Sunday , May 19 2024

ገበን

Harmony Media News 21 04 2021

Read More »

ሓንቲ ሩዋንዳዊት ኣብ ዓሌታዊ ምጽናት ብዝነበራ ተራ ካብ ኣመሪካ ተሰጒጓ

ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ዓሌታዊ ምጽናት ሩዋንዳ ዝነበራ ተራ ብምሕባእ ንሳን ስድራቤታን ኣብ ኣመሪካ ዕቚባ ሓቲታ ዝነበረት ሓንቲ ሩዋንዳዊት ሓሶት ብምዝራባ ን 10 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሓ ናብ ሃገራ ክትስጐጒ ከም እተገብረት ቢቢሲ ሓቢራ። እዛ ኣመሪካዊ ዜግነታ ክትሕደግ ዝተገብረት ቢትሪስ ሙኘኘዚ ዝተባህለት ሰብ ኣብ 1998 እያ ኣብ ሩዋንዳ መስጐጒቲ ኣጋጢሙኒ ብዝብል ጒዳይ ምስ ሰለስተ ደቃ ኣብ ኣመሪካ ኣትያ። ንሳ ኣብ …

Read More »

መስርሕ ፍርዲ፡ ብሰንኪ ሰብ ሞቶር ሳይክል፡ ኣቋሪጹ

ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ሶደርቶርን (Södertörn)፡ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ፡ ብሰንኪ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ፍርዲ ብሞቶር ሳይክላት ዝተወጥሑ ሰባት ዝተፈጥረ ዕግርግርን ናብ ውሽጢ እቲ ቤት ፍርዲ ክኣትዉ ብዝገበርዎ ፈተነን፡ እቲ መስርሕ ከምዝተቛረጸ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እንታይ ከም ዘጋጠመ ዝፈልጦ የብለይን፡ እቲ ዝተቐበልክዎ ሓበሬታ፡ እቶም ሰባት፡ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ እቲ …

Read More »

ኤርትራ፡ ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ክትወጽእ፡ ኣመሪካ፡ ጸዊዓ

ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ንጹሃት ዜጋታት ምርሻን ኣበርቲዓ ከም ዝቐጸለቶ ዝሕብር ጸብጻብ፡ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ድሕሪ ምውጻኡ፡ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክትወጽእ ጸዊዓ። ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ክጽናዕ ድማ ጻውዒታ ኣቕሪባ’ላ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቶም ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት …

Read More »

Harmony Media News 14/04/2021

Read More »

ብሌይዝ ካምፓኦረ፡ ብቕትለት ሳንካራ ተኸሲሱ

ፕረሲደንት ቡርኪናፋሶ ነበር፡ ብሌይዝ ካምፓኦረ፡ ብቕትለት ቶማስ ሳንካራ ናብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ ክብል ን ወተሃደራዊ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ወኪል ቢቢሲ፡ ኖዌል ኤብሪን፡ ሓቢሩ። ብሌይዝ ካምፓኦረ፡ ኣብ 1987 ን ቶማስ ሳንካራ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ኣልዩዎ። ቶማስ ሳንካራ፡ ኣፍሪቃዊ ቼ ጉቬራ፡ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥን ኣዝዩ ፍቱው መራሒ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ። ካምፓኦረ፡ ኣብ 2014 ስልጣኑ ዘናውሕ ሕጊ ከርቅቕ ድሕሪ …

Read More »

Harmony Media Voice News 13/04/2021

Read More »

ቤልጁማዊት ኣቕራቢት ተሌቪዥን፡ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ይወርዳ

ሓደ በልጁማዊ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕራቢት ኲነታት ኣየር ዝኾነት ጸላም ጋዜጠኛ ተሌቪዥን፡ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝመልኦም መልእኽታት ብምስዳዱ፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ንዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልታት ክእሰርን 1600 ዩሮ ክቕጻዕን በይንሉ ኣሎ። እዛ ጸላም ጋዜጠኛ፡ ካብ ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ዓሌታዊ መልእኽታት ይመጻ እኳ እንተነበረ፡ ሕጋዊ ክሲ ዝቐረበሉ ግን እዚ ሰብ ጥራይ እዩ። ጋዜጠኛ ሰሲል ጁንጋ፡ ካብ 2018 ኣትሒዛ ብኣሕሉቕታ ከይተረፈ፡ ዓሌታዊ መልእኽታት ክበጽሓ …

Read More »

ናይጀርያዊ ሚኒስተር፡ ምስ ጉጅለ ቦኮ ሓራም፡ ርክብ የብለይን ይብል

ሚኒስትሪ መራኽቢታት ናይጀርያ፡ ዒሳ ፓንታሚ፡ ምስ ቦኮ ሓራም፡ ርክባት ኣሎካ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ክሲታት ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ’ሎ። ንሱ፡ ነተን ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ዝዘርግሓ ማዕከናት ዜና ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ብዛዕባ እከይ ሰረተ እምነት ቦኮ ሓራምን ካልኦት ሰባትን ቅድሚ 15 ዓመት ክምህር ዝጸናሕኩ ሰብ እየ። ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኣእትየ ብዛዕባ ሓደገኛነት ከምዚኦም ዓይነት እኲያት ጒጅለታት ክካታዕ ዝጸናሕኩ ዜጋ ከምዚ ክፍደ ኣይግባኣንን እዩ” ክብል …

Read More »

“ግሩፕ ኤስ” ብውጥን ግብረ-ሽበራ ናብ ቤትፍርዲ ክቐርቡ እዮም

መርመራ ናይ 11 ኣባላት፡ ሕሉፍ ጀርመናዊ ኣሸባሪ ጒጅለ “ግሩፕ ኤስ” ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት፡ ጀርመን፡ ከም ዝካየድ ተገሊጹ። እዞም ዕድሜኦም ኣብ ክሊ 16 ክሳብ 32 ዓመት ዝኾነ ኣባላት’ዚ ጉጅለ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ዝዝከር እዩ። እዚ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት፥ ኣስላምን ገለ ፖለቲከኛታትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከም ዝነበሮም ንኣኽባር ሕጊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com