Thursday , May 2 2024

ውህደት

ዴንማርክ፡ ኲሉ መምርሒታት ኮሮና ኣልዒላ። 

ካብ ትማል ሰሉስ ኣትሒዙ ንዴንማርክ ዝኣቱ ሰብ መርመራ ኮቪድ ክገብር ኣለዎ ዝብል ሕጊ ለበዳ ክለዓል ምዃኑ ተገሊጹ።  ካብቲ ዝጸንሐ መምርሒ፡ ናብ ዴንማርክ ዝኣትዉ ሰባት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናይ ኮሮና መርመራ ክግበረሎም እትብል ክሳብ ትማል ተግባራዊት ኮይና እያ ጸኒሓ። ዝተረፈ ካልእ ኣካል ፓከጅ መምርሒታት ካብ ባሕቲ ወርሓ ለካቲት ኣትሒዙ ከም እተላዕለ ዝዝከር እዩ።  እዚ ናይ ክትባት ረቛሒ ነቶም ክትባት ዘይወሰዱ …

Read More »

እንስሳታት ዘቤት ዘለዎም ስደተኛታት ዩክሬይን ሕክምና እንስሳ ክበጽሑ ጻውዒት ቀሪቡ። 

ምስ ፍትዊ እንስሳ ዘቤቶም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ምስክር ወረቐት ክትባት ሕማም ዕቡድ ከልቢ እንድሕሪ ዘይብሎም ኮይንኖም ናብ ማእከል ሕክምና እንስሳ ብምኻድ እንስሳኦም ከመርመሩ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።  ዩክሬይን እንስሳ ዘቤት ብቐጻሊ እተኽትብ ሃገር ብምዃና ናብ ሽወደን ሕሙማት እንስሳታት ክኣትዉ እዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘየሎ ክኢላ ሕክምና እንስሳን ኣብ ቦርድ ሕርሻ ሽወደን ሓላፊት ምቊጽጻር ሕማማት ረኽሲን ካትሪና ግሌን ንሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ሽወደን ካብ ማዕከን ድሕረ-ለበዳ 34 ቢልዮን ክሮና ክወሃባ እዩ። 

ሽወደን ካብ ማዕከን ምሕዋይ ለበዳ ኮሮና ኣውሮጳዊ ሕብረት ምወላ ክግበረላ ዘእተወቶ መመልከቲ ብ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ብመሰረት እዚ ፍቓድ ሽወደን ካብቲ ብጥቕላላ ናይ 8 ትሪልዮን ክሮና ዘለዎ ማዕከን ናይ 34 ቢልዮን ክሮና ምወላ ክግበረላ እዩ። ፍርቂ ናይዚ ምወላ ኣብ ጒዳይ ኲነታት ኣየር ንዘሎ ሽግራት ንምቅላል ወፍሪ ክግበረሉ እንከሎ ሓደ ሕምሲት ከኣ ኣብ ፕሮጀክቲታት ምድጅታልን ወፍሪታት …

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ካብ ዋንጫ ዓለም ተገሊፋ።

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ሎሚ ምሸት ኣብ ፖላንድ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖላንድ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም 2 ብ 0 ተሳዒራ ካብ ምጽራይ ውድ ድ ር ዋንጫ ዓለም  ተገሊፋ። ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ መስመር ምክልኻል ብዘጋጠመ ጌጋ ክትስዓር ከምዝበቀዐት ተንተንቲ ኩዑሶ እግሪ ገሊጾም።  

Read More »

ሾልዝ፡ “ኔቶ ኣብ ሩስያ ስርዓት ንኽቕይር መደብ የብሉን”

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ቅሉዕ ወራር እኳ እንተፈጸመት ኣብ ሩስያ ናይ ስርዓት ለውጢ ምግባር ዕላማ ኔቶ ከም ዘይኮነ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።  “ኣብ ሩስያ ስርዓት ምቕያር ዕላማ ኔቶ ይኹን ፕረሲደንት ኣመሪካ ኣይኮነን” ክብል ሾልዝ ን ማዕከን ዜና ARD ሓቢሩ’ሎ።  ብቀዳም ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘይግብኦ ሓራዲ ሰብ እዩ …

Read More »

ውድባት ረድኤት ስግር ባሕሪ ምወላ ክቃረጽ ከም ዝኽእል ሻቕለአን ገሊጸን። 

ካብ ሓገዝ ልምዓት ሽወደን ልገሳ ዝግበረለን ዓለምለኸ ውድባት ረድኤት ብምኽንያት ኲናት ዩክሬይን ዝወሃበን ዝነበረ ምወላ ክቋረጽ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕላ ከም ዘለወን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።  ገዚፍ መጠን ናይቲ ረድኤት ልምዓት ስግርባሕሪ ነቶም ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ክውዕል ይኽእል እዩ ክብል ሚኒስተር ስደተኛታት ኣንደርሽ ይገማን ገሊጹ’ሎ። እዚ ውሳነ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘሎ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይን መግቢን ከም …

Read More »

ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ወጻእተኛታት ኣብ ዘየድሊ መፈንጠራ ከይኣትዉ ስግኣት ከም ዘሎ ተገሊጹ። 

ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት መጠን ናይቶም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ኣብ ሓደጋ ድኽነት ዘለዉን ጡረተኛታት ካብ 15% ናብ 23% ምዕባዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ስለምንታይ የጋጥም ምህላዉ ንምርዳእ ገና ከም አይተኻእለን ካብ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን እተረኽበ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።  ኣብ ሓደጋ ድኽነት ምእታው ማለት ካብ ማእከላይ ኣታዊ ትሕቲ 60% ምህላው ማለት እዩ። ኣብ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን ዳይረክተር ምርምርን ልምዓትን ኦለ ስተግረን ነዚ …

Read More »

ሰሙን ድሕሪ መጥቃዕቲ፡ ተመሃሮ ማልም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም።

ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማልም ድሕሪ ዝተኻየደን ክልተ መማህራን ግዳይ ሞት ዝገበረን መጥቃዕቲ ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ቤት ትምህርቲ ትማሊ ሰኑይ ናብ ልሙድ መኣዲ ትምህርቲ ምምላሱ ተገሊጹ።  ተማህሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ማልም ላቲን ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ተመራመርቲ ስነልቦና ከምኡ’ውን ኣማኸርቲ ኣገልግሎት ንኽህቡ ድሉዋት ከም ዘለዉ ተመልኪቱ።  ሓላፊ ጥዕና ተመሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ ኣግኔታ ፍረዲን ን ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ቀ/ሚ ሽወደን ብዛዕባ ዩክሬንን ሩስያን ምስ ቻንስለር ጀርመን ተዘራሪባ። 

ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣውሮጳ ዝህሉ ሓድነት ኣትሒቱ ከም ዝገመቶ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ።  “ፑቲን ንሩስይ ናብ ተነጽሎ ይወስዳ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንሕና ግና ንኣህጒርና ኣውሮጳ ናይ ሓባር ድሕነትናን ኣህጒራዊ ምትሕብባርን ብምፍጣር ነሐይላ ኣሎና” ክትብል ኣንደርሾን ብ በርሊን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ምስ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ …

Read More »

“ኲናት ዩክሬይን ዝዓበየ ስትራቴጅያዊ ጌጋ ፑቲን እዩ” ሊዮ ፓኔታ። 

“ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንዩክሬይን ክወርር ምውሳኑ ዓብዪ ስትራቴጅያዊ ጌጋ እዩ ፈጺሙ” ክብል ኣባል ማእከል ስለያ ኣመሪካ CIA ነበር ከምኡውን ዋና ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልገለ ሊዮን ፓኔታ ገሊጹ። ፑቲን ኣብ ዝሃለፈ ወርሓ ለካቲት ዝጀመሮ ኲናት ተዓዋቲ ኮይኑ ክወጽእ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ፓኔታ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ’ሎ። ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንሓድነት ወተሃደራዊ ሽርክነት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com