Wednesday , April 24 2024

ባህሊ

ቋንቋ ከም ኣገዳሲ ረቛሒ ሕቶ ዜግነት ክኸውን ሰልፊታት ተሰማሚዐን።

ኣብ መንጎ ሰልፊታት ዴሳዊ ዴሞክራሲ ከባብያዊ ማእከላይን ሊበራላዊን ሰልፊ ሓደ ስምምዕ ተበጺሑ ክትብል ሬድዮ ekot ጸብጺባ። እዚ ስምምዕ ምምላኽ ቋንቋ ከም ኣገዳሲ ረቛሒ ሕቶ ዜግነት ክኸውን ምህናጽ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ተምህርቲ ደው ክብል ከምኡ’ውን ከከራኽር ዝጸንሐ ቀረጽ ዳግማይ ምኽፋል ክቕጽል ዝብል እዩ። ተንታኒ ፖለቲካ ekot Thomas Ramberg ሶሻል ዲሞክራትን (S) ሚልዮ (MP) ሰልፊታት ነቶም ዓቃባውያንን ክርስትያን ዴሞክራስያውያን (KD) ማእከላይን (C)ሊበራላውያንን (L)ሰልፊታት …

Read More »

መሸጣ ፍርሒ ብመምህር መኮነን ተስፋይ

 ሓደራኹም ፔርሙስኩም ሰቢርኩም ከይትውድእዎ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ግዜ ብዘምጸኦ መሳርሒ ተጠቒምካ ዝሽየጥ ፍርሒ ማእለያ የብሉን። ብዓቢኡ ፕረዚደንት እዛ ዓባይ ሃገር ኣሜሪካ ንህዝቡ ፍርሒ ሸይጡ’ዩ ተዓዊቱ። ናይ ዶናልድ ትራምፕ ንጎኒ ገዲፈ ንሎሚ ብናይ ውሽጢ መልእኽቲ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ንዝተላእከለይ ፍርሒ ዝሸይጥ ሓበሬታ ንዝምልከት ኣጠቓሊለ ገለ ክብል’የ። ሓደ ሓውና ከምቲ ኣብ ቪድዮ ዝረአ ኣብ ፔርሙስ መርዛም ከኒናታት ከም ዝርከብ ንምግላጽ ማዕረ ፔርሙስ ሰቢሩ …

Read More »

ዎርልድ ዴሞክራሲ ኢንደክስ: ሽወደን ካብ ዓለም ሳልሳይቲ ዝዓበየት ዴሞክራስያዊት ሃገር ተባሂላ።

ብመሰረት ምደባ ዎርልድ ዴሞክራሲ ኢንደክስ ብዓለም ደረጃ ሽወደን ሳልሳይቲ ዝዓበየት ዴሞክራስያዊት ሃገር ተባሂላ። ቀዳመይቲ ኖርዌይ ካልአይቲ ድማ ኣይስላንድ ተሰሪዐን ኣለዋ። 4.5 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ዝነብረለን 20 ሃገራት “ምሉእ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዘለወን” ክበሃላ እንከለዋ እተን 167 ዝተረፋ ሃገራት” ጎደሎ ዴሞክራስያውያን” እየን ተባሂሉ። ነቲ ምደባ ዝደረኹ ባእታታትን ረቛሒታትን መስርሕ ምርጫ:ብዙሕነት: ግብረመልሲ መንግስቲ :ፖለቲካዊ ተሳታፍነት:ዴሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ባህሊን ሓፈሻዊ ሲቪካዊ ሓርነትን እዮም። ኣብ 2018 …

Read More »

ሓወልቲ ድንግል ማርያም ካብ ዝስረቕ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ናብ ዋንኡ ቤተክርስትያን ቫርምላንድ ከም ዝምለስ ተጌሩ።

ኣብ ማእከላይ መዋእል ከም እተሃነጸ ዝእመነሉ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ካብ ሰፈሩ ካብ ዝስረቕ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ናብ ዋንኡ ቤተክርስትያን ቫርምላንድ ከም ዝምለስ ተጌሩ። እዚ ኣብ 14 ክፍለ ዘመን ተሰሪሑ ዝበሃል ናይ ዕንጸይቲ ቅርጻ ፈለማ ኣብ ፖርቱጋል እዩ ተረኺቡ። ሓድሽ ወናኒ እዚ ቅርጻ ብቅንዕና ከም ዝገዝኦን ጸኒሑ ኣብ ትራንኪል ቫርምላንድ ከም ዝሸጦን ይዛረብ። “እታ ቅርጻ ተገዚኣን ናብ ቦትኣ ክትምለስ 120 ሽሕ …

Read More »

