Thursday , May 2 2024

ዜና

ነበርተን ቋንቋ እንግሊዝ ብምዝራብ ካብ ዝፍለጣ ሃገራት ሽወድን ኣብ 2ይ ደረጃ ትስራዕ።

ነበርተን ቋንቋ እንግሊዝ ብምዝራብ ካብ ዝፍለጣ ሃገራት፡ ኣብ ዓመተ 2019 ሆላንድ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ ሽወደን ግን ናብ ካልኣይ ደረጃ ወሪዳ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ 100 ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ኣደ ቋንቆአን ዘይከነ ሃገራት ዓለም ዝተገብረ ዳህሳስ ፡ ሽወደን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ከምዝነበረት ይዝከር። ሽወደን ንቀዳማይ ደረጃ ዝኸሰረቶ ምኽንያት ብሰንኪ ጉድለት ነፍሰ ተኣማንነት ሽወደናውያን ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምዃኑ፡ ንጉዳይ …

Read More »

ኣብ ከተማ ማልመ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብሰንኪ ዘጋጠመ፣ ምፍንጃር ነታጉን ቅትለትን ንቡዝሓት የሻቅል።

ኣብ ከተማ ማልመ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብሰንኪ ዘጋጠመ፣ ምፍንጃር ነታጉን ቅትለትን ጽኑዕ መቑሰልቲን ክልተ መንእሰያት፣ ተኸቲሉ ካብ ትማሊ መዓልቲ ጀሚሩ ዝጸንሕ፣ ድሕነትን ዉሕስነትን ህዝቢ እቲ ከተማ ንምርግጋጽ፣ ኣብ ጎደናታት ከተማ ማልመ ፣ ህላወን ሓለዋን፣ ፖሊስ ክህሉ፣ ምምሕዳር ፖሊስ ዞባ ስኮነ ኣዚዙ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስን ማዕከናት ዜናን፣ ድሕሪ እቲ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት፣ ኣብ ጥቃ ሓደ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ማኪና …

Read More »

መራሒት ሰልፊ ክርስትያን ደሞክራት ፖሊሲ ፍልሰት ስድራ ቤታት ንኽበታተና ከም ዘተባብዕ ትገልጽ።

ናይ ሕጂ ፖሊሲ ፍልሰት፡ ስድራ ቤታት ንትሕቲ ዕድመ ደቀን ኣቐዲመን ናብ ሽወደን ብምልኣኽ ብዝቀለለ መንገዲ ክጥርነፋ ከም ዝኽእላ ዝእንፍት ብምዃኑ ስድራ ቤታት ንኽበታተና ዘተባብዕ እዩ ክትብል ኣደ-ወንበር ዲሞክራስያዊ ክርስትያናዊ ሰልፊ፡ ኢባ ቦሽ ሶር ነቲ ፖሊሲ ወንጂላቶ። ቀንዲ ዘረባኣ ነቶም ብዕላማ ፍልሰት (ስደት) ንትሕቲ ዕድመ ደቆም ነባርነት ንምርካብ ናብ ሽወደን ድሕሪ ምልኣኾም ጸኒሖም ክስዕብዎም ኢሎም ንዝሓስቡ ስድራ ቤታት ኣመልኪታ ቅድሚ ኣብ …

Read More »

ኣብ ገለ ክፋል ሽወደን ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ በረድ ከምዝህሉ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ይሕብር።

ክፍሊ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ብቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ በረድ ኣብ መላኣ ሃገር ሎሚ ክህሉ ሙዃኑ ይሕበር። በዚ መሰረት ብምዕራባዊ ክፍሊ ሽወደን ጀሚሩ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ዝዝርጋሕ ጻዕቒ ዘለዎ በረድ ከምዝህሉ ይግመት። ኣብ ከባብታት ዳላርና፣ቫርምላንድ፣ገለ ክፋል ያቭለቡሪ፣ ያምትላንድን ቬስተርቦተን ናይ ምንሽርታት ሓደጋ ከስዕብ ስለዝኽእል ነባሪ እዘን ከባቢ ዝያዳ ጥንቓቐ ክብሩ የተሓሳስብ። ብዝተርፈ ግን ኣብ ከባቢ ስቫላንድ ካብ 10 ስጋብ 20 ሚ.ሜተር ዝዓቀኑ …

Read More »

ቱርኪ ካብ ሰኑይ ጀሚራ ምሩኻት ኣባላት ኣይሲስ ነናብ ሃገሮም ከምትመልሶም ገሊጻ።

መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ኣባላት ዳዕሽ ዝተፈላልየ ሃገራት ዝኾኑ ነናብ ሃገሮም ከምተፋንዎም ትገልጽ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ሱለይማን ሶይሉ ሃገሩ ካብ ሰኑይ ጀሚራ ምሩኻት ኣባላት ኣይሲስ ነናብ ሃገሮም ከምትመልሶም ምኻና ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ሓቢሩ እሱ ኣብ መግለጺኡ እቶም ዜጋታት ተፈላለያ ሃገራት ኤውሮፓ ዝኾኑ ምሩኻት ነናብ ሀገሮም ክንሰዶም ምኻና ነተን ሃገራት ከምዝሓበርወን ኣፍሊጡ ። ቱርኪ ሆቴል ናይ ኣባላት ኣይሲስ …

Read More »

ፖሊስ ኣብ ስዊሽ( swish)ኮምፑዩተር ፕሮግራም ክፍተት ብምህላዉ ይነቕፎ።

ናይ ኮምፑዩተር ፕሮግራም Swish ክፍተት ብምህላዉ ፖሊስ ይነቕፎ ኣብ ናይ ገንዘብ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም Swish ክፍተት (ነቕዕ) ከምዘለዎን፡ መንግስቲ ሽወደን ነዚ ብሽወደናውያን ኮነ ብነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ወጻእተኛታት ዓቢ ተጠቃምነት ዘለዎ ፕሮግራም ክቆጻጸሮ ከምዘለዎ ፖሊስ ሽወደን ጠለቡ ኣቕሪቡ። በዓል መዚ ፋይናንሳዊ ምቁጽጻር (Finansinspektionen) ብቐጥታ ነዚ ፕሮግራም (SWISH) ብዘይምቁጽጻሩ መሳርሒ ናይ ገለ ገበነኛታት ክኸውን ከምዝኻኣለ ኣብ ክፍሊ ሃገራዊ ስርሒታት ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንሳዊ …

Read More »

ጽባሕ 10 ሕዳር መዓልቲ ኣቦ ኣብ ሽወደን እዩ ብከመይ እዩ ከ ጀሚሩ?

ምክባር ባህሊ መዓልቲ ኣቦ ኣብ ሽወደን ካብ ኣመሪካ እዩ ተወሪሱ:: ተቀማጢት ግዝአት ዋሺንግቶን ስፖንዋ ዝኮነት ስማርት ዶዶድ ካብ ናይ መዓልቲ ኣደታት ዝመጸላ ሓሳብ እዩ:: ኣደ ሶነራ ኣብ ግዜ ሕርሲ ሻድሻይ ቆልዓ ኪትወልድ ዓሪፋ:: ሶነራ ድማ ሓንቲ ጛል ነቡኣ ዊልያም ጃክሶን ብምንባራ ን ኣቡኣ ኣብ ምዕባይ የሕዋታ ሓጊዛቶ:: ሶነራ ነቡኣ በይኑ ንኩሎም ስለዘዕበዮም ንዑ ንምዉዳስ ድማ ናይ ትውልዲ መዓልቲ ኣቡኣ 5 …

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ንኽንጥርዞም ዘይከኣልና ሕሉ’ፋት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከነጽንሖም ሕጊ ኣየፍቅድን’ዩ ይብል።

መንግስቲ ሽወደን ነቲ ብምኽንያት ን6 ብእስላማዊ ጥሩፍነት ዝተኸሰሱ ሰባት ምልቃቕ ዝዘነቦ ነቐፌታታት መልሲ ሂብሉ። ካብ ቀይዲ ክልቀቑ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ድሕሪ ናይ ምጥራዝ ፈተን ምፍሻሉ ቀጺሉ እኹል ዝኾነ ናይ ሕጊ ቀረብ ብዘይ ምርካቦም እዩ። መንግስቲ ሽወደን ነዞም ክሱሳት ክጥርዞም ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ብወገን ቤት ፍርዲ ግን ካልእ ሕጋዊ ርእይቶ ነይርዎ፡ እዚ ድማ፡ መንግስቲ ሽወደን በቲ ዓለማዊ ሕጊ ትቅየድ ሃገር ስለዝኾነት፡ ንዝኾነ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ንዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናትን ነትጒን ንምግታእ ኣ ፖሊስ ሽወደን ሓያል ምድላዋት ይገብር።

ፖሊስ ሽወደን ንዝፍጸሙ ዘለዉ ናይ ነትጒ ስርሒታት ንምግታእ ሓያል ምድላዋት ክገብር ምዃኑ ተመባጺዑ። ንዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናት ናይ ምግታእ መስርሕ ዝተሓላለኸ ክኸውን ከምዝኽእል ኣዛዚ ፖሊስ ሽወደን፡ ኣንድሬሽ ሶርንቤሪ ኣረጋጊጹ። ብምቕጻል፡ ከም ሓለቓ መርበብ ስለላ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ሶርንቤሪ ቀጺሉ፡ ብዝሒ ናይ ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ነትጒ ስርሒታት ሓደገኛን ኣሰካፍን ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ ሃገር ዝቕመጡ ሰባት ውሕስነት ንኽስመዖም ፖሊስ ሽወደን ዝካኣሎ ይገብር …

Read More »

ሆስፒታል ካሮሊኒስካ፡ 600 ሓካይምን ነርሳትን ዝርከብዎም ስራሕተኛታት ከፋኑ እዩ።

ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ካሮሊንስካ ሓካይም፡ ነርሳትን ኣብ መዳይ ኣገልግሎት ጥዕና ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዝነጥፉን 600 ሰራሕተኛታት ከፋኑ መደብ ከምዘለዎ ሎም ረቡዕ ኣብ ጋዜጣዊ ምግለጺ ኣቃሊሑ። እዚ ውሳኔ ከም ሓደ ክፋል ናይቲ ብሆስፒታል ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ምቛም ቅርጺ ምዃኑ እዩ። ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ዋጋ 950 ሚልዮን ክሮነር ዝግመት ናይ ጥዕና ትካላት ካብ ሆስፒታል ካሮሊኒስካ ናብ ካልእ ናይ ጥዕና ወገናት ተሰጋጊሩ። ኣብ ዓመተ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com