Monday , May 6 2024

ገበን

34 ሰባት፡ ኣብ ገማግም ጅቡቲ ጥሒሎም

ካብ ገማግም ሃገረ ጅቡቲ ብመንገዲ ባሕሪ ኣቢሎም  ናብ  ገማግም ሓውሲ ደሴት ዓረብ፡ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ጃልበኦም ብምግምጣላ፡ ብውሑዱ 34 ሰባት፡ ጥሒሎም ከምዝሞቱ በዓል መዚ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት IMO ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዞም ሰባት፡ ብመንገዲ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ኣቢሎም ናብ ገማግም ሓውሲ ደሴት ዓረብ ክኣትዉ ዝፍትኑ ዝነበሩ ምዃኖም ውን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ንዘይሕጋውያን ኣስገርቲ፡ ተኸታቲልካን ኣብ ትሕቲ …

Read More »

መንግስቲ ዱባይ፡ ዕርቃነን ቐሊዐን ዝተሳእላ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእቱ

ኣብ ከባቢ፡ ማሪና ዱባይ፡ ዕርቃነን ቀሊዐን ክሰኣላ እተረኽባ ደቀንስትዮ፡ ብምጥሓስ ስርዓት ሕብረተሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታወን ተገሊጹ። እዚ ብቐዳም ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት እተለጠፈ ስእሊታት፡ ዕርቃነን ዝወጻ ደቀንስትዮ፡ ስእሊ እናተላዕላ ዘርኢ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ካብዘን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ እተን 11 ዩክሬናውያን ዜጋታት ምዃነን ቆንስል ዩክሬይን ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። ሓንቲ ሩስያዊት እውን ካብዘን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዋ ደቂኣንስትዮ ምዃና ማዕከናት …

Read More »

ናይጀርያ: ልዕሊ 1800 እሱራት ኣምሊጦም ተባሂሉ

ኣብ ናይጀርያ፡ ሓደ ጉጅለ ዕጡቓት፡ ንሓደ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጥቅዖም 1800 ዝኾኑ እሱራት ምምላጦም ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም። እዞም ዕጡቓት: ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ እትርከብ: ኦወሪ እተባህለት ከተማ: እዮም ነዚ ስርሒት ዝፈጸሙ። ንሳቶም ተፈንጃሪ ሒዞም ናብ ቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታው፡ ነቲ ምምሕዳር ኣዕንዮም ነቶም እሱራት ከም ዝብተኑ ገይሮም። ካብቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩሞ ዘምለጡ፡ ዛጊት 6 ክምለሱ እንከለዉ፡ 36 …

Read More »

Harmony Media News 02/04/2021

Read More »

BBC፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ መርተዖታት ረኺቡ

ኣብ ትግራይ፡ ከባቢ ማሕበረ ዴጎ ዝተባህለት ዓዲ፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ጃምላዊ መቕተልቲ ሲቪላውያን ከም እተኻየደ ቢቢሲ ብመርትዖታት ምርግጋጹ ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብስም ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝጸውዖ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ነቲ ኣብ ትግራት ኣብ መሪሕነት ዝነበረ ህወሓት ካብ ስልጣን ምእላዩን ክሳብ ሕጂ ድማ ኲናት ይካየድ ምህላዉን ጸብጻባት የመልክቱ። ህወሓት፡ ነቲ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ …

Read More »

ኣህጒራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት (ICC)፡ ኣብ ጒዳይ “ተርሚኔተር” ውሳነ ክህብ እዩ።

መራሒ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ ዲ/ሪ/ኮንጎ ነበር፡ ቦስኮ ንታጋንዳ፡ ብገበን ኲናት ተፈሪዱ ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ይግባይ ጥርዓን፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ውሳነ ክወሃቦ ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ብ “ተርሚኔተር” ዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኣዛዚ፡ ብቅትለት 18 ሰባት፥ ጾታዊ ምድፋርን ቆልዑ ወተሃደራት ብምኽታብን ተኸሲሱ ኣብ 2019 ናይ 30 ዓመት ፍርዲ ከም እተበየነሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ጾታዊ ባርነት ብምጥቃም እተኸሰ ናይ መጀምርያ ሰብ ምዃኑ እውን ተገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብታ …

Read More »

ፋሽታ. . . ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣቋሪጹ

ሎሚ ሰኑይ፡ ናይ ንግሆ፡ ኣብ ፋሽታ፡ ስቶክሆሎም፡ ዝርከቡ 3000 ዝኾኑ ህንጻታት፡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከም ዘቋረጸን ናይዚ ምቁራጽ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ እቲ 10 ሽሕ ቮልት ዘመሓላልፍ ነሓስ ዝዓይነቱ ናይ ኤሌክትሪክ ስልኪ (ገመድ) ብሰረቕቲ ተቖሪጹ ተወሲዱ ክኸውን ከምዝኽእል ናይቲ ከባቢ ዜናዊት ጋዜጣ ሚት (Mitt) ሓቢራ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።

Read More »

Harmony Media News 22/03/2021

Read More »

ኣብ ማልመ፡ ዋጋ ሚልዮናት ዝትመን ንብረት ተራስዩ

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ከተማ ማልመ ዝርከብ ኖራ ግሬኘስፐሪስጎታን (Norra Grängesbergsgatan) ዝተባህለ ኣከባቢ ዝተኻየደ፡ ብቮርቪንተር (Vårvinter) ዝፍለጥ ስርሒት፡ ጥረ ገንዘብ፡ መካይን፡ ተሽከርከርትን ዝተሰርቀ ምዃኑ ዝጥርጠር ዋጋ ሚልዮናት ክሮነ ዝኸውን ንብረት ከምዝተራሰየ፡ ፖሊስ ማልመ፡ ኣብ ገጻት ፌስቡኩ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ስርሒት ቮርቪንተር፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ኣብ ጽርግያ ንዝሓልፋ መካይን ኣብ ምቁጽጻርን ዘቕነዐ ስርሒት እዩ። ኣብዚ ስርሒት፡ ብጀካ ፖሊስ፡ …

Read More »

ኢትዮጵያ. . . ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንትግራይ ምእታዉ ተኣሚኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ንመጀመርያ እዋን፡ ሰራዊት ኤርትራ ንትግራይ ምእታዉ ተኣሚኑ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ክልቲኣተን መንግስታት፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ጥሒሱ ናብ ትግራይ ምእታዉ ክኽሕዳ ምጽንሐን ይፍለጥ። ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ስለምንታይ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ክኣቱ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብናሉ፡ እቲ ዶባት ብዘይ ሓላዊ ብምትራፉ፡ ሰራዊት ትግራይ ከየጥቃዓንን ከይወረንን ብምባል ናብ ትግራይ ክኣቱ ተገዲዱ ክብል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንኣባላት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com