Thursday , May 16 2024

ገበን

ቤልጄም: ሓሙሽተ መንእሰያት፡ ብጒጅለኣዊ ጾታዊ ዓመጽ ሓንቲ ህጻን ይኽሰሱ

ኣብ በልጄም፡ ሓሙሽተ መንእሰያት፡ ንሓንቲ 14 ዝዕድሚኣ ህጻን፡ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሞም ተኸሲሶም ኣለዉ። እታ ህጻን፡ እዚ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ወረዳ ኣብ ራብዓይ መዓልታ፡ ነፍሰ ቕትለት ከም ዝፈጸመት እውን ተገሊጹ። ስእልታት እዚ ጾታዊ መጥቅዕቲ ኣብ ኦንላይን ተዘርጊሑ ምህላዉ ማዕከናት ዜና በልጄም ገሊጸን ኣለዋ። ሰለስተ ካብቶም ጥርጡራት ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኮይኖም፡ ሕጂ ኣብ ተሃድሶ መንእሰያት ከም ዘለዉ፡ ክልተ 18 ን 19ን ዝዕድሜኦም …

Read More »

ቺቺልያዊ ማፍያ፡ ጆቫኒ ብሩስካ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ

እቲ “ሕሱም ቀታሊ” እናተባህለ ዝፍለጥ ሓለቓ ማፍያ ቺቺልያ፡ ጆቫኒ ብራስካ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍታሑ፡ ህዝቢ ቊጥዐኡ ይገልጽ ኣሎ ተባሂሉ። ኣካላት ህጻን ኣብ ኣሲድ ካብ ምሕቃቕ ኣትሒዙ ዝተፈላለየ ዘስካሕክሕ ገበናት ከም ዝፈጸመ ዝንገረሉ ሓለቓ ማፍያ፡ 100 ዝኾኑ ቅትለታት ምፍጻሙ ከም እተኣመነ ተገሊጹ’ሎ። ሓደ ካብ ግዳያቱ ድማ ኣኽባር ሕጊ ጆቫኒ ፋልