Friday , May 17 2024

ውህደት

ሰልፊታት ሽወደን ኔቶ ንጸንበርዶ ኣብ ዝብል ክሰማምዓ ኣይከኣላን። 

ሽወደን ኣብ ቀጻሊ ኣባል ኔቶ ትዂንዶ ኣይትዂን ኣብ ዝብል ባይቶ ሽወደን ብኸመይ ከድምጽ ኣለዎ ኣብ ዝብል ዝርዝራት ሰብመዚ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ከምኡውን ተቓማዊኡ ሞደራትና ክሰማምዑ ኣይከኣሉን ተባሂሉ።  ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ እንድሕር ተዓዊቱ ንሽወደን ኣባል ኔቶ ክገብራ ምዃኑ  መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ምግላጹ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግና ኣባል ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ከምኡውን ምክትል …

Read More »

ቀ/ሚ ሽወደን፥ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተውሳኺ እገዳታት ንምጽዓን ኣብ መንጎ ሃገራት ቀዳማይ EU ሓድነት የድሊ’ሎ። 

ምስ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓድነት ከም ዘድሊ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ከምኡውን ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ጸዊዖም።  ኣብ ልዕሊ ክረምሊን ብዛዕባ ክውሰድ ዝኽእል ተወሰኽቲ እገዳታት ከምኡውን ን ዩክሬይን ክወሃብ ዝኽእል ሓገዛት ንምዝታይ ኣብ ብራስለስ ይጋብኡ ምህላዎም ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን እንተኾነ ግና ኣብ ቀዳማይ መዓልቱ ጭቡጥ ስጒምቲታት ኣብ ምውሳድ ትርር ዝበለ መርገጺ ኣይሓዘን ኣሎ ክትብል …

Read More »

ሽወደን ዝተረፉ ኲሎም መምርሒታት ኮቪድ ከተልዕል እያ። 

ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ወይ ዞባ ቊጠባ ኣውሮጳ ወጻኢ ንዘለዉ ዜጋትት ካልኦት ሃገራት ተባሂሉ ዝወጸ ናይ ጒዕዞ መምርሒታት ካብ ባሕቲ ሚያዝያ ኣትሒዙ ከብቅዕ ምዃኑ መንግስቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።  ካብ ዝመጽእ ወርሒ ኣትሒዙ ካብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ በጻሕቲ ናብ ሽወደን እንክኣትዉ ናይ ክትባት መረጋገጺ ወይ ነጋቲቭ ውጽኢት ከርእዩ ኣይክግደዱን እዮም። ኣብ ዞባ ቁጠባ ኣውሮጳ ዘለዉ በጻሕቲ እዚ ሕድገታት ሕጊ …

Read More »

ምምሕዳራት ከተማ ብዘመሰነይታ ንዝመጹ ቆልዑ ዩክሬይን ንምቕባል ይዳለዋ። 

ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ብዘይ መሰነይታ ካብ ዩክሬይን ንዝሃደሙ ቆልዑ ንምቕባል ድሉዋት ይኾና ኣለዋ ተባሂሉ። ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ክሳብ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣስታት 6000 ዝኾኑ ቆልዑ ብዘይ ወለዲ ወይ መዕበይቲ ክመጹ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ’ሎ።  ኲሎም ብዘይ-መሰነይታ ናብ ሽወደን ዝመጹ ቆልዑ ምስ ሰብ መዚ ዝህልዎም ጒዳያት ንኽውድኡሎምን ትምህርቶም ንኽቕጽሉን መጽለሊን መዕበዪን ክምደበሎም ምዃኑ እውን ገሊጾም ኣለዉ። 

Read More »

ጠለብ መካይን ኤለክትሪክ ብናህሪ ወሲኹ። 

ኣብ ሽወደን ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ናይ መጸበዪ ግዜ ሃደ ዓመት ኮይኑ፡ ብምኽንያት ልዕሉ ዋጋ ነዳዲ ጠለብ እዘን መካይን እናወሰኽ ምምጽኡ ይግለጽ ኣሎ። ማሕበር ሽርሻሮ ንግድን ምጽጋንን ሞተር ሽወደን እዚ ዓለምለኸ ሕጽረት ኣካላት መኪና ድሕሪ ኲናት ዩክሬይን መሊሱ ብኢሱ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ዋላኳ ዋጋ ኤለትሪክ ኣብ ቀረባ እዋን ወሰኽ ክርኢ እንተጸንሐ ዓማዊል ናይ ኤለትሪክ መካይን ከም ዝጠልቡ ሸርሻሪት መካይን ኤሊዳፍሮዊን ገሊጻ’ላ። 

Read More »

ኣብያተ መዘክር ሽወደን ን ታሪኻዊ ውርሻታት ዩክሬይን ይሕግዙ።  

ኣብያተ መዘክር ሽወደን ባህላዊ ቅርስታት ዩክሬይን ንምዕቃብ ይፍትኑ ምህላዎም ተገሊጹ። ንኣብነት ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ሃገራዊ ቤተመዘክር  ን ቤተ-መዘክራት ናይታ ኣብ ምዕራብ ዩክሬይን እትርከብ ከተማ ልቪቭ ይሕግዛ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። እዚ ስራሕ ምስ ኣብ ሽወደን ዝርክባ ካልኦት ኣብያተ መዘክር ብምትሕብባር ይካየድ ምህላዉ ዳይረክተር ጀነራል እቲ ሃገራዊ ቤተመዘክር ሱዛና ፒተርሰን ገሊጻ’ላ።  “እቲ ኲናት ጅምር ምስ ኣበለ ነተን ኣብ ዩክሬይን ዝርከባ ኣሓት …

Read More »

ሎሚ ሓሙስ ዘለንስኪ ን ባይቶ ሽወደን መደረ ከስምዕ እዩ። 

ሎሚ ሓሙስ ፕረዚደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ን ባይቶ ሽወደን (ሪክስዳግ) መደረ ከስምዕ እዩ። እዚ ኣብ ሰዓት 11 ቅድሚ ቀትሪ ዝወሃብ መደረ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ባይቶ ተደጊሙ መታን ክረአ ክቕዳሕ እዩ ተባሂሉ’ሎ።  ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣትሒዙ ዘለንስኪ ን ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ባይቶ ብሪጣንያን ኣመሪካን ሓዊስካ ኣብ ቅድሚ ብርክት ዝበላ ባይቶታት መደረ ምግባሩ ዝፍለጥ እዩ። 

Read More »

ጸሓፊ ኔቶ ሃንስ ስቶለንበርግ ናብ መናውራ ኮልድ ሪስፖንስ ክበጽሕ እዩ።

ጸሓፊ ኔቶ ሃንስ ስቶለንበርግ ወተሃደራዊ ልምምዳት “ኮልድ ሪስፖንስ” ንምዕዛብ ብዓርቢ ናብ ባርዱፎስ ከም እተጓዕዘ ተፈሊጡ። ስቶለንበርግ ምስቶም ኣብዚ ልምምድ ዝሳተፉ ዘለዉ ወተሃደራት ተራኺቡ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከካይድ ምዃኑ ኔቶ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ። ካብ 27 ሃገራት ኔቶ እተዋጽኡ ኣስታት 30,000 ወተሃደራት ኣብዚ ክሳብ ባሕቲ ሚያዝያ ዝካየድ “ኮልድ ሪስፖንስ” ይሳተፋ ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።  ብሰኑይ ወራስ ዓራት ሃኮን ናብቲ ወተሃደራዊ ልምምድ …

Read More »

ኣድራሻ ኢ-ሜይል ኣካላት መንግስቲ ክስናዕ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። 

ኣባላት ኮሚተ ምክልኻል ባይቶ ንኣታሕዛ መንግስታዊ ጸጥታ IT ነቒፎም። ንሳቶም ነዚ ዝነቐፉ ሬድዮ ሽወደን ኣድራሻታት ኢመይል ኣካላት መንግስቲ ክስናዕ ከም ዝኽእልን ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ዝመስል ስናዕ መልእኽቲ ኢሜይል ክለኣኽ ከም ዝኽእልን ድሕሪ ምግላጻ እዩ።  ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሓ ታሕሳስ ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስቲ ካብ ሰንዓ ናይ ሓሶት ኢ-መይላት ዝከላኸል ውሑስ ኣገባብ ከም ዘይብለን ምቅልዓ ዝዝከር እዩ።  “እዚ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን፡ …

Read More »

ምስ ምንዝርና ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣኣትዉ ሰባት ቊጽሮም ብዕጽፊ ወሲኹ። 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቊጽሪ ናይቶም ጾታዊ ርክብ ዝገዝኡ ወይ ክገዝኡ እናፈተኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ቊጽሮም ብዕጽፊ ምዝያዱ ሰነዳዊ ጸብጻብ ሬድዮ ሽውደን ኣቃሊዑ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ፖሊስ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ገበነኛታት ኣብ ምክትታል እናተመሓየሸ ብምምጽኦም ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። ኣባላት ፖሊስ መላእ ሽወደን ተወሰኽቲ ስልጠናታት ክወሃቡ ምጽንሖም እውን ኣመልኪቶም ኣለዉ።  ዝሓለፈ ዓመት 841 ሰባት ጾታዊ ርክብ ዝገዝኡ ወይ ክገዝኡ እናፈተኑ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com