ሽወደን ምስተን ቀዳሞት 10 ሕጒሳት ሃገራት ተሰሪዓ።

ጸብጻብ ሓጎስ ፍታሕ ዘላቒ ምዕባለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተባህለ ውድብ ንሽወደን ምስተን ቀዳሞት 10 ሕጒሳት ሃገራት ሰሪዕዋ። ቀዳመይቲ ዝወጸት ፊንላንድ ኮይና ብሩንዲ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ’ላ። እዚ ተርታ ን 156 ሃገራት ከምእኒ ኣታዊ ነፍስወከፍ ዜጋ፡ ማሕበራዊ ድሕነት፡ መዋእል ዕድመ፡ ማሕበራዊ ነጻነት፡ ልግሲን ካብ ብልሽውና ነጻ ምዃንን ዝብሉ ረቛሒታት ብምምርማር እዩ ተዳልዩ። ፊንላንድ ዓሚ ዝነበራ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ብምምሕያሽ ነታ ቀዳመይቲ ዝነበረት …

Read More »

ግዳያት ጽልኢ ንዝኾኑ ስባት ንምሕጋዝ ጻዕርታት ይካየዱ።

ኣብ መወዳእታ’ዚ ዓመት ፖሊስ ሽወደንን በዓልመዚ ግዳያት ገበንን ጽልኢን ንብዱላት ንምሕጋዝ ሓድሽ ጥምረት ምጅማሮም ተገሊጹ። በዓልቲ መዚ ገበን ጽልኢ ኤቫ ሶንድ ንሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ “ኣብዞም ገበናት ጽዑቕ መርመራ ብምክያድ እቲ ዝድለ ውጽኢት ንምርካብ ጻዕርታት ክነካይድ ኢና” ኢላ። ብዙሓት ንናይ ጽልኢ ገበን ዝቃልዑ ሰባት ምስ ዝምልከቶም መንግስታውያን ሰብመዚ ክዘራረቡ ውሕስነት ኣይስምዖምን እዩ። ከምዚ ዝበለ ምትሕብባር ንግዳያት እዚ ገበን ሓገዝን …

Read More »

ታሪኻዊ ግጥም ኲዕሶ እግሪ ኢራናውያን ደቀንስትዮ።

ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኢራናውያን ደቀንስትዮ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሃገራዊ ስታድዬም ጤህራን ክጻወታ እየን። ብመሰረት ኣቦመንበር ፈደሬሽን ኩዕሶ መህዲ ታጅ ጋንታ ኢራናውያን ደቀንስትዮ ኢራን ኣብ 2020 ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ጸወታ ምስ ሩስያ ክትገጥም እያ። መዓልቲ ጸወታ ዛጊት ኣይተቘጽረን ኣሎ። እንተኾነ ግና ነዚ ጸወታ ክዕዘባ ዝፍቀደለን ደቀንስትዮ ጥራይ ክኾና እየን ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ጸብጺቡ’ሎ። ካብ 1979 ድሕሪ እስላማዊ ሰውራ …

Read More »

ሓደ ቆልዓ ብህያብ ልደት ስለዘይተሓጐሰ ፖሊስ ይጽውዕ።

ወዲ ትሽዓተ ዓመትጀርመናዊ ወለዱ ክህብዎ ብጽሑፍ ዝሓበሮም ህያብ ልደት ብዘይምርካቡ ንፖሊስ ምጥርዑ ተገሊጹ። ፖሊስ ናብቲ ዝተሓበሮም ኣድራሻ ምስ ከዱ ሓደ ቆልዓ ምርካቦም ጋዜጣ ኖርድዌኣት ዘይቱንግ (Nordwest-Zeitung)ገሊጻ’ላ። ቆልዑ ዝደልይዎ ህያብ ምስ ዘይረኽቡ ባህ ከም ዘይብሎም ርዱእ እኳ እንተኾነ ከምዚ ቆልዓ ጌሮም ግብረመልሲ ክህቡ ግና ልሙድ ኣይኮነን። እቶም ፖሊስ ነቲ ቖልዓን ወለዱን ብምትዕራቕ ድባብ ልደት ንምምላስ ጽዒሮም። እቲ ዝተፈጥረ ሽግር ሳንታ ክላውስ …

Read More »

ቃለመሕትት ምስ ኣማኑኤል ሳህለ ክፍሊ II

Read More »

ጳጳስ ካቶሊክ ፖፕ ፍራንሲስ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ጳጳስ ካቶሊክ ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ቅልል ዝበለን ስስዐ ዝረሓቖን ህይወት ክመርሑ ጸዊዑ። ንሱ ነቲ ኣብ ዓለም እናገበለ ዝመጽእ ዘሎ ዘይምኽንያታዊ ስፍሓት ጋግ ኣብ መንጐ ድኻታትን ሃብታማትን ኰኒንዎ። ንሱ ኣብ ዘስምዖ ስብከት የሱስ ኣብ ምብልዒ ማል ብድኽነት ከም እተወልደ ብምዝካር ሰባት ገንዘብ ምዂማር ዘይኮነ ካልእ ዝዓዘዘ ትርጒም ሂወት ከስተንትኑ ጸዊዑ። ንሱ ነዚ ዝበለ ንያታዊ በዓል ልደት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com