Thursday , May 2 2024

ውህደት

ኦክስፋም፡ “ኲናት ዩክሬይን ጥሜት ከስዕብ ይኽእል እዩ” 

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓደገኛ ቅልውላው መግቢ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኦክስፋም ኣጠንቂቑ።  ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሓደ ካብዞም ጠንቂታት እዚ ተኽእሎ ጥሜት እዩ ተባሂሉ’ሎ።  ከምኒ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ብፍላይ ነዚ ሓደጋ ጥሜት ተጠቃዕቲ እየን ክትብል ዳይረክተር ኦክስፋም ገብርኤላ ጠንቂቓ’ላ። ዋላኳ ናይ ዝናብ ወቕቲ ኣብዚ ወርሒ ዝጅምር እንተኾነ ነቲ ኲነታት ዘመሓይሾ ኣይኮነን—ክሳብ 28 ሚልዮን ህዝቢ በዚ ጥሜት ክጥቃዕ ይኽእል …

Read More »

ስደተኛታት ዩክሬይን ጽቡቕ ተስፋ ሽቕለት ኣለዎም ተባሂሉ። 

ብሰንኪ ኲናት ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ዩክሬናውያን ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ርሒብ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለትን መንግስትን ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ታሪኽ ዝለዓለ እተባህለሉ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድላት ይወዓዋዕ ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው እዮም እዞም ኣካላት ተስፋታቶም ገሊጾም ዘለዉ።  ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ህዝባዊ ሽቕለት ማርያ ሚንዳመር ደለይቲ ስራሕ ብኸመይ ከም ዘመልክቱ ድሕሪ ምዝርዛር ሰባት ስራሕ …

Read More »

ፍቓድ ዕደና ሽወደን ተቓውሞ የጋጥሞ። 

መንግስቲ ሽወደን ካብ ጆክሞ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘሎ ካላክ ዝተባህለ ቦታ ዕደና ኣይረን ንኽካየድ ፍቓድ እኳ እንተሃበ እዚ ፕሮጀክት ስራሕ ንኽጅምር ተወሳኺ ፍቓድ ዝጠልብ ምዃኑ ተገሊጹ። ይዂን’ምበር እዚ ውሳነ ብጒጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ደቀባት ሰሜን ሽወደን ዝኾኑ ሳሚን ብርትዕ ዝበለ ተቓውሞ ኣጋጢሞዎ’ሎ።  እዚ ፕሮጀክት ን ጥዕና ኣከባቢን መፍረ ሬይንዲርን ዝዕንቅፍ እዩ ብምባል እዮም እዞም ጒጅለታት ተቓውሞኦም ኣቕሪቦም ዘለዉ። ቆንስል ምምሕዳር ከተማ …

Read More »

ፊንላንድ ምስ ሩስያ ዘለዋ ንግድ ብ 60% ነክዩ። 

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ፊንላንድ ምስ ሩስያ ዘለዋ ንግድ ብ 60% ምንካዩ በዓልመዚ ጒምሩኽ ፊንላንድ (Tulli) ገሊጹ።  ካብ ካልኣይ ሰሙን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣትሒዙ ንግድክልቲኣተን ሃገራት ብናህሪ ክጎድል ምጽንሒ ቱሊ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ። ብጠቕላላ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ናብ ጒምሩኽ ኣታዊ ዝኾነ ናይ ሰደድ ጽሑፋዊ መፍለጢ (declarations) ብ 60% ኣንቋልቊሉ’ሎ። ሰሙናዊ ኣብ ወደባት ፊንላንድ ልዕሊ 20 መራኽብ ሩስያ የዕርፋ ከም …

Read More »

ኲናት ዩክሬይን፡ ካብ ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ ዝደሓነ ሰብ ብደብዳብ ሩስያ ተቐቲሉ። 

ካብቲ ኣብ መወዳእታ 1930ታትን መጀመርታ 1940ታት ብናዚ ጀርመን እተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ (Holocaust) ካብ ብሱል ጥረ ዝወጸ ሰብ ኣብ ካሪኪቭ ብ ተኻየደ ደብዳብ ሩስያ ከም እተቐትለ ቢቢሲ ገሊጻ።  እዚ ቦሪስ ራማሼንኮ እተባህለን 96 ዝዕድሜኡን ዩክሬናዊ ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ሩስያ እዩ ኣብ ቤቱ እናህለወ እዩ ተቐቲሉ ክብሉ ስድራቤቱ ገሊጾም ኣለዉ።  ካብ ዶብ ሩስያ ኣስታት 50 ኪሎሜትር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ከተማ …

Read More »

ልዕሊ 40 ጀላቡ ሩስያ ናብ ክሊ ማያት ኖርወይ ኣትየን። 

ብምኽንያት ሕማቕ ኲነታት ኣየር 40 ጀላቡ ሩስያ ኣብ ክሊ ማያት ኖርወይ ካብ ክቨናንገን ክሳብ ፖርሳንገርፍዮርድ ከም እተዓቚባ ተገሊጹ። እዚ ኲልሳዕ ዘጋጥም ንቡር ኩነታት ምዃኑ ሰራዊት ኖርወይ ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬት ኣመልኪቱ።  ዝበዝሓ እዘን ጀላቡ ኣብ ሱሩይሱደንት ምዕራብ ሃመርፈስት ከም ዝርከባ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።  “እዘን ጀላቡ ከምቲ ወትሩ ሕማቕ ኲነታት ኣየር ከጋጥም እንከሎ ዝገብርኦ ዕቚባ ሓቲተን ኣለዋ” ክብል ኣብ መደበር …

Read More »

ጒጅለታት ገበን ንስደተኛታት ዩክሬይን ከይምዝምዙ ነቒሑ ይሕሉ። 

ኣብ ዘሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፉ ውድባት ገበን ን ዩክሬናውያን ዕላማ ይገብሩ ምህላዎም ድሕሪ ዝመጸ ሓበሬታ ሓይሊ ፖሊስ ሽወደን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምክልኻል ነቒሑ ይከታተል ምህላዉ ተገሊጹ። ሽወደንን ኖርወይን ነዚ ንምክልኻል ብሓባር ይሰርሓ ምህላወን ኣብ ፖሊስ ኖርወይ ሓላፊት ክፍሊ ሃገራዊ ኣገልግሎት መርመራ ገበን ክሪስትን ክቪን ን ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ምብጻሕ ኣመልኪታ።  “ስደተኛታት ን ስራሕ ጒልበትን ምንዝርናን ተባሂሉ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ተቓሊዖም ኣለዉ …

Read More »

ኣብ ዩክሬይን ዘጋጥም ሓደጋ ኑክሌር ኣብ ሽወደን ዘህልዎ ጽልዋ ዝወሓደ እዩ ተባሂሉ። 

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ኑክሌር ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ኣመልኪቱ ኣብ ህዝቢ ሽወደን ሓፈሻዊ ስግኣት ምህላዉን ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ከኒናታት ኣዮዲን ክሽየጡ ምጽንሖምን ሰብመዚ ሓበሬታ ከም ዘለዎምን ነዚ ሻቕላ ከህድእዎ ከም ዝደልዩን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ሓላፊት በዓልመዚ ውሕስነት ጨረርታ ኒና ክራምኔር ትካሎም ነቲ ኣብ ዩክሪይን ዘሎ ኲነታት ብቐረባ ይከታተልዎ ምህላዎ ገሊጻ’ላ። ዩክሬይን ወናኒት 4 ንጡፋት …

Read More »

ብኦንላይን ዝካየድ ምዝገባ ንስራሕ ኤጀንሲ ስደተኛታት ከቃልል እዩ ተባሂሉ። 

ብመሰረት እቲ ዩክሬናውያን ኣብ መላእ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት መሰል ስደተኛ ክረኽቡ ዝብል ኣውሮጵዊ ሕብረት ዘውጽኦ መምርሒ ብዓርቢ ልዕሊ 14,000 ስደተኛታት ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ግዜያዊ ሓለዋ ምሕታቶም ተገሊጹ። ኣንተኾነ ግና ሰራሕተኛታት ጒዳይ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ጻዕቂ ስለ ዘለዎም ኣብ ገሊኡ ቤት ጽሕፈት እዚ ኤጀንሲ እቶም ስደተኛታት ጸኒሖም ክመጹ ከም እተነግሮም እውን ተገኢጹ። እዚ እናኾነ ኣብ ስራሕ ዝውዕል ዘሎ ሓድሽ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት …

Read More »

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ወተሃደራዊ ልምምዳት ኔቶ በጺሓ። 

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ከምኡ’ውን መራሒ ሰልፊ ሞደርናታ ኡልፍ ክሪስተርሰ ኔቶ ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ልምምድ “ኮልድ ሪስፖንስ” ንምዕዛብ ናብቲ ኣብ ኖርላንድ ዝርከብ ኤቫንስ ከም ዝበጽሑ ተፈሊጡ።  ክልቲኣቶም ምስቶም ኣብዚ ልምምድ ዝሳተፉ ዘለዉ ወተሃደራት ሽወደንን ፊንላንድን ክራኸቡ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣስታት 1500 ዝኾኑ ወተሃደራትን ሰብመዚን ሰራዊት ምክልኻል ሽወደን ኣብዚ ኮልድ ርስፖንስ ዝበሃል መናውራ ይሳተፉ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ልምምድ ኣብ ክልተ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com