Saturday , April 27 2024

ባህሊ

መሓዙታ ጽቡቕ ክዳን ከይክደና ዝኸልከለት መርዓት

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓንቲ ስማ ክትጥቀስ ዘየፍቀደት መርዓት፡ ኣብ ዕለተ-መርዓኣ መሓዙት ክኾና ንዝሓረየተን መሓዙት ኣዝዩ ሰሓቢ ዝኾነ ክዳውንቲ ከይለብሳ ድሕሪ ምኽልካላ፡ እቲ ጉዳይ ኣርእስቲ ማሕበራዊ ጉዳይ ኮይኑ ቀንዩ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ሚረር ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ዓዲ እንግሊዝ፡ እታ ወይዘሪት ድሮ’ቲ መርዓ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ምድላው፡ ነተን መሓዙት ብምእካብ “ኣብዛ እንኮ ዕለት’ዚኣ ኣነ ንግስቲ ስለዝኾንኩ፡ ካብ ኩሉኽን ጸቢቐ ክርአ ኣለኒ። ማእከል ስሕበት …

Read More »

ናይ ዳዊት ኢሳቕ መጽሓፍ ኣብ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ንምዕዳል ጐስጓስ ምውጻእ ገንዝብ ይካይድ

ሎሚ ቀዳም፡ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛን ደራሲን ዳዊት ኢሳቕ ዕለተ-ልደቱ እዩ – ንመበል 17 ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ዘብዕላ ዕለተ-ልደቱ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ መጽሓፉ ንኣባላት ባይቶ ሕብረተ ኤውሮጳ ንምዕዳላ ምእንቲ ክከኣል፡ ጐስጓስ ምውጻእ ገንዘብ ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ ናይ ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ን17 ዓመታት ብዘይ ፍርዳዊ መስራሕ ተቐይዱ ይርከብ። ብ2001 ኣብ ዝተታሕዘሎ ግዜ፡ ምስ’ታ …

Read More »

ተወሳኺ ተፈንጃሪ ነገር ናብ ደኒሮን ናብ ጆ ቢደንን ይልኣኽ

ናብቲ ተዋሳኢ ፊልም፡ ሮበርት ደ ኒሮን ናብ ምክትል ፕረሲደንት ነበር ጆ ቢደንን ተወሳኺ ተፈንጃሪ ነገራት ተላኢኹ። ክሳዕ ሕጂ መን ይልእኮ ከም ዘሎ ኣይተፈልጠን፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ግን ናይ ግብረሽበራ ስራሕ ከም ዝኾነ ትገልጽ። ፖሊስ ኒዩዮርክ ሓሙስ ንግሆ እዩ ነቲ ናብ ሮበርት ደ ኒሮ እተላእከ ተፈንጃሪ ዝረኸቦ። እቲ ሮበርት ደ ኒሮ ኪቕበሎ ዝተላእከ ፖስታ ብራጂ ምስ ተመርመረ፡ ተፈንጃሪ ምዃኑ ተፈሊጡ። ደ ኒሮ ተቓዋሚ …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ 6

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ ሓደ ነገር ከይነገርኩኻ ሓሊፈ ነይረ፡ ንሱ ድማ ብዛዕባ ሕክምና እዩ። ኣብዚ ዓዲ ኣብ ጥዕና ዘለዎም ትዅረት ዘገርም እዩ። ንኣና ሓልዮምልና ይኹን ወይ ድማ ከይንልክሞም ግዲ ፈሪሆም ኮይኖም፡ ተሓከሙ፡ ተመርመሩ በሃልቲ ኢዮም። ግን ናይ ኤድስ መርመራ ምግባር ግድን እዩ። ደምና ወሲዶምልና ኣለዉ፡ ኣብቲ ደም እንታይ ከም ዚረኽቡ ግን እዝጊ ዋንኡ። ገሌና ብፍርሂ፡ ገሌና ድማ ዝመጸ ይምጻእ ብዚብል መንፈስ …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ 5

ዝኸበርካ ኣቦይ ዓዲ ከመይ ኣሎ፡ ዝዓበየን ዝነኣሰን? ኣቦ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝነገርኩኻ፡ እዛ ዘለኹዋ ገዛ ናይ ሰላም ገዛ ክትኮነለይ እምነ፡ ከመይሲ እቶም ናይቲ ገዛ ብጾተይ ዘይኮኑስ፡ እቶም ኪበጽሑ ዝመጹ እዮም ገዲዶምኒ ዘለዉ። ቀዳመሰንበት፡ ነቲ ናይጀርያዊ ኪበጽሕ ዚመጽእ መንእሰይ ኣሎ። ባዕሉ ናይጀርያዊ እዩ፡ ናይ ጥንቆላ ነገራት ድማ ይፈቱ። ሚግረሽን ጌና ስለ ዘይተቐበሉዎ፡ ናብ ዓዱ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ጸላም ደርሆ ሓሪዶም ኣብቲ ኣፍደገ ገዝኡ …

Read More »

ሽወደናውያን ብዓይኒ ኣማኑኤል ሳህለ ካልኣይ ክፋል

ብቐዳምነት ብዛዕባ ፍልጠት ሽወደንን ህዝባን ብዝምልከት ክልተ ዓይነት ኤርትራውያን ከተለሊ ትኽእል ኢኻ፡፡ እቶም ቀዳሞት ኣብ 1950ታት ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን ሽወደናውያን ዝተማህሩ  እዮም፡፡ እቶም ካልኦት ከኣ ኣብአን ዘይተማህሩ፡፡ ኣነ ንባዕለይ ካብቶም ኣብአን ዝተማህሩ እየ፡፡ ግና ኣብዚ ጽሑፍ ነቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ጥራይ ኣብ ግምት ብምእታው ክቐጽል እየ፡፡ ንሽወደን ብኣካልን በወረን እየ ዝፈልጣ፡፡ ወላዲተይ ኣብ ወንጌላዊ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ሽወደን …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን) ቁ. 4

ዝኸበርካ ኣቦይ፥ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፡ ናብ ካልእ ካምቢ ወሲዶምኒ። ግን ባላሶ እምበር ካምቢስ ኣይኮነን። እተን ናብኡ ዝወሰዳኒ፡ ናይቲ ሚግረሽን ሰራሕተኛታት እየን። ብእንግሊዝ እናተዛረባ ክሳዕቲ ካምቢ ምስ ወሰዳኒ፡ ብሓደ ዄንና ናብቲ ኣፓርትማ ደዪብና። ኣብ ኢደይ ባልጃይን ሓንቲ ጥቕልልቲ ፍርናሽን ነይራ። ኣብኡ ምስ ኣብጽሓኒ፡ ሓድሓደ ምኽርታትን ለበዋን ሂበን ገዲፈናኒ ተዓዚረን። ነቲ ክፍልታት በብሓደ እናኸፈትኩ እንተ ረኣኹ፡ ሰብ የብሉ ኦም የብሉ። ናበይ ደኣ …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን)

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቁ. 3                                                                 ብኣማኑኤል ሳህለ ሓበሬታ፥ ሽሕኳ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ኢመይል ወይ ፈይስቡክ ወይ ሞባይል/ቫይበር ብምጥቃም ምስ ቤተሰቦም ዝራኸቡ እንተ ኾኑ፡ እዚ ዓምድ’ዚ ግን …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን)

  ደብዳበ ናብ ዓዲ ቁ. 2                                       ብኣማኑኤል ሳህለ ሓበሬታ፥ ሽሕኳ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ኢመይል ወይ ፈይስቡክ ወይ ሞባይል/ቫይበር ብምጥቃም ምስ ቤተሰቦም ዝራኸቡ እንተ ኾኑ፡ እዚ ዓምድ’ዚ ግን ነቲ ኢመይል ወይ ሞባይል ብብዝሒ ዘይነበረሉ ግዜ ዚምልከት ኮይኑ፡ ንምዝንጋዕ ብማለት እውን …

Read More »

ሳሚ ስዒድ፥ “ኣሪገን ኣሰልቻዊ ድማ ኾይነን”

ስነጽሑፍ T T ሳሚ ስዒድ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ፡ ብ1979 ድማ ጌና ህጻን ከሎ ምስ ስድራኡ ናብ ሃገር ሽወደን ግዒዙ። ኣብ የተቦሪ ዓብዩ፡ ግን ብድሕሪኡ ናብ ስቶክሆልም ከይዱ፡ ኣብኡ ድማ ነዊሕ ዓመታት ተቐሚጡ። ሕጂ ነታ ”ወድሰብ እቲ ዝጸበቐ ከተማ እዩ” ዚብል መጽሓፉ የሕትም ኣሎ። በታ ህብብቲ ‘ቨልዲግት ሰላን ፊን” እትብል መጽሓፉ ጀሚሩ (2012)። ንሳ ብዛዕባ ኖህ እተባህለ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ መንእሰይ የዘንቱ። ኖህ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com