Thursday , May 2 2024

ውህደት

ፖለቲከኛታት ስኮነ ናይ ዶብ ደውታ ነጺጎም። 

ብምኽንያት ቅልውላው ዩክሬይን መንግስቲ ንዶባት ዝምልከት እማመ ምምሕያሽ ሕጊ ኣቕሪቡ’ሎ። ካብ ዝመጽእ 8 ሚያዝያ  ጀሚሩ ብባቡር፡ መርከብ ይዂን ኣውቶቡስ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ሰባት ኣብ ዶባት ሽወደን መንነት ወረቐት ዝሕተተሉ ነቚጣታት ክግበር እዩ። እንተኾነ ግና ብመሰረት ዜናታት ውሽጢ ሃገር ፖለቲከኛታት ዞባ ስኮነ ነዚ እማመ ነጺጎሞ ኣለዉ። “ናይ  መንነት ወረቐት ምሕታት ነቶም ኣብ ዞባ ኡረሱንድ ዝንቀሳቐሱ ዓብዪ ሽግር እዩ ክኸውን” ክብል ኣቦመንበር …

Read More »

ኮርኒልያ ጃኮብስ፡ ‘ሕልሚ ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ ዘሎ”

ብቐዳም ምሸት ኣብ መሎዲፈስቲቫለን ኣብ ዝተካየደ ውድድር ደርፊ ምዕዋታ ክትጾሮ ዝኸብዳ ሓጎስ ከም እተሰምዓ ኮርኒልያ ጃኮብስ ገሊጻ’። ብምኽንያት ዓወታ ኮርኒያ ን ሽወደን ወኪላ ኣብ ውድድር ደርፊ ኣውሮጳ ዩሮቪዥን ክትሳተፍ እያ። “ዘይተጸበኹዎ ዓብዪ ሓጎስ እዩ፡ ኣእምሮይ ዝግንፍል ዘሎ ክሳብ ዝመስለኒ እየ ተሓጒሰ” ዝበለት ኮርኒልያ ነቲ ኣብ ቱሪን ኢጣልያ ኣብ መፋርቕ ወርሓ ጉንበት ዝካየድን 40 ሃገራት ዝሳተፋኦን ውድድር ዩሮቪዥን ትዳሎ ምህላዋ ወሲኻ …

Read More »

ክሪስተርሰን፡ እንድሕር ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ተዓዊትና ናብ ኔቶ ኣባልነት ክንሓትት ኢና። 

እንድሕር ኣብ ዝቕጽል መስከረም ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ተዓዊትና ናብ መንግስቲ ኣቲና ናብ ኔቶ ኣባልነት ክንሓትት ኢና ክብል መራሒ ተቓዋሚ ዓቓባዊ ማእከላይ ሰልፊ ክሪስተርሰን ገሊጹ። ንሱ ቀዳማይ ሚንስተር እንተኾይነ ሽወደን ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–ከም እትኸውን ከረጋግጽ እየ ምባሉ  ጋዜጣ ዳገንስ ንሂተር ጸብጺባ’ላ። ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሽወደን ክሳብ ክንደይ ተነቃፊት ምዃና ኣርእዩና እዩ-ኢሉ’ሎ ክሪስተርሰን። 

Read More »

ንጉሳዊ ቤተሰብ ሽወደን ግሉጽነት ዘለዎ ፋይናንስ ክህልዎም ሕቶ ቐሪቡ።

ንጉሳዊ ቤተሰብ ሽወደን ዝበለጸ ግሉጽነት ዘለዎ ፋይናንስ ክህልዎም ከፈልቲ ግብሪ ጠለብ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ከፈልቲ ግብሪ ነዚ ሕቶ ዘቕረቡ ንናይ ዴንማርክ ሞዴል ብምኽታል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝተፈላለዩ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ብመልክዕ ሉኣላዊ ፍቓድ ዝረኽብዎ መጠን ገንዘብ ክሳብ ሕጂ ዝርዝራቱ ከም ዘይፍለጥ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ግና ንፈለማ ግዜ ንጉስ ጉስታቭ ካርል መበል 16፡ ንግስቲ ሲልቪያ ከምኡ’ውን ክልተ ደቆም ክንደይ …

Read More »

ገበነኛታት ንስደተኛታት ዩክሬይን ከይምዝምዙ ሓይሊ ፖሊስ ሽወደን ነቒሑ ይሕሉ። 

ኣብ ዘሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፉ ውድባት ገበን ን ዩክሬናውያን ዕላማ ይገብሩ ምህላዎም ድሕሪ ዝመጸ ሓበሬታ ሓይሊ ፖሊስ ሽወደን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምክልኻል ነቒሑ ይከታተል ምህላዉ ተገሊጹ። ሽወደንን ኖርወይን ነዚ ንምክልኻል ብሓባር ይሰርሓ ምህላወን ኣብ ፖሊስ ኖርወይ ሓላፊት ክፍሊ ሃገራዊ ኣገልግሎት መርመራ ገበን ክሪስትን ክቪን ን ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ምብጻሕ ኣመልኪታ።  “ስደተኛታት ን ስራሕ ጒልበትን ምንዝርናን ተባሂሉ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ተቓሊዖም ኣለዉ …

Read More »

ሩስያ ካብ ቆንስል ኣውሮጳ ተባሪራ። 

ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ወራር ትማል ረቡዕ ሩስያ ካብ ቆንስል ኣውሮጳ ከም እተሰጐገት ተገሊጹ።. ኣብ ምፍላም እዚ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ መስርሕ ዝጸንሐ ቆንስል ኣውሮጳ ሩስያ ካብ ኣባልነት ክትስጐጒ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ’ሎ። እቲ ቆንስል ትማል ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ሩስያ ካብ ኣባልነታ ክትስረዝ ምዃና ኣፍሊጡ ዘሎ።  ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሃገሩ ትሰጐጒ …

Read More »

ደንማርክ ወረቐት መንነት ንዘይብሎም ዩክሬናውያን ምቕባል ትኣቢ።

ኣማኢት ስደተኛታት ዩክሬይን ፓስፖርት ስለዘይብሎም ወይውን ናብ ካልእ ሃገር ኖርዲክ ክኸዱ እዮም ብዝብል ብ ዴንማርክ ተዓጊቶም ምህላዎም ተገሊጹ። መዓልታዊ ካብ 10-20 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ብኸምዚ ምኽንያት ይዕገቱ ምህላዎም ሬድዮ ደንማርክ ሓቢራ። ኣብዚ እዋን ኣብ ደንማርክ ሕቶ ዕቑባ ከቕርቡ ንዝደልዩ ገዲፍካ ባዮሜትሪካዊ ፓስፖርት ወይ ካልእ ኣህጒራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ወረቐት መንነት ዘይብሎም ዩክሬናውያን ስደተኛትት ናብታ ኣሃገር ክኣትዉ ከም ዘይፍቀደሎምን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። …

Read More »

ሽወደን ብዙሓት መዳልያታት ተዓዊታ።

ኣብ ቤይጂንግ ክሳተፉ ዝጸንሑ ኣትሌታት ሽወደን ኣብ ዝሓለፋ ድሕሪ 20 ዓመታት ዝበዝሐ ሜዳልያታት ሒዞም ብሰሉስ ናብ ዓዶም ከም እተመልሱ ተገሊጹ። 2 ሜዳልያታት ጥራይ ክዕወቱ እዮም ዝብል ትጽቢታት እኳ እንተነበረ ካብዚ ኣዝዩ ብዝለዓለ ቊጽሪ ሓፊሶም ኣለዉ ተባሂሉ። ኣትሌታት ሽወደን ብጠቕላላ 2 ናይ ወርቂ፡ 2 ብሩርን 3 ነሓስን ተዓዊቶም ኣለዉ። “ኣዝየ ተሓጒሰ’ለኹ” ክትብል ፕረሲደንት ፓራሊምፒክስ ሽወደን ኣሳ ሊናረስ ኖርሊን ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።

Read More »

ሚድያታት ሽወደን ብቋንቋ ሩስያ ዜናታት ይዝርግሓ።

ማዕከናት ዜና ሽወደን ነቲ ኣብ ክሬይን ዝካየድ ዘሎ ፍጻመታት ኣመልኪተን ብቋንቋ ሩስያ ዜናታት ክዝርግሓ ምጅማረን ተገሊጹ። ምስ ምጅማር ኲናት ዩክሬይን መንግስቲ ሩስያ ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ ነጻ ሚድያታትን ኢንተርነትን ብምዕፋኑ ጋዜጣን ሬድዮን ሽወደን ዝኾነ ዳገንስ ንሂተር ነዚ ተበግሶ ብምውሳድ ሓቂ ዝመሰረቱ ፈነው ዜና ብቋንቋ ሩስያ ይፍኑ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’። ኣቕራብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ባንሆፍ እውን ብቛንቋ ሩስያ ዝዳሎ ዜናታት ካብ ሽወደን …

Read More »

ዋጋታት መግቢ ንምምሕዳራት ከተማ ብድሆ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋታት መግቢ ቆንስላት ምምሕዳራት ከተማ ስርሒታተን ብግቡእ ከየካይዳ ብኣሉታ ይጽለዋ ምህላወን ተገሊጹ። ንኣብያተ ትምህርቲ፡ መእለዪ ዓበይቲን ካልኦት ጽላታትን መግቢ ንምቕራብ እዘን ቆንስላት ቢልዮናት ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሬድዮ ሸወደን ጸብጺባ’ላ። እዘን ቆንስላት ንመግቢ ጥራይ ኣብ ዓመት 7 ቢልዮንን ፈረቓን ክሮና ወጻኢ ይገብራ ምህላወን ሓላፊት ማሕበር ውሽጣዊያን ሰብመዚን ዞባታትን ኣኒካ ቫለንሾግ ገሊጻ’ላ። ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ መግቢን ኲናት ዩክሬይን ሒዝዎ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com