Monday , May 20 2024

ባህሊ

ፕሮሶሰይ— ሓቀኛ ዛንታ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘንበብናዩ፡ ታሪኽ ናይታ ጌና ኣብ ዘይተዛዘመ ጉዕዞ ዘላ መንእሰይ ሄለን ብምንባብ፡ ብርክት ዝበልኲም ሰባት ንምሕጋዛ ተበግሶ ወሲድኲም ክንረኽባ ብምባል ዝደገፍኲማ ምስጋናይ እናገለጽኲ፡ ንሎሚ ድማ ሓንቲ ሜሪ እትብሃል መንእሰይ ብወገና፡ ህሉው ኲነታተይ መንእሰያት ክምህር ይኽእል’ዩ ብምባል፡ ብውልቃ ንዝሰደደትለይ መሃሪ ጽሑፍ ናባክም የብሎ። ኣቱም ሰባት እንታይ ኢና ኮይና? ኣኺሉና ድዩ መፍትሒ ኲሉ ነገር ስደት ጥራይ ገይርናዮ? …

Read More »

ርሑስ በዓል ዒድ ኣልፈጥር! ንኹልኹም መእመናን ተኸታተልቲ ኣልኮምፒስ ትግርኛ፡እንቋዕ ናብ ዒድ ኣልፈጥር ናይ መበል 1441 ሃጁርያ ኣብጽሐኩም። ሰላምና መሊኡ፡ሰግሊሉ ጠጢዑ፡ዝተሰደ ሰላም ክምለስ፡ሽሻይና በዚሑ ክሕፈስ እምነ። ደጊመ ዒድ ጠልን ኣዝመራን ክኸውን እናተመነኹ፡ምስ ምሉእ ስድራቤትኩም ኣብ ስደትን ውሽጢ ሃገርን እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈትሐልኩም ንብል።

Read More »

ሓንቲ ዓለም፥ ካብ ሳንዱቕካ ምውጻእ።

ኣማኑኤል ሳህለ ሓድሓድ ግዜ ኣብ ኣእምሮኻ ንነዊሕ እዋን ምሳኻ ዚቕመጥ ዝነበረ ሓሳባትን ኣተሓሳስባን መርገጽን እምነትን ከም ኣባል ቤተሰብ ጌርካ ኣብቲ ናይ ኣእምሮኻ ውሻጠ ምቕማጥ ጥዑም እዩ። ሒዝካዮ ክትመውት እውን ኣይትጸልእን። ወላውን ሓድሓደ ግዜ ምስቲ ጭቡጥ ናይቲ ከባቢኻ ኩነታት ዘይቃዶ እንተ ኾነ፡ ውጻእ ክትብሎ ኣይትደፍርን። ልክዕ ንውላድካ ካብ ገዛ ውጻእ እትብሎ ከም ዘሎኻ ኾይኑ እዩ ዚስመዓካ። ንሱ እዩ ሰላም ዚህበካ፡ ንሱ …

Read More »

ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ክረምታዊ ንጥፈታት ህጻናት ንኽካየድ ኣፍቂዱ።

ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ክረምቲ ንዝካየዱ ንጥፈታት ህጻናትን ስፖርታዊ ውድድራት መንእሰያትን ቀጠልያ መብራህቲ ከምዝሃበ SVT ሓቢሩ። ዝካየዱ ንጥፈታት ሃገራውያን ክሳብ ዝኾኑ ክትግበሩ ይግባእ ክብል ኣማኻሪ ጉዳያት ለበዳ ሽወደን፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን ንክረምታዊ ንጥፈታት ዝምልከት ኣብ ወርሒ ሰነ መምርሒታት ከመሓላልፍ ትጽቢት ይግበር። ህጻናትና ምእንቲ ምሉእ ጥዕና ክረኽቡ ብዝተኻእለ መጠን እቲ ንቡር ንጥፈታቶም ክቕጽልዎ ይግባእ። ብዛዕባ …

Read More »

ብሰንኪ ናይ ርሕቀት-ትምህርቲ፡ 500 ተምሃሮ ኣብ ማልመ ን SFI ይገድፉዎ።

ብመሰረት ራድዮ P4 ማልመሁስ፡ ልዕሊ 500 ኣብ ማልመ ዚርከቡ ተምሃሮ ኤስ.ኤፍ.ኢ (ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት) ድሕር እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዝተጀመረ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ፡ ነቲ ቤትትምህርቲ ገዲፎምዎ። መብዛሕትኦም ብሰንኪ  ኮምፕዩተር ን፡ ድሩት ኣፍልጦ ሞባይልን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ  ምክትታል ስለዝኸበዶም ሙኻኑ ይግለጽ። ብሰንክዚ ድማ ብዙሓት ብሕጽረት ቋንቋ ይሳቐዩ ምህላዎም ኣና ግሪን እተባህለ ሓንቲ ካብ ናይ ኤስ.ኤፍ.ኢ መምህር ገሊጻ። እዚ ናይ ርሕቀት …

Read More »

ሊንዳ፡ ዝኾነ ስነ ስርዓት ቀብሪ መዋቲ ቀልጢፉ ክውዳእ ትምሕጸን።

ቤተ ሰብ መዋቲ ንስነ ስርዓት ቀብሪ ግዜ ከይወሰዱ ክፍጽምዎ ከምዝግባእ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ኣዘኻኺራ። ምስዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ጽንኩር ኩነታት፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብጽቡቕ ኣገባብ ይካየድ ኣሎ። ምስግጋር ግዜ ናይ ቀብሪ ግን ጠንቂ ምእኻብ (ምጭቕጫቕ) ክኸውን ከምዝኽእልን ከም ሳዕቤኑ ድማ ንዝሞቱ ቤተ ስብና ብቑዕ ዝኾነ ናይ መፋነዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክንገብረሎም ኣብ ዘይንኽእል ደረጃ ከብጽሓና እዩ ክትብል እታ ሚኒስተር …

Read More »

ድምጻዊት ፌቨን ጸጋይን ትዕዝብተይን፡ጽሓይን ወርሕን ዘይጠልም ኪዳን ስነ-ጥበብ።

መም Joሲ ወዲ ወርቀ መእተዊ ክኾነኒ ኣብ 2019፡ኣብ 2ይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሰነ፡ ኣስታት 7650 ፍሉጣት ዓማዊል ምስ ዘለዉዋ፡ኣስመራ ምስ ዝመደበራ ናቲ ቲቪ(NatiTv )ዝተሰመየት ናይ ዩትዩፕ ቻነል፡ ኣብ ክልተ ክፋላት ብምክንያት “ዒድ ኣልፈጥር” ምስ ኣቅራቢት መደብ ሳቤላ ካብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕተት፡ ኣብ ግዚኡ ተኸታቲለዮ ነይረ። ተስፋ ገብር ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብ ተኸታቲልኩሞ ክትኳኑ። ቅድሚ ናብቲ ናይ ውልቀ ትዕዝብተይ ምሕላፈይ፡ንገለ ሓቕታት ድሕረ ባይታ  …

Read More »

ፍልስፍና ኣብ እዋን ኮቪድ-19።

ፈላስፋታት ብግብሪ ኣብ ቅድመ ግንባር ምምካት ለበዳ ኮሮና ተሰሊፎም ከይረኣዩና ይኽእሉ እዮም፥ ይዂን’ምበር ዝጻወትዎ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም። ኣብ እዋን ጸበባ ፍልስፍና ገለ እትብሎ ነገር ይህልዋ እዩ። ለበዳ ኮሮና ንዓለምና ኣጨኒቕዋ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ብፍላይ ጥበብ ፍልስፍና” ስቶይሲዝም” ዝያዳ ኣገዳስነት ረኺቡ’ሎ። ” ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝኾኑ ነገራት እንከጋጥመካ ምጭናቕ ኣቋርጽ” ዝብል ኣባህላ ሰነካ እታ ልምድቲ መትከል እያ። ሃይማኖተኛታት ብወገኖም ” ኦ …

Read More »

ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

ካልኣይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ብፍላይ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ኣታ ዝገርም’ኳ እዩ፡ እንድዒ ወደይ! እናኽተስምዖ ዝመርርዛንታ’ዩ፡ ኣይክኣልኩን—፡” ንብዓታ ዛረየ፡ ከቢድ ዛንታ ክትነግረኒ ምዃና ግልጺ ኮነለይ፡ ግና ክትዛረብ ዓቕሚ ስኣነት፡ ነታዝጠቐሰታ ዕለት ዳግማይ ደገመትለይ።“ብፍላይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ኣይትኣምነንን ትኸውን፡ በቓ ሕጂ ክገልጸልካ ኣይክእልን’የ ግዜ ሃበኒ—፡”ሕጂ’ውን ዓቅሚ ስኢና ምስ ውሓዚ ንብዓታ ተነኽነኸት። ኣነ’ውን ኣባቢደ ነቲ ዝቕጽል ኣደንጻዊ ዝበለቶ …

Read More »

ሰልፊ ቨንስተር፡ ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ተወሳኺ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ንኽወሃቦም ይሓትት።

ቁጽሪ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕናን ኣባላት እንዳ መናበይ ዓበይቲን ንምውሳኽ ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ክካየድ ከምዘለዎን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሞሳ ናይቲ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕና ዝገብርዎ ዘለዉ ተወሳኺ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ንኽወሃቦም ሰልፊ ቨንስተር ጸዊዑ። ሰልፊ ቨንስተር ነዞም ኣብዚ ከቢድን ዘይንቡርን ግዜ ሂወቶም ኣብ ቀዳማይ መስመር ሰሪዕም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ንኸድሕኑን ኣንጻር’ዚ ሕማም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕና ዓስቦም ንኽኸፍሎም ድልየት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com