ ኣብ ትግባረ ዉጥናቱ ዕንቅፋታት ከጋጥምዎን ጌጋታት ክፍጽምን ንቡር እዩ። ዝበዝሕ እዋን ሰባት ንዓወቶም ምስ መንፍዓቶም ከተኣሳስርዎ እንከለዉ፣ ንፍሽለቶም ድማ ናብ ግዳማዉያን ረቛሒታት ወይ’ዉን ካልኦት ሰባት ከጸግዕዎ ይረኣዩ። ጌጋታት ግን ምኽኒት ስለዘናደኻሎም ዘይኮነ ብኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ተመሪሕካ ክትገጥሞም ሕልናዊ ቅሩብነት ምስ እተርኢ ጥራይ …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ. 8

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ ትምህርተይ ጽቡቕ እኸይድ ኣሎኹ። ኤለትሪቺስታ ክኸውን እየ ዝደሊ። እቲ ኣብ ዓድና ዘጥረኹዎ ትምህርትን ተመክሮን ጠቒሙኒ ኣሎ። ገሊኦም ብጾተይ፡ ኣብ ናይ ምኽሻን ትምህርቲ ዝኣተዉ’ውን ኣለዉ። ከልቢ ዘዛውሩ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይረኣኹን። ኣነ ካብ ኩሉ ዝገርመኒ፡ እቲ ኣብ ሃገርና እንንዕቆ ስራሕ፡ ኣብዚ ብዙሕ እዩ ዚኽፈሎ። ኣብ ሃገርና ኣብ ባንክታትን ኩባንያታትን ምስራሕ እዩ ብዙሕ እቶት ዘምጽኣልካ፡ ኣብዚ ግን እቲ ኣዚዩ …

Read More »

ትፈልጡዶ ቁ. 2 ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ድሕሪ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣመሪካ፡ እታ ቀዳመይቲ ብ 1777 ንኣመሪካ ከም ሃገር ዝፈለጠታ ሃገር፡ ሞሮኮ ከም ዝኾነት ትፈልጡዶ? 2. እታ ኣብ ትግራይ ክልል እትርከብ ናይ ኣል ነጋሽ መስጊድ፡ ከም ካልአይቲ መካ ከም እትቝጸር፥ ከምኡውን ብሰንኪ መስጎግቲ ደቀመዘምራን ነብዪ መሓመድ፡ ብሰንኪ ፈላሚ መጥቃዕቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ኣብ መካ ኣዛን ኣቋሪጹ ከሎ፡ ኣብ ነጋሽ ይቕጽል ከም ዝነበረ ትፈልጡዶ?   3. ታሕሳስ 1-1890 ጥልያን ንኤርትራ ከም ግዝኣቶም ምስ መስረቱዋ፡ ባጽዕ እያ ከም ርእሰ-ከተማ ኤርትራ ብወግዒ እተፈልጠት። ደሓር …

Read More »

ሓዳስ ሚኒስተር ባህሊ መብርሂ ትህብ።

ሓዳስ ሚኒስተር ባህሊ “ምስ ሕሉፋት ሃገራውያን ቱርክ ርክብ ኣሎካ ተባሂሉ ስልጣኑ ንዝሓደገ መሳርሕትኺ ነበር” ፍሉይ ኣኽብሮት ተርእዪ ኢኺ ንዝተባህለ ጒዳይ መብርሂ ሂባትሉ። ንሳ ስልጣን ሚኒስተር ባህሊ ካብ እትቕበል ንደሓር ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝለጠፈቶም ሓበሬታታት ኣብ ክቢ ኣቓልቦ ከም እትእቱ ብምግባር ብዙሕ ግብረ መልሲ ክስሕቡ ምጽንሖም ይግለጽ። ሚኒስተር Amanda Lind ምስ TV4 news ኣብ ዝገበረቶ ዕላል እቲ ሰብኣይ ጌጋታት ምግባሩን ካብ …

Read More »

ምስ መጽሓፍቲ ንመሓዞ!!ብበሪሁሉ ብኣማን

ሕብረተሰብ ማይ ፍልጠት ብዝሰተዩ ኣባላቱ እዩ ሱር-በተኻዊ ለዉጢ ዘምጽእ። ቀንዲ ምንጪ ፍልጠት ድማ ትምህርቲ እዩ። ናይ መጀመርያን መወዳእታን ደረት ፍልጠት ግን ኣይኮነን። ንከባቢኻን ሕብረተሰብካን ብግቡእ እንተንቢብካዮ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢይ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት እዉን መስተዉዓሊ፣ ንፉዕ ሰማዒን ትኩር ጠማትን ብምዃን ንህይወትካ ብኣወንታ ዘማእዝንን ዘናብረካን ፍልጠት ምምእራር ይከኣል እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣተኲርካ ምስ ሰባት ምዝታይን ምምኽኻርን ከምኡ’ዉን ኣብ ዓዉደ-መጽናዕቲ …

Read More »

ካርቱን ቁ 3 መጸለል ፍቅሪ

Read More »

ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ኣልፍሬድ ኖርዝ ዋይትሄድ ዝተባህለ ሊቕ “ፍልስፍና ትጅምር ብምግራም እያ” ይብል፡፡ ከም ኣባህላኡ እንተኾይኑ እዚ ምግራም ብዓይኒ ፍልስፍና ዝያዳ ምግራም ዝፈጥር እዩ፡፡ እዚ ምግራም ድሕሪ ምምርማርካን ምሕሳብካን እውን ዝቕጽልን ዝበለጸ ዕምቆት ዝሕዝን እዩ፡፡ ስለዚ ፍልስፍና ብነገራትን ኵነታትን ምድንናቕ ማለት ኮይኑ ብጎደና ፍልስፍና ምጕዓዝ ማለት ድማ ካብ ምግራም ናብ ካልእ ምግራም፤ ካብ ሓደ ብራኸ ናብ ካልእ ብራኸ እናዘለልካ ዝያዳ ሚስጥር ተፈጥሮ እናተኻፈልካ …

Read More »

ሽወደናውያን ብዓይኒ ኣማኑኤል ሳህለ ካልኣይ ክፋል

ታሪኽ ሽወደን እዚ ክብድ ዝብለ ኣርእስቲ እዩ፡፡ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ እናሃሎኹ ንኡስ ምህሮይ ታሪኽ እዩ ኔሩ፤ ስለዚ ድማ በቲ በውልቀይ ዝፈለጥክዎ ክጅምር፡፡. ከም ኤርትራዊ ንታሪኽ ሽወደን ብኸመይ እየ ዝጥምቶ? ፈለማ ሓደ ብሩህ ክገብሮ ዝደሊ ነጥቢ ኣሎ፤ ንሱ ኸኣ ኣብዚ ኣርእስቲ ምሁር ዘይምዃነይ እዩ፡፡ እሞ በቶም ብናጻ ናብ ኣእምሮይ ዝውሕዙ ጠውቂታትን ገለ ዘይተረጋገጹ ብህሎታትንዶ ክጅምር?   ሽወደናውያን ንዝሓለፋ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ኵናት …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ 7

ናብ ዝኸበርካ ኣቦ ከመይ ኣሎ ዓዲ? ኣነ ጽቡቕ ኣሎኹ፡ እቲ ቋንቋ ሽወደን’ውን ዳርጋ ክኢለዮ እየ። ስራሕ ንምርካብ ድማ ቋንቋ ምኽኣል ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ክዛረብ ከሎኽ እጋገ እሞ፡ እቶም ሽወደናውያን ዘይኮኑስ እቶም ብጾተይ እዮም ዚስሕቁኒ። ግን ቋንቋ ከምኡ እዩ፡ ሰብ ስሒቑኒ ኢልካ ክትሓፍር የብልካን። ኣብዚ ጉዳይዚ ፈረንጂ ካባና ዚሕሹ ይመስሉ። ንሕና ሓደ ወጻእተኛ ከም ገለ ኢሉ ነቲ ትግርኛ ኣበላሽዩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com