Friday , May 10 2024

ጽባቐ

ጽባቐ ኣብ ዓይኒ ጠማቲኡ. . . ጽባቐ ከከም ገላጺኡ. . . ጽባቐ ከከም ቦታኡ. . . ጽባቐ ብመጠን ደረጃኡ. . . ካልእ’ውን መግለጺ ጽባቐ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ጽባቐ ብዓይኒ ስነ-ጥበባውያን’ከ? ስነጥበብ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ስነ-ግጥሚ፡ ሕደማ፡ ቅብኣ፡ ቅንየት፡ ቅርጻ፡ ትልሂት ኩሉ ጽባቐ እዩ። ስነ-ጥበብ ብጽቡቕ ኣገባብ ጌርካ ንጽቡቕ ነገር ምጉላሕ እዩ።

 ነዚ ድማ ቦታን ባህልን እምነትን ኣነባብራን ብዓቢ ይጸልዎ ኣብ ዓዲ ጸዓዱ ‘ሕብሪ’ ቀዳማይ ረቛሒ መግለጺ ጽባቐ ክኸውን ይኽእል። እቲ ኣብኡ ዘሎ ስነ-ጥበባዊ ድማ ብሕብሪ ቆርበት ክጽሎን ንዓኡ ከጉልሕን ይደፋፋእ። ጀርመናዊ ቀባኣይ፡ ናይ ውጽእቲ ጸላም ኣፍሪቃዊት ቅብኣ ቀቢኡ ኣብ ጀርመን ንጀርመናውያን ንምርኢት እንተኣቕሪቡሎም፡ ኣዝዩ ውሑድ (like) እዩ ክረክብ። ወይ እውን ፍጹም ከይረክብ ይኽእል ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ ሓደ ኣፍሪቃዊ ሰኣሊ ጽብቕቲ ጻዕዳ ዚሕብራ ምስሊ ሰብ እንተስኢሉ፡ ብርክት ዝበለ ነጥቢ ክረክብ ይኽእል እዩ። ጸላም ጓል ዓዱ እንተስኢሉ’ውን ከምኡ። ስለ’ዚ ጽባቐ ምስ ኣተሓሳስባን እምነትን ይኸይድ’ዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

ጽባቐ ኣብ ዓይኒ ጠማቲኡ ከምዝተባህለ፡ ኣነ ንኣብነት ናይ ኣንጻር ጾታይ ዝመርጾ ጽባቐ፡ በርሃው ዝበለት ከደረይቲ፡ ኣፍንጫኣ ንእስ ኢላ ቁሩብ ግንጽል ዝበለት፡ቁንጽብቲ፡ ከናፍራ ርጉድ ኢለን መኻፍትቲ ኣፋ ጸቢብ ዘይኮነ፡ ድቕቕ ኢለን ጻዓዲት ኩለን ዝረኣያ ኣስናን ዘለዋኣ፡ ካብ ሓድሕደን ዝተረሓሓቓ ሃሳስ ቡናዊ ሕብሪ ዘለወን ፍሩያት ኣዒንቲ እትውንን፡ ሓጺር ባሌስትራ ዝምሸጥ ጸጉሪ ርእሳ እመርጽ – እንተተረኺባ። ካብ ዘይድህሰስን ዘይርአን ጽባቐ ከኣ፡ ተዘዝታ ዘለዎ ድምጻ፡ ዓው ኢላ ዘይትስሕቕ፡ ቀልጢፋ ኩርያ ቀልጢፋ እትምለስ፡ ኩሉ ስምዒታታ ብንጹር ኣብ ገጻ ደሚቑ ዝንጸባረቕ ክትኮነለይ እፈቱ – እንተተረኺባ። ካልእ ሰብ ድማ፡ ዕንባባ ትመስል ቀያሕ፡ ነዋሕ፡ ፍሩይ ቅርጺ ኣካላት ዘለዋ፡ ጸቢብ መኻፍትቲ ኣፋ፡ ነዊሕ ጸጉራ፡ ፍሩያትን ደመቕትን ኣዒንታ፡ ተዋዛዪት፡ ስሓቒት፡ ነባዒት ዝመርጽ ኣሎ። ረጓድ ጽልም ዝበለት ባህ ትብሎ ኣሎ። ጉልቡት፡ ጸሊም፡ ኩሉ ነገሩ ተሪር ወዲ ዘብህገንን ጽቡቕ እዩ ዝብለኦን ብዙሓት እየን። ቀጢን ወዲ እዩ መልክዐኛ ዝብላ ከኣ መሊአን! ቂሕን ቁመትን ኣብ ቅድሚት መግለጺ ጽባቐ ዝሰርዓ ከምዘለዋ እውን ኣይሰሓትን። ኩላትና ጽቡቕ ኣለና። ምኽንያቱ፡ ‘መልክዕ ኣብ ዓይኒ ጠማቲኡ’ ዝብል ርድኢት ቅኑዕ ስለዝኾነ እዩ።

እዚ ካብ ኰነ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ መግለጺ ጽባቐ፡ ብማዕረ ከነኽብሮ ኢና። ኣብ ምርጫን ኣገላልጻን ካልኦት ኣቲና ከነካሻምሽ ወይ ክንነቅፍ፡ ‘ኣንነት’ ወይ ናተይ ጥራይ’ዩ ቅኑዕ ከም ምባል እዩ ዝግለጽ። ጽባቐ ከከም ገላጺኡ – እዚኣ ውን ምስ’ታ ላዕለወይቲ ‘ጽባቐ ኣብ ዓይኒ ጠማቲኡ’ እትተኣሳሰር ኮይና፡ ሰፋሕ ቦታ ስነ-ጥበብ እያ። ብሓይሊ ኣገላልጻ ኣጠማምታ ሰባት ምቕናይ። ንኣዒንቲ – ፍንጃል፡ ኮኾብ፡ ንቑመትን ቅርጽን – ስየ፡ ለይለይ፡ ሓለንጋይ. . . ንጸጉሪ ርእሲ – ጭራ ፈረስ. . ስኒ ጸባ ጎተና ህድሞ ሸገ፡ ክሳድ ብርለ. . . እዚ ኣገባብ፡ ንባህልን መነባብሮን እምነትን ሓደ ሕብረተ-ሰብ መሰረት ጌርካ ጽባቐ ናይ ምግላጽ ጥበብ እዩ።

ብሓፈሻ፡ ኣብ’ዛ ዓለምና ዘሎ ነገር ከምዘለዎ ጽቡቕ እዩ። ኣንበሳ ኣብ በረኻኡ፡ ኣዕዋፍ ኣብ ጎጆአን፡ ሩባታት ኣብ ዋሕዞም፡ ከዋኽብቲ ኣብ ሰፊሕ ጸላሞም፡ ዓሳታት ኣብ ባሕሮም፡ ሰባት ድማ ኣኣብ ዓዶምን ከከም ባህሎምን እምነቶምን ኩሎም ጽቡቓት እዮም። ተፈጥሮ ጽብቕቲን ፍጽምቲን እያ። ሰብ ንሰብኣውነቱ ጠንጢኑ ንኻልኦት ክመስል ከሎ እዩ ጽባቐኡ ዝፍጽም። ዘይናትካ ጽባቐ፡ ዓይኒ ሃሪሙ ዝምለስ ንውሽጢ ኣትዩ ተምሳጥ ዘይፈጥር ተበላሊ ጽባቐ ኢዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com