Saturday , May 18 2024

ውህደት

ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሽወደን ዋጋ ናይ ኣፍ ማስኬራ ብናህሪ ይውስኽ።

ልዑል ጠለብ መሳለጥያ ምስትንፋስ ብምውሳኹ ኣብ ኣብያተ ኣፋውስ ሽወደን ብልዑል ዋጋ ክሽየጥ ምጅማሩ ተገሊጹ። ኣብ ፋርማሲታት ክሳብ 900 ክሮና ምብጽሑ ድማ ተገሊጹ። ብርክት ዝበላ ኣብያተ ኣፋውስ ብምኽንያት ኣዝዩ ልዑል ጠለብ ማስኬራ ምውድአን ይገልጻ ምህላወን ድማ ተመልኪቱ። ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ኣፋውስ ዋጋታት ብዝተጋነነ ብንሃር እዚ መሸጣ ብሓደ ግዜ ብ220% ምውሳኹ ከም ሓደ ኣገራሚ ክስተት ተጠቂሱ’ሎ።

Read More »

መጻኢ ዕድላት ፍቓድ ዝወሰዱ ስደተኛታትን ጉዳይ ጥርናፈ ስዳራቤታትን ከተጽንዕ ዝቖመት ኮሚተ ኣኼብኣ ጀሚራ።

ብሮቡዕ ኣኼቡኡ ዝጀመረ ፓርላመንት ሽወደን ን ብግዚያዊት ኮሚተ ን ኩነታት ስደተኛታት ብፍላይ ነቲ ናይ ግዝያዊ ሰልስተ ዓመት መንበሪ ፍቃድ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ናብ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝቕይር መስርሕ እማመታት ብሙትዃር ይዝቲ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ኣብ`ዚ እማመ ኣብ ግዜ ምሕዳስ ናይ ሰለስተ ዓመት ፍቓድ መንበሪ ናብ ተወሳኺ ሰልስተ ዓመት ክብ ክብል ወይ ናብ ቀዋዊ መንበሪ ፍቓድ ንምቕያር ክማላእ ዘለዎ ሮቛሒታት ዝበሎም ኣቶኪሩ …

Read More »

ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ዝወርድ ተጻብኦ ክርኢ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ መንጐ ወጻእተኛታትን ሽወደናውያንን ማዕርነታዊ ርክብ ክህሉን ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ዝግበር ናይ ተጻብኦ ተግባራት ክውገድን ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ብኣጽንኦት ንባይቶ ሽወደን ሓቲቱ። እዚ ሕቶ ዝመጸ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ወጻእተኛታት ሰረቕቲ ንሓደ ሽወደናዊ ክራስይዎን ከዋርድዎም ዘርኢ ናይ ቪድዮ ስእሊ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ። ኣባል ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ሄንሪክ ቨንግ ” ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ዝፍጸም ዘሎ ምግፋዕን ተጻብኦን ምስቲ ጽልኢ ወጻእተኛታትን ዓሌትነትን ንምውጋድ …

Read More »

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሽወደን ኡስራት ረብሻን ዕግርግርን ምፍጣሪም ተገሊጹ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ማሕቡስ ሽወደን ኣሸብሮ ከም እተላዕለ ተገሊጹ። እዞም ኣብያተ ማእሰርቲ ሓድሽ ሕጊ ብምጽራር እዮም ነዚ ሸብሮ ዘካይዱ ዘለዉ ተባሂሉ ኣሎ።፡ብመሰረት እዚ ሕጊ ኣብ ኣብያተ ማሕቡስ ንዘለዉ ሰባት ገንዘብ ምሕዋል ክኸልከል እዩ። ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝነበረ ሕጊ እሱራት ክሳብ 1600 ክሮና ሽወደን ክቕበሉ ይኽእሉ ኔሮም። በዚ ገንዘብ ተጠቒሞም ድማ ጻውዒታት ምግባርን ካርድ ሞባይል ክገዝኡን ይኽእሉ እኳ እንተነበሩ ሕጂ ግና …

Read More »

ኣገልግሎት 1177 ብጸቕጢ ጻውዒት ተሌፎን ይሳቐ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣገልግሎት ጥዕና 1177 ኣብ ቀረባ እዋናት ምስ ሻቕላ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና እናበዝሐ ብዝመጸ ጻዕቂን ጸቕጢን ጻውዒት ተሌፎናት ይሳቐ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣካያዲ በዓልመዚ 1177 ቫስትራ ጎትላንድ ዝበዝሑ ጻውዒታት ኣብ ቫይረስ ኮሮና ዘተኰሩ ምዃኖምን እቲ ልሙድ ናይ ምምላስ ኣገባብ ብምኽንያት እዚ ጻዕቂ ናብ 45 ደቓይቕ ክብ ምባሉ ኣብሪሁ። “እጢ ልሙድ ናይ መጸበዪ ግዜ 15 ደቓይቕ እዩ ኔሩ፥ ካብ 2002 ጀሚርና ስራሕ ካብ …

Read More »

መራሒ ሰልፊ ስቫርያ ዴሞክራት ኣብ ዶባት ግሪኽ ንዝርከቡ ስደተኛታት ” ሽወደን ክትቅበለኩም ኣይትኽእልን እያ” ዝብል ጹሑፋት ምብታኑ ተፈሊጡ።

ጋዜጣ ስቨንስካ ዳግብላደት ከም ዝጠቐሰቶ መራሒ ሰልፊ ስቫርያ ዴሞክራሲ ኣብ ዶብ ቱርኪን ግሪኽን ምህላዉን ነቶም ኣብኡ ዝርከቡ ስደተኛታት “ሽወደን ደጊም ሓተትቲ ዕቚባ ክትወስድ ፍቓደኛ ኣይኰነትን” ዝብል ናይ ጹሑፍ ወረቀት ምብታኑን ተፈሊጡ። ንሱ ” ንሽወደን ክትመጹ ከይትሓስብዎ! ምኽንያቱ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስደተኛ ሒዝና’ለና” ከም ዝበሎም ድማ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ሓቢራ’ላ። ማሕበራዊ ገጽ እቲ ሰልፊ ብወገና ጂሚ ኣክሰን ምስናይ” ዶብ ዕጸውዎ! ቅልውላው …

Read More »

13 ኩባንያታት ሽወደን ኣብ ዝርዝር ጸሊም መዝገብ (Black list) ዓለማዊ ባንክ ኣትየን።

ዓለማዊ ባንክ፡ ነተን ብገንዘባዊ ብልሽውና ዝኽሰሳ ኣስታት 2000 ዝኾና ኩባንያታት ኣብ ዝርዝር ጸሊም መዝገቡ ኣስፊርወን ከምዘሎን ካብኣተን ድማ እተን 13 ኩባንያታት ሽወደን ምዃነን ነቲ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ተለቪዥን ሽወደን ኣቃሊሑ። ኣብ ናይ ጸዓት፡ ኣሃዛዊ ውሕስነትን (digital security) ኣህጉራውያን ኣማኸርቲ (international consulting) ዝነጥፋ ኩባንያታት ገለ ካብተን 13 ኩባንያታት ሽወደን እየን። ዓለማዊ ባንክ፡ ነዘን ኣብ ጸሊም መዝገቡ ኣስፊርወን ዘሎ ኩባንያታት ብመንገዱ ኣብ …

Read More »

ምስ ኮሮናን ኤችኣይቪን ቫይረስ ዝነብሩ ሰባት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክግበረሎም ብዛዕባ ዝኽእለሉ ኲነታት መምርሒ ተዋሂቡ።

ትካል ማሕበራዊ ድሕነት ሽወደን ብኤችኣይቪን ቫይረስ ኮሮናን እተለኽፉ ሰባት ብፋይናንስ ዝሕገዙሉ ኣገባባት ክረበሉ ሓድሽ መምርሒታት ሎሚ ኣውጺኡ። እቲ ትካል ብምኽንያት ጥዕናኡ ብሓኪም ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ ዝብል ምስክርነት እተዋህቦ ሕሙም ሓገዝ ክግበረሉ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። እቲ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝግበረሉ ሰብ ጒዳይ ሽቕለቱ ከመይ ምዃኑ ዘነጽር ቅጥዒ ከም ዘለዎ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

Read More »

ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ምንግስቲ ሽወደን ምስ ዝተፈላለያ ትኻላት ርኽብ ገሩ።

ብርክት ዝበሉ ናይ መንግስቲ ሚኒስተራት ብዓርቢ ምስ ኲባንያታት፥ ጒጅለ ኢንዱስትሪታትን ማሕበራትን ሽወደን ብምርኻብ እዚ ሕማም ብዛዕባ ኣብ ቊጠባ ዘምጽኦ ጽልዋ ዘተ ምክያዱ ተገሊጹ።፡ እዚ ሕማም ናብ 45 ሃገራት ምስፍሕፋሑን ኣብ ቢዝነሳትን ሰንሰለታት ቀረብን ሽግር ይፈጥር ምህላዉ ተመልኪቱ’ሎ። ከምኒ ቦልቮን ኤሪክሰንን ዝበሉ ቢዝነሳት፡ሽወደን ሰራሕተኛታቱ ናብ ቻይና ዝገብርዎ ጒዕዞ ምእጋዱን ገለ ኣባላት እዘን ቢዝነሳት ድሮ በዚ ሕማም ተለኺፎም ከይኰኑ ጥርጣረ ከም ዘሎን …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ናይ ዝተተምየኑ ፓስፖርታት ቁጽሪ ወሲኹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ሽወደን ን450 ዝተተምየኑ ፓስፖርታት ከምዝወረሰን እዚ ቁጽሪ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ሬድዮ ኢኮት ኣቃሊሑ። ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ፡ እዞም ከምዚኦም ዓይነታት ፓስፖርታት ኣብ ገበናት ዘይሕጋዊ ፍልሰት ዝጥቀምሎም ኮይኖም ገለ ካብቶም ፓስፖርታት ዝተተምያኑ ክኾኑ ከለዉ ገለ ድማ ጥዑያት ፓስፖርታት ኮይኖም ካልኦት ሰባት ዝጥቀምሎም እዮም። እዚ ዝተረኽበ ብዝሒ ብሳላ ቀጻሊ ዝኾነ ምምዕባል ናይ መሳርሒታትን ምምዕባል ዓቕሚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com