Sunday , May 19 2024

ገበን

ዋና ጸሓፊ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና: “ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲነታት: ኣዝዩ ሕማቕ እዩ”

ዋና ጸሓፊ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና: ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም: ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲነታት ኣዝዩ ሕማቕ ምዃኑ: ዓጸቦን ጥሜትን ብናህሪ ይጋገዱ ምህላዎም ገሊጹ። ኣብ ትግራይ: ኣገልግሎት ጥዕና ምዕናዎምን ጾታዊ ምድፋር ደቀንስትዮ ብሰፊሑ ይፍጸም ምህላዉን ድማ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ዂነታት: ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን ዝበለ ዶ/ ር ቴድሮስ: 4.5 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ: ህጹጽ ሓገዝ ረድኤት ከም ዘድልዮ ብዙሓት ድሮ …

Read More »

ኣብ ዲ/ሪ/ ኮንጎ፡ ደቀንስትዮ፡ ብሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሐን ምህላዉ ይገልጻ

ኣብ ምብራቕ ዲ/ሪ/ኮንጎ፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምልባዕ ለበዳ ኢቦላ፡ ገለ ደቀንስትዮ፡ ብሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝወረደን ገሊጸን። እዚ ቶንሶን ሮይተርስ ፋውንዴሽን ከምኡውን ኣገልግሎት ዜና ኒው ህዩማኒተርያን ዘውጽእዎ ሓድሽ ጸብጻብ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። እዘን ደቀንስትዮ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊስካ ካልኦት ኣህጒራውያን ውድባት ጾታዊ ኣገልግሎት ንኽህባ ክሰርሓ ከም እተገብራ ገሊጸን ኣለዋ። ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሰርሕ ሓደ ካሜሮናዊ፡ ናይ ስራሕ …

Read More »

ሓረስቶት ትግራይ፡ መሬቶም ከይሓርሱ፡ ተኸልኪሎም ተባሂሉ

ሓረስቶት ትግራይ፡ መሬቶም ንኸይሓርሱ ኮነ ኢልካ ዕንቅፋት ይግበር ምህላዉ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኣቃሊዑ። ንሱ እዚ ዝግበር ዘሎ እንድሕሪ ቀጺሉ ህዝቢ ትግራይ ንዝያዳ ጥሜት ክቃላዕ እዩ ኢሉ። ምክትል ሓላፊ ግዜያዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣበበ ገብረሂወት፡ ምስ ተሌቪዥን ትግራይ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እዞም ብስም ምኽባር ሕጊ ዝተዋፈሩ ሓይልታት፡ ዘርኢ ናብ ሓረስቶት ከይበጽሕ ምእንቲ፡ መንገዲ ከም ዝዓጸዉን፡ ሓረስቶት ናብ ማሕረስ ከይወፍሩ ይኽልከሉ ምህላዎምን ወሲኹ …

Read More »

ድሕሪ ምዕናው ሓጹር ቓዛ፡ ቴል ኣቪቭ፡ ብቦምባ ተደብዲባ

ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሓጹር፡ ብመጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምዕናዉ፡ ዕጡቓት ፍልስጤማውያን ናብ ከተማ እስራኤል፡ ቴል ኣቪቭ፡ 130 ሮኬታት ከም ዝተኰሱ ገሊጾም። ነበርቲ ቓዛ፡ ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ድሕሪ ዝመጾም ሓበሬታ፡ ኣብ ናይ ሰዓት ፍልልይ እቲ ሓጹር፡ ክዓኑ ከም እተገብረ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሰራዊት እስራኤል ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተተኰሰ ሮኬታት ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዕጡቓት ፍልስጤም የጥቅዕ ምህላዉ እዩ …

Read More »

10 ሰባት፡ ብገበን ስእለ ጽዩፍ፡ ተኸሲሶም

  ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ስቶክሆሎም፡ ፖሊስ ስቶክሆሎም፡ መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ 10 ኣድራሻታት ዝቕመጡ፡ ብስራሓት ገበን ስእለ ጽዩፍ (pornography ) ዝጥርጠሩ ሰባት፡ ሃድን ከምዘካየደ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ፈተሻ ሃድን፡ ኮምፕዩተራት፡ ሞባይላትን ካልእ ናይ ሓበሬታ መዐቀቢ መሳርሒታትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወን ምስቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ውልቀ ሰባት ድማ፡ መባእታዊ መርመራታት ከምዘካየደ፡ ፖሊስ፡  ኣፍሊጡ። …

Read More »

ኣብ ኣይዳሆ፡ ሓንቲ ህጻን፡ ሰለስተ ሰባት ኣቚሲላ

ኣብ ኣይዳሆ፡ ኣመሪካ፡ ሓንቲ ዕድሜኣ ኣብ 11 ወይ 12 እትገመት ተመሃሪት፡ ክልተ ተመሃሮን ሓደ ኣባል ስታፍን ብብረት ከም ዘቚሰለት ፖሊስ ገሊጾም ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። እዛ ስማ ዛጊት ዘይተጠቕሰት ናይ 6ይ ክፍሊ ተመሃሪት፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ብረት ሒዛ ድሕሪ ምምጻእ እያ ነዚ ገበን ፈጺማ ዘላ። እቶም ሰለስተ ግዳያት፡ ንሞት ዘቃልዕ መጒዳእቲ ከም ዘይገጠሞም፡ ፖሊስ፡ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለዉ። ሓንቲ መምህር ነታ …

Read More »

ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ANC) ደቡብ ኣፍሪቃ: ብምኽንያት ብልሽውና ኣብ ቊርቊስ ስልጣን ይኣቱ

ዋና ጸሓፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ANC) ደቡብ ኣፍሪቃ: ብክሲ ብልሽውና ክድስክል ዝተገብረሉ ኣገባብ ተቓዊሙ። እዚ ቅልስ ኣብ ውሽጢ እቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ: ምክፍፋል ምህላዉ: ዘመልክት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኤስ ማጋሹለ: ነቲ ዝቐረበሉ ክሲታት ኣይወዓልኩዎን ድሕሪ ምባል: ዘለዎ ስልጣን ብምጥቃም: ንፕረሲደንት ኪሪል ራማፎሳ: ከም ዘደስክሎ ገሊጹ’ሎ። እቲ ፕረሲደንት ብወገኑ: ብብልሽውና ዝኽሰሱ ኣባላት ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ: ስልጣኖም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት እንድሕሪ …

Read More »

ቀታሊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ሓድሽ መስርሕ ፍርዲ ንኽካየድ ጠሊቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ብቤት ፍርዲ፡ ገበነኛ ኮይኑ እተረኽበ ፖሊስ ሚንያፖሊስ ነበር፡ ደሪክ ሾቪን፡ ሓድሽ መስርሕ ፍርዲ ክካየድሉ ጠሊቡ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ልዕሊ ክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ን9 ደቓይቕ ብብርኩ እናረገጸ ብቪድዮ መርትዖ ዝቐረበሉ ሾቪን፡ ብቕትለት ገበነኛ እዩ ከም እተባህለ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ጠበቓኡ ንሾቪን፡ ግቡእ መስርሕ ፍርዲ ኣይረኸበን ብምባል ጉዳዩ ዳግማይ ክረአ ጠለብ ኣቕሪቡ’ሎ። ድሕሪ እቲ ዝተዋህበ ብይን፡ …

Read More »

ቅልውላው ትግራይ፥ 5000 ቆልዑ ብዘይ ወለዲ ምትራፎም ተገለጹ

ኣብ ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኲናት 5000 ህጻናት ብዘይ ወለዶም ከም እተዘናበሉ ህጻናት ኣድሕን ዝተባህለ ናይ ረድኢት ትካል ገሊጹ። ብዙሓት ካብዚቶም ናብቲ ተመዛበልቲ ብግዜያውነት ኣዕቊቦምሉ ዘለዉ ኣብያተ ትምህርቲን ካልእን ከም ዝበጽሑ ድማ ተገሊጹ። ሰባኣውያን ትካላት ንዝበዝሑ ክፋላት ክልል ትግራይ ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉን ህጻናት ብዘይወለዲ ከም ዝተረፉን ተመልኪቱ። ኲናይ ትግራይ ካብ ዝጅመር ንደሓር ዛጊት 1.7 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ጸብጻባት …

Read More »

ፖሊስ ጣልያን፡ 30 ናይጀርያውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ

ፖሊስ ጣልያን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተዋደደ ምእታው ስርሒት ብምግባር 30 ኣባላት “ጸሊም ፋስ” ዝተሰምየ፡ ስቱር ውድብ ጎሓላሉ ናይጀርያ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ቢቢሲ ሓቢራ። ብመሰረት ፖሊስ፡ እዚ ጉጅለ፡ ሰባትን ዕጸፋርስን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምስግጋር፥ ምስፍሕፋሕ ምንዝርናን ዓሎቕ ኢንተርነትን ሓዊስካ ልዕሊ 100 ክሲታት ቀሪቡሎም ኣሎ። እዚ ጒጅለ ቢትኮይን ብምጥቃም ስቱር ፋይናንሳዊ ዕድግታት ክገብር ብምጽንሑ እውን ክሲ ቀሪብሉ ኣሎ። “ጸሊም ፋስ” …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com