Thursday , May 16 2024

ካብዝን ካብትን

ፍልስፍና ኣብ እዋን ጸበባ ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ምንጪ ሓጎሰካ ኣብ ዘይንቕነቕ ውሸጣዊ ከውሕኻ ጥራይ ኢኻ ትሃንጾ፡፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተትፍርድ ኣብቲ እትጸንሓሉ ቤት ማሕቡስ እንታይ እናገበርካ ግዜኻ መሕለፍካዮ? ናይ ፍልስፍና መጽሓፍ ምጸሓፍካዶ? ቦትዬስ ከምኡ እዩ ዝገበረ፡፡ እታ ኣዝያ ዘበለጸት ናይ ፍልስፍና ስርሑ ኸኣ ንሳ ነበረት፡፡ ቦትዬስ ማኒለስ (475-525) ኣብ ዘመነ ሮማ ካብ ዝነበሩ ፈላስፋታት እቲ ናይ መወዳእታ እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ ሮማ ብኢድ ባርባርያውን ቅድሚ ምዕናዋ ዕስራ ዓመት …

Read More »

ትፈልጡዶ?

ኣብ ጋና ኣብ እትርከብ Mamfe Dove እተባህለት ገጠር ኣማልኽቲ መታን ከይቁጥዑ ብምባል ጥኑሳት ኣብ ውሽጢ እዛ ገጠር ከይሓርሳ ዝኽልክል ያታ ኣለዋ። ነዚ ያታ ከይጥሕሳ ብምባል ብዙሓት ነፍሰጾራት ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ካብታ ገጠር ክወጻ ነዊሕ ይጐዓዛ ምህላወን ድማ ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ። ገለ ኣንስቲ ግና ነዚ ዝጸንሐ ያታ ክብድሃ ምጅማረን ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ትፈልጡዶ?

ስለምንታይ ኢና ከኒና ንብል? ኮካ መኣስ ተማሂዙ? ኣብ ሃገርና ንዝኾነ ዝወሓጥ መድሃኒት ከም ታብለት ወይ ካፕሱል፡ ከኒና ኢና እንብሎ። እንታይ እዩ ምኽንያቱ? ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ይገብር ሕማም ዓሶ ንወድሰብ ኪውድእ ከሎ፡ ገለ ተመራመርቲ ሓደ ኣዚዩ መሪር ዝኾነ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዚርከብ ልሕጺ ኦም፡ ንዓሶ ከም ዘሕዊ ወይ ከም ዘዐግስ ፈሊጦም። ምናልባት ካብቶም ደቀባት ወሲዶምዎ ይኾኑ። ስም ናይቲ ፈውሲ ክዋይናይን እዩ …

Read More »

ማይክል ጃክሰን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ።

ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ዝዘንብ ዘሎ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ክከላኸል ግደ የብለይን ክትብል ጓል ማይክል ጃክሰን ፓሪስ ጃክሰን ገሊጻ። ማይክል ጃክሰን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽም ምንባሩ ዘርኢ ሊቪንግ ነቨርላንድ ዝተባህለ ሰናዲ ቪድዮ ድሕሪ ምፍናዉ እያ ነዚ ዝበለት። ጓል 20 ዓመት ፓሪስ ናይ ኣቦኣ ስም ንምንጻህ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ሓገዝ ክትገበር ምዃና ተዛሪባ’ላ። ኣብ ሞዴልነት እትሰርሕ ፓሪስ ኣብ ብሓሙስ ኣብ …

Read More »

ዘይድህሰስ ሃብቲ ብበሪሁሉ ብኣማን

“ኣብዚ ዓለም፣ እቶም ዝበለጹን ዝጸበቑን ነገራት ብዓይንኻ ኣይረኣዩን፣ ብኢድካ’ዉን ኣይድህሰሱን፡ ኣብ ዉሽጥኻ ክስምዑኻ እዩ ዘለዎም” ሄለን ኬለር ገንዘብ፣ ዓስቢ ኩሉ ዓይነት ዕዮ ወይ ኣበርክቶ ክኸዉን ኣይክእልን። ሓያሎ ወለዲ ንደቆም፣ ዓስቢ ክበሃል እንከሎ በቲ ዝጭበጥ ክፋሉ ዘይኮነ በቲ ረቂቕ ክፋሉ ክምዘን ከም ዘለዎ ከይመሃሩ እዮም ዘዕብይዎም። ብዙሓት ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ዝዉንኑ ክነሶም መንፈሳዊ ድኽነት ወሪስዎም ትረኽቦም። ዕላማ ህይወትና ገንዘብ ክህልወና …

Read More »

ኣብ ህንዲ ውሉፋት ዕጸፋርስ ዝዀኑ ፓፓጋሎታት ሕርሻ ዕጸፋርስ የብርሱ

ኣብ ህንዲ ብሕርሻ ዕጸፋርስ ዝናበሩ ሓረስቶት ግራውቶም ካብቶም ነቲ ዝበቘለ ዕጸፋርስ ክበልዑ ዝመጹ ፓፓጋሎታት ክከላኸሉ ይግደዱ ከም ዘለው ተገሊጹ። ሓንቲ ዕንባባ ናይ ተኽሊ ዕጸፋርስ ኦፕየም ካብ 20 ክሳብ 25 ግራም ዕጸፋርስ ይርከባ። ዕስለ ፓፓጋሎታት ንመዓልቲ 30 ወይ 40 ግዜ እናተመላለሱ እንተበሊዖሞ ወይ ጨንፈር ምሉእ ሰሊዖም እንተወሲዶም ግን ዝሕፈስ ምህርቲ ከም ዘይህሉ እቶም ሓረስቶት ይገልጹ። እዞም ጠሪዕና ዝሰምዓና ስኢንና ኢሎም ዘማርሩ …

Read More »

ብሕልማ ክበጽሓ ኸሎ ዝረኣየቶ ሎተሪ ብውነኣ ዝተጋህደላ ኣሜሪካዊት

ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚሺጋን እትቕመጥ ኣሜሪካዊት መንእሰይ ብሕልማ ናይ 4 ሚልዮን ዶላር ለተሪ ክበጽሓ ኸሎ ድሕሪ ምርኣያ ብተደጋጋሚ ሎተሪ ክትቈርጽ ብምጽናሕ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝሓለመቶ መጠን ገንዘብ ዝሓዘ ሎተሪ ከም ዝበጽሓ ትካል ሎተሪ ሚሺጋን ይሕብር። እዛ ጓል 28 ዓመት መንእሰይ፡ እቲ ዝረኣየቶ ሕልሚ ደጋጊማ ሎተሪ ብምግዛእ ዕድላ ንኽትፍትን ከም ዝደፋፍኣ ትዛረብ። ንሳ ዝተሰምዓ ስምዒት ክትገልጽ እንከላ “ንምእማኑ ከም ዘሸግር እርድኣኒ እዩ። …

Read More »

ፍልስፍናን ፍቕርን ካልኣይን መወዳእታን ብናስሮቪች

ነቲ ዝህሉ፤ ምሳና ዝነብርን ዘሎን እውን ነፍቅር ኢና፡፡ ብኣኣቶም ባህ ይብለና፡፡ ነዚ ዓይነት ፍቕሪ ግሪኻውያን ፊልያ ኢሎም ይጽውዕዎ፡፡ እዚ ናይቲ እንስእኖ ኣካል ረባጺ ባህጊ ኣይኮነን፤ እዚ ፈለፋሊ ዛራዪ ሓጎስና እዩ፡፡ አረ ንባዕሉ”ውን ሓጎስና እዩ፡፡ ጥብቕ ዝበለ ኣካላዊ ምርኻብን መሰተጋብርን ፍቑራት፤ ፍቕሪ፡ ምትሕልላይን ተወፋይነትን መጻምዲን ኣዕሩኽን ኣብዚ እዩ ዝምደብ፡፡ ፊልያን ፈልፋሊ ሓጎስን መጓዕዝቲ እየን፡፡ እዚ ዓይነት ፍቕሪ ገለ ባእታታት ኤሮስ ዝሕውስ …

Read More »

ሽወደን ልዕሊ 100 ኣብያተ ጽሕፈታት መራኸብቲ ስራሓት ትዓጹ ኣላ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት Arbetsförmedlingen ፖለቲከኛታት ባጀት ክቖርጹ ምኻኖም ድሕሪ ምፍላጦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዘለዉ ናይ ስራሕ ማእከላቱ ካብ ፍርቆም ንላዕሊ ክዓጽዎም ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ትካል ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ካብተን ዘለዋኦ 242 ናይ ውሽጢ ሃገር ስርሓት ነተን 130 ክዓጽወን ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ውሳነ ኣብ ገጠር ንዝርከባ ንኡሳንን ማእከሎትን ማእከላት ክሃሲ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዜና እቲ ትካል 4500 ካብ …

Read More »

ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ሓፈሻዊ መርሓ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዲፉ’ሎ።

ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ኣብ ዕላዊ መርብበ ሓበሬታ ጽያፍ ነገራት ዝጽሕፉ ሰባት ከም ዝእግዶም ብምግላጽ ሓፈሻዊ መርሓ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዲፉ’ሎ። ናብ መርበብ ሓበሬታታት ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ጸርፊን ጽልኢ ዝመልኦ መልእኽቲን ብማሕበራዊ ሚድያ ከም ዝለኣኽ ይፍለጥ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ዝኾነ መልእኽቲ ካብ ጸርፊን ምንሻውን ጸያፍ ኣባህላን ናጻ ኮይኑ ኣኽብሮታዊን መጎታዊን ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com