Sunday , April 28 2024

ባህሊ

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ኣብ ጒዳይ ዕዮ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኡ!!

ሓደ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ግዜያዊ ስራሕ ተዋፊሩ ጸኒሑ ፍቓድ መንበሪ እንድሕሪ ተኸሊኡ ንሽወደን ክለቅቕ ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ 7 ዓመት ንስራሕ ከመልክት እውን ኣይፍቀዶን እዩ። እዚ ማለት እዚ ፍቓድ ስርሑ ምሕዳስ እተኸልኤ ወጻእተኛ ናብ ሽወደን ተመሊሱ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከመልክት ብውሕዱ ሰለስተ ዓመታት ክጽበ ኣለዎ ማለት እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ተወከሱ። https://shorten.alkompis.se/8qsk2

Read More »

ልእልቲ ኖርዌይ ኣፍቃሪኣ ዕላዊ ጌራ።

ልእልቲ ኖርዌይ ማርታ ሉዊ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ስእሊ ኣመሪካዊ ኣፍቃሪኣ ሻርማ ቨሪት ብምጥቃዕ ፍቕራዊ ህይወታ ጋህዲ ጌራ’ላ። ኣብቲ ስእሊ “ነዚ ዝመስል ኣፍቃሪ ምርካበይ ኣዝየ ዕድለኛ እየ፥ ኣብዛ ዓለም ዘይቅድመ-ኲነታዊ ፍቕሪ ምህላዉ ክርዳእ ብምግባር ንህይወተይ ቀዪርዋ እዩ። ሳላኻ ሰሓቕ መዋዕልተይን መሓድርተይን ኮይኑ’ሎ ፍቕረይ። ንዘለኣለም ከፍቅረካ እየ!” ዝብል ጽሑፍ ከኣ ምስቲ ስእሊ ተለጢፉ ኣሎ።፡ ወዲ 44 ሻርማ መሃዚን ተጣባቒ መሰል ደቀንስትዮን እዩ። …

Read More »

ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ዘውዲ ደፊኡ።

ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ቫጂራሎንኮርን ብክብ ዝበለ ጽንብል ዘውዲ ደፊኡ። ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ንግስነት ጽንብል ብምሕላፍ ድሕሪ ሰብዓ ዓመታት ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ዘውዲ ምርካባ ተፈሊጡ። እቲ ጽንብል ናይ ቡድሃነትን ሂንዱነትን ትውፊታት ብተዛነቕ ዝቐርበሉ ኮይኑ ኣማኢት ዓመታት ዝገበረ ልምዲ ምዃኑ ይፍለጥ። ዘውዲ ንጉስ ቫጂራሎንጎርን 7.3 ኪሎ ዝምዘን ኮይኑ ብምስሊ መንበሪ ጣኦት ኢንዲራ ዝተሰርሐ እዩ ይበሃል።

Read More »

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሓዊ ምእጓድ ተኸልኪሉ።

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሽወደን ኣብ እዋን ጽምብል Valborg ሓዊ ምጥቃም ክልኩል እዩ። በዓልቲ መዚ ህጹጽ እዋንን እሳትን ኣብ ጫካታት ዘሎ ሓመድን ሳዕርን ምድራቑን ልዑል መጠን ሓደጋ ባርዕ ክህሉ ከም ዝኽእልን ሓቢራ ኣለዉ። “ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር እቲ ናይ ባርዕ ሓደጋ ልዕል ዝበለ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ወቕቲ ጽድያ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ’ምበር ቅልጥፍ ኢለ ዝመጸ እዩ ዝመስል” ኢላ’ላ። ብዙሓት ኣውራጃታትን …

Read More »

ጸወታ ክሪኬት ኣብ ሽወደን ብደቅንስትዮ ኣዝዩ እናተፈትወ ምምጻኡ ተገሊጹ።

ጸወታ ክሪኬት ኣብ ሽወደን ካብ 2015 ንደሓር ከም ስፖርት ካብ ዝምዝገበሉ ንደሓር ተፈታውነቱ እናዓዘዘ ክመጽእ እኳ እንተጸንሐ ዝበዝሑ ተጻወትቱ ደቂተባዕትዮ ኮይኖም እዮም ጸኒሖም። Credit: Dave Russell/Radio Sweden እንተኾነ ግና ብዝሐን እናወሰኸ ዝመጸ ደቅርንስትዮ ብፍቕሪ እቲ ጸወታ እናተታሕዛ ምምጽአን ተገሊጹ’ሎ። Credit: Dave Russell/Radio Sweden

Read More »

ትፈልጡዶ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ኣብ ግዜ ዓርቢ ስቐለት፡ ህዝቢ ናብቲ ቀጽሪ ቤትክርስትያን ኣትዩ (ብፍላይ ኣንስቲ)፡ ክላላይሶ ይብል እዩ። ክላላይሶ ግን እንታይ ማለት እዩ። ከምቲ ስዒቡ ዚድገም፡ ክላላይሶ መሓረና ክርስቶስ፡ ክላላይሶ ማለት መሓረና ጎይታ ማለት እዩ። እዚ ቃልዚ ካብ ግሪኽ KYRIE ELEISON ማለት ምሓረና ጎይታ ዝመንጨወ እዩ። ኣዴታትና ኣብ ክንዲ ኪሪየ አለይሶን ዚብላ፡ ክላላይሶ ኢለንኦ። 2. ፋዱስ ዚብል ቃል ብትግርኛ ፍርቂ መዓልቲ ማለት እዩ። …

Read More »

ዝወሓዱ ሽወደናውያን ፌስታል ከም ዝጥቀሙ ተገሊጹ።

ብመሰረት መጽናዕቲ ኤጀንሲ ምዕቃብ ከባቢ ሽወደን ኣብ ሸመታ ፌስታል ዝጥቀሙ ሽወደናውያን ቊጽሮም ብ 10 ሚእታዊት ጐዲሉ’ሎ። እዚ ማለት ኣብ 2017 ነፍሲወከፍ 114 ፌስታል ዝገዝእ ዝነበረ ሕጂ ናብ 102 ጐዲሉ ኣሎ። “እዚ ምጒዳል ዘተባብዕ እኳ እንተኾነ ናብቲ ዝዓለምናዮ ሽቶ ንምብጻሕ ገና ብዙሕ ምስራሕ ከድልየና እዩ” ክትብል Agnes Whelen ካብ ኤጀንሲ ምዕቃብ ከባቢ ሽወደን ገሊጻላ።

Read More »

ማሌዥያዊ ወራስ ዓራት ቴንጎ መሓመድ ፋይዝ ምስ ሽወደናዊት ሶፊ ሉዊዝ ጆሃንሰን ይምርዖ።

መርዓ ማሌዥያዊ ወራስ ዓራት ቴንጎ መሓመድ ፋይዝ ምስ ሽወደናዊት ሶፊ ሉዊዝ ጆሃንሰን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዓቢ ኣቓልቦ ስሒቡ ምህላዉ ተፈሊጡ። 32 ዝዕድሚኣ ሶፊ መምህር ሶስዮሎጂ ኮይና እናሰርሐት እያ ምስ 45 ዝዕድሚኡ መስፍን ቲንኮ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተላልዮም ክብል ዴይሊ ሜይል ጸብጺቡ’ሎ። ስነስርዓት መርዓ ኣብቲ ቅድሚ ኣስታት 180 ዓመታት እተሃንጸ ታሪኻዊ ቤተመንግስቲ ኣስታንላ ባላሊ እዩ ተኻይዱ። 300 ዕዱማት ተረኺቦም ምንባሮም ክኣ …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንነበርቲ አስተርሹንድ

ቤት ንባብ አስተርሹንድ ንኣህጉራዊ መዓልቲ መጽሓፍ ንቴድሮስ ኣብርሃምን ገጣሚ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤልን ንዕለት 23 ኣብሪል 2019 ካብ ሰዓት 18-:00 – 20:00 ከም ዕዱማት ብምእንጋድን ክጽንብሎ ምኻኑ ተፈሊጡ። ብቴድሮስ ኣብርሃም ኣብ’ዚ ኣብ የምትላንድ እተመስረተ ኣሕታሚ እምኵሉ፡ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ የሕትም። ዮናስ ወልደሩፋኤል ካብ ኤርትራ ዝመጸ ጋዜጠኛ ኰይኑ፡ ናብ ሽወደን ድሕሪ ምምጻኡ ድማ ኣብ ኡምዮ ከም ተርጓሚን ፈጻሚ-ጕዳያት ኣብ ምውህሃድስደተኛታትን ይሰርሕ። ቅድሚ ሒደት …

Read More »

ቀሊል ኣገባብ ህይወት + ፍቕሪ + ትሕትና = ዓንዲ ብልጽግና (4)

ቀሊል ኣገባብ ህይወት ምኽታል ክትዕወት እንተደሊኻ ብቐሊል ኣገባብ ውጽኢት ናይ ምርካብ ክእለት ከተማዕብል ኣለካ። ኣብ ሓደ ውሁብ ኩነት ዘድልየካን ዘየድልየካን ፈሊኻ ናይ ምፍላጥ ጥበብ ክህልወካ ይግባእ።   ንኣብነት ዘድሊን ዘየድሊን ጽዕነት ዝተጻዕነት ጃልባ ሒዞም ኣብ ባሕሪ ዝጓዓዙ ባሕረኛታት እቲ ተወሳኺ ጽዕነት ኣብ ጉዕዞኦም ኣገዳሲ እንተዘይኰይኑ ወይ ንሓደጋ ዘቃልዖም ኰይኑ እንተተሰሚዕዎም ናብ ባሕሪ ይድርብይዎ። ስለዚ ቀሊል ወይ ዘይተሓላለኸ ኣገባብ ህይወት ምኽታል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com