Friday , May 10 2024

ባህሊ

ሽወደን ኣብ መንጎ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ጋግ ንምጽባብ ክትሰርሕ እያ።

ነቲ ኣብ ኣብያተትምህርቲ ዘሎ ዘይምዕሩይነት ንምቅላስ፡ መንግስቲ ኢዱ ከእቱ ከምዘልዎ እዩ ዝሕበር ዘሎ። እቲ ጸብጻብ ብዙሕ ሓሳባት ብምቕራብ፡ ካብዚኣቶም ድማ ነቲ ተምሃራይ ናይ ቤት ትምህርቲ ምምራጽ መሰል ምሃብን፡ ኣብያተትምህርቲ ድማ ንወለዲ ኣብ ናይ መጸበዪ ግዜ መዝጊብካ ናይ ምድንጓይ ዚኽተላኦ ዘለዋ መሰላት ኪሕደጋ ዚብሉ እዮም። መንግስቲ ዘዳለዎ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ሽወደን ኣብ መንጐ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ዘይምዕርዩነት ንምስትኽኻል ኢዱ ከእቱ …

Read More »

ብዛዕባ ቮልቦርይ (Valborg) ሓዊ ብምንዳድ ዝካየድ ጽምብል ኣብ ሽወደን እንታይ ትፈልጡ፧

ብመም Joሲ ወዲ ወርቀ ቮልቦርይ ካብ ማእከላይ ዘመን ጀሚሩ ኣብ ሸወደን ካብ ዝጽምበሉ ህዝባውያን ብዓላት ሓደ እዩ። ንኣጀማምርኡ ዝምልከት ሽወደናውያን ዝተፈላለየ ሓበሬታ ክህቡ ከለዉ፡ መወከሲታት ክኾኑኒ ዝፈታተሽክዎም ምንጪታት’ውን ልክዕ ከምቶም ሽወደናውያን ዝተፈላለዩ ሓበሬታ እዮም መጊቦምኒ። ኣብ ኩላቶም ዝረኸብክዎ ጥሙርን ናይ ሓባር ሓሳብ ግን ፡ ከም ምልክት ንምምጻእ ወቕቲ ጽድያ ኣብ ሽወደን ዝብል ይኸውን። እዚ ኣብ ደገ ዓቢ መጋበርያ ሓዊ ብምውላዕ፡ …

Read More »

ጽምብል ንምዉዳእ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብጸቢብ ክካየድ መንግስቲ ወሲኑ።

ንምዉዳእ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብዝምልከት መንግስቲ ወሲንዎ ዝጸንሐ ናይ ዘይምክያድ ዉሳነ ብምምሕያሽ ርእይቶ ተማሃሮን መማህራንን ብምቕባል፣ ብሓባር ዘይኮነ በበኽፍሎም ብጸቢብ ደረጃ ክካየድን፣ ይኹን እምበር ከምቲ ብልምዲ ብመካይን ተጻዒንካ ኣብ ጎደናታት ዝግበር ጽምብል ኩሉኩል ምዃኑን፣ ነዚ ዘሎ ኩነታት ብዝሰማማዕ ሓላፍነታዊ መገዲ ክካየድ ከምዝተወሰነ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ትማሊ ኣዚዙ ። ኣብ ሽወደን ነዊሕ ዝጸንሐ ባህሊ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንዝዉድኡ ተማሃሮ ንምዉዳእ ትምህርቶምን ልዕሊ …

Read More »

ሓዊ ብምዉላዕ ዝጽንበል ባዓል ቫልቦሪ ሎሚ ዓመት ከምዘይህሉ መንግስቲ ሽወደን ይሕብር።

ዓመት መጸ ካብ እዋን በረድን ዛሕልን ናብ ጸሓይን ዋዕን ዝእተወሉ እዋን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ድሮ ባሕቲ ግንቦት፣ ሓዊ ብምዉላዕ ዳሜራ ብዝመስል ኣገባብ ዝጽንበል ባዓል ቫልቦሪ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ በቲ ልሙድ ባህላዊ ኣገባብ ክባዓል ከምዘይክእል መንግስቲ ከምዝወሰነ ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምባርይ ሓቢሩ። ንሱ ኣብዚ ሎሚ ማዓልቲ ዘካየዶ ጋጤጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ንቡር ኩነታት ስለዘየለና ንቡር ባህላዊ ኣገባባትና ክንገብር ዘፍቅድ እዋን …

Read More »

ዳህሳስ ገለ ክፋል ሙዚቃ ኤርትራ ኣብ ሬድዮ ሽወደን

ብመም Joሲ ወዲ ወርቀ ኔልደን P-2 ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ መንግስታውያን ዝኾና መደበራት ሬድዮ ሽወደን እያ።ኣብ ሙዚቃን ትምህርታ’ውን ጉዳያት ኣተኰራ ዝተፈላለዩ መደባት ድማ ተሳናድእ። እዛ ብ1955 ከም ዝተመስረተት ዝንገረላ መደበር ሬድዮ እዚ’ኣ፡ብዝተፈላለዩ ሃገራውያንን ውሁዳንን ዝዀኑ ቋንቋታት ማለት ስቨኒስካ፡ፍኒስካ፡ሳሚ፡ሮማኒ፡እንግሊዝ ከምኡ ድማ ብቋንቋታት ዓረብን ሶማልን መደባት ከምዘለዋ ይፍለጥ። እዛ ሬድዮ ካብ እተቅርቦም መደባታ፡ትማሊ ቀዳም ሚያዝያ 24 /2020 ንሓደ ስዓት ዝኣክል፡ኣብ’ቲ ብ “Folkmusiken i …

Read More »

ህይወት ኣብ ጉዕዞ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

Read More »

ኮሮናቫይረስ ናይ ተፈጥሮ ግብረመልሲ

ሳድጉሩ እተባህለ ኣብ ዩትዩብ ዚነጥፍ ውሩይ ህንዳዊ ጉሩ ወይ ፈላስፋ፡ ንኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ፡ ”ንሱ እንታይ ዘይገበረ፡ ንሱ ዘይኮነ በዳልስ፡ ሰብ እዩ ምንባር ከሊኡዎ” ዝዓይነቱ መልሲ ሂቡ። በቲ መልሱ ብዙሓት ደስ ኣይበሎምን፡ ሳድጉሩ ግን ቀስ ኢሉ ከረድኦም ፈቲኑ።  ንኣብነት ኣንበጣ ንውሰድ። ኣንበጣ ብተፈጥሮኡ በይኑ ምግቡ ዚምእርር ሓሸራ እዩ። ግን ብገለ ሰብ ዘምጸኦ ይኹን ወይ ተፈጥሮ ዘምጽኦ ደርቂ፡ ነንሕድሕዱ ኪባላዕ ክሳዕ ዝደሊ ይጠሚ። …

Read More »

ዩኒቨርሳላዊ ንቕሓት 2ይ ክፋል

ዓለምና እቲ ዘድሊ ዓቕምን ንቕሓትን ደኣ ኣይነበራን እምበር፡ ካብ ጥንቲ ጀሚራስ ብደረጃ ቍሸት ይኹን ብደረጃ ዓዲ ወይ ብደረጃ ግዝኣታት ወይ ክልላት ግሎባላይዘሽን ወይ ዓውለማ ነይሩዋ ኢዩ። ንኣብነት፡  ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር፡ ዓለም ኪብሃል ከሎ፡ ነተን ንማእከላይ ባሕሪ ወይ ከኣ ንመዲተራነያን ባሕሪ ከቢበናኦ ዝነበራ ሃገራት (ከም እኒ እስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ግሪኽ፡ ቱርኪ፡ ጳለስጢንያ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ቱኒዝያ ከምኡውን ብመጠኑ ንህንድን ንፋርስን …

Read More »

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ታሪኻ ንመጀመሪያ ግዜ ጸሎት ብርሕቀት ኣካይዳ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኣማኢት ዓመታት ዝጸንሐ ስርዓትን ኣገባብን ቅዳሴ ባዓል ትንሳኤ፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ብዝተፈጥረ ኩነታት ክትቅይሮ ከምዝተገደደት ተሓቢሩ። እታ ቤተኽርስትያን ብብጹእ ጻጻስ እታ ቤት ክርስትያን ዝተመርሐ ስርዓተ ቅዳሴን ጸሎትን ናይ ባዓል ኣፋስጋ፣ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ዕጹዉ፣ ኣገባብ ብመገዲ ቀጥታ ፈነወ ንልዕሊ 1.3 ቢልዮን ምእመናን ካብ ቤተክርስታያን ቅዱስ ጼጥሮስ ፣ ብቐጥታ ተማሓላሊፉ። እቶም ወዲ 83 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣርጀንቲናዊ ጻጻስ ካቶሊካዊት …

Read More »

ኣብ ዓቢ ቤተ ክርስትያን ኡፕሳላ ብምኽንያት ዓርቢ ስቕለት ዘርኢ ስእሊ ብምኽንያት ኮቪድ 19 ተማሓላሊፉ ዘሎ እገዳ ምእካብ ሰባት ብርሕቀት ዝተገብረ ዘሎ ናይ ስግደትን ጸሎትን ስነ ስርዓት።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com