Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ካብ ካልእ ሰብ ዝፍለ ሓደጋን ተቓላዕነትን ለበዳ ኮሮና የብሎምን ተባሂሉ።

ኣቐዲሙ ከምዚ ዝበለ ወረን ሓበሬታን ክጋዋሕ ምጽንሑ እንተኾነ ግና ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ዝተፈልየ ተቓላዕነት የብሎምን ተባሂሉ። ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቴግኔል ብጽቡቕ ዝእለ ሕማም ሽኮር ምንም ዝተፈልየ ተቓላዕነት ከም ዘይብሉ ኣብ ክሊኒክ ካሮሊንስካ ዋና ሓኪም ሚካኤል ራይደን ገሊጹ’ሎ። እቶም ኣብ ሓደጋ ኣለዉ ዝበሃሉ ሕዱር ሕማም ሽኮርያን ካልእ ተጓደንቲ ሽግራትን ዘለዎም ጥራይ እዮም ድማ ኢሉ።

Read More »

ካብ ኩሉ ብእኩብ ዝካየድ ዓይነት ስፖርት ካብ ምክያድ ሰባት ክቛርጽ ይጽውዕ።

ዝኮነ ሰብ ኮነ ስፖርተኛታትን ዝተዋህበ ምኽሪ ውድድራት ደው ብምባል በብቅልቖም ኣብ ግዳም ልምምዳትኩም ኣካይዱ ሰብ መዚ ጥዕና ይምሕጸኑ። ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ከም ውድድራት ካልእን ክውንዘፉ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እዚ ዝተባህለ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እዩ። ዳይረክተር ጀነራል ጆን ካርልሰን ገሊኣቶም ስፖርት ጠቢቕካ ምርኻብ መይ ምትንኻፍ ዝሓቱ ብምዃኖም ክካየዱ የብሎምን ኢሉ። ኲሎም ብምትንኻፍ ዝካየዱ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንግዜኡ ክዕገቱ ድማ ጻውዒቱ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ በዓል ፋሲካን ሮሞዳንን ንምጽንባል ዝግበሩ ምትእኽኻባት ንኽስረዙ ይጽውዕ።

ሕብረተ ሰብ ሽወደን በዓል ፋሲካ ንምጽንባል ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ካብ ምጋሽ ክቑጠቡ መንግስቲ ተማሕጺኑ። ብተወሳኺ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ሃይማኖታዊ በዓላት ከም በዓል ፍሲካ ኮነ ሮሞዳን ንምጽንባል ዝግበሩ ዝነበሩ ምትእኽኻባት ንኽስረዙ ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን ጸዊዓ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ምግታእ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምዃኑ እታ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት፡ ቤት ምግብታት፡ ድኳናትን …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ፋርማሲታት ዝግዝኡ መድሃኒት ቀይዲ ክግበረሎም እዩ።

ኣብ ዕዳጋታት መድሃኒት ቅልውላው ንኸየጋጥም ብምባል መንግስቲ ሽወደን ነቲ ካብ ፋርማሲ ዝሃልኽ መድሃኒታት ቀይዲ ክገብረሉ ሎሚ ንግሆ ወሲኑ። ፋርማሲታት ንሕሙማት ክሸጣሎም ዝጸናሓ ናይ ሓደ ዓመት መድሃኒት ተሪፉ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል መድሃኒት ጥራይ ክሸጣሎም ከምዘለወን እዚ ሓድሽ ውሳነ ይእዝዝ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ። ሕዱር ሕማም ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ዓመት ዝኣክል …

Read More »

ዩኒቨርሳላዊ ንቕሓት ቀዳማይ ክፋል

ሓንቲ ዓለም ብ ኣማኑኤል ሳህለ ወድሰብ ብጥንቲ ኣብ ዓለም ኪነብር ከሎ፡ ነታ ዝነብረላ ዝነበረ ንእሽቶ ቍሸት ከም ዓለም ገይሩ ይወስዳ ነበረ። ክንዮ​’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ደረት​-ትርኢት ድማ ካልእ መሬት ዘሎ ኣይመስሎን ነበረ። ብምሕላፍ ዘመናትን​ ብዕቤት​ ኣእምሮኡን​ ግን​ እታ​ ዓለሙ​ ካብታ​ ቍሸቱ​ ሓሊፋ​ ካልኦት​ ሃገራት​ ክትጥርንፍ​ ጀመረት።  ንሓደ ቘልዓ ከም ኣብነት ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። እቲ ህጻን፡ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ኸሎ፡ ግዜኡ …

Read More »

ስዕረት ብናስሮቪች “ገሊኣቶም ስዕረታት ሓለፋ ዓወት ይምቅሩ” ሞንታኝ

ዓወትን ስረትን ክልተ ፊጺሞም ክዕረቑ ዘይክእሉን ኣንጻራውንን እዮም ዝመስሉና፡፡ ብዘይ እቲ ሓደ እቲ ካልእ ትርጒም ዝስእን ክሳብ ዝመስሉና መብዛሕትኡ እዋን ከም ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ሳንቲም ኮይኖም እዮም ዝቐርቡ፡፡ ኩልሳዕ ከምኡ እዩ ማለት ግና ኣይኮነን፡፡ ከምቲ ተዓዋቲ ዘይብሉ ስዕረት ዘሎ ፤ ብዓወት ዝዛዘም ስዕረት ከኣ ኣሎ እዩ፡፡ ዓወትን ውድቀትን ከም ሌጣ ጻዕዳን ጸሊምን ጌርና ክንርዳኣ እንተ ፈቲንና ህይወትና ከም ላቦራቶሪ …

Read More »

ኣብ ኣዋጣሪ እዋን ክሮና ቫይረስ ክግበሩ ዝግብኦም ነገራት

Read More »

መንገዲ ኣየርንኖርወጅያን፡ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት የቋርጽ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሽወደን እተካይዶም ዝነበረት በረራታት ንዝቕጽል ወርሒ ሚያዝያ ከምዘቋረጸቶ መንገዲ ኣየር ኖርወጂያን ሓቢራ። ብሰንኪ ምልባዕ ቫይረስ ክሮና ኣብ መላእ ዓለም ተኣዊጁ ዘሎ ናይ በረራታት እገዳን ዋሕዲ ተሳፈርትን እቶም ቀንዲ ጠንቅታት ናይዚ ውሳነ ምዃኖም ክትብል ሓላፊት ክፍሊ መራኸቢታት’ታ ኩባንያ፡ ሻርሎት ያኮብሰን፡ ንማዕከን ዜና ሽወደን TT ሓቢራ። መስመራት መንገዲ ኣየር ኖርወጂያን ካብ ስቶክሆልም ናብ ሉልዮ፡ ኦምዮ፡ ኬሮና፡ ኡስተርሾንድን ዮቶቦሪን ምንባሩ …

Read More »

ርእሰ ከተማ ሽወደን ንምዕጻዉ መንግስቲ ኣብ ውሳነ ከምዘይበጽሐ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ ብዝሒ ተላባዒ ቁጽርን ምዉታንን ዝተላዕለ ቦታ ሒዛ ዘላ ከተማ ስቶክሆልም ሙሉእ ብሙሉእ ንምዕጻዉ ዘኽእል ስጉምቲ፣ መንግስቲ ገና ዉሳነ ከምዘይበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቨን ሓቢሩ። ንሱ ምስ ኣገልግሎት ተሌቭዥን 4 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፣ ስቶክሆልም ብብዙሕ ጉዳያት ምስ ከባቢ ዘሎዋ ከተማታት ስለትታኣሳሰር ንግዚኡ መተኻእታ ፍታሕ ስጋብ ዝርከብ፣ ንከተማ ስቶክሆልም ነጺልካ ምዕጻዉ፣ ከምዘየዋጽእ ሓቢሩ። ጎረቤት ሃገር ፊንላንድ ርእሰ ከተማኣ ዝኾነት ከተማ …

Read More »

ሎቨንን ሊንድን ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተራኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪንን ሓላፊት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝኾነት ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ ትማሊ ዓርቢ ብመንገዲ ኣገልግሎት ቪድዮ ኣቢሎም ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ሃይማኖታት ክርስትና፡ እስልምና፡ ኣይሁድን ቡድሃን ከምዝተራኸቡ ተሓቢሩ። ዕላማ ናይቲ ርክብ፡ ኩነታት ተኸተልቲ እዘን ሃይማኖታት ንምፍላጥን ኣብዚ ሽወደን ተሕልፎ ዘላ ሕማቕ ግዜ ድማ ሓለፍቲ ሃይማኖታት ንሰባት ተስፋ ኣብ ምሃብን ምርግጋእን ጸላዊ ተረኦም ንኸበርክቱ ዝዓለመ ምዃኑ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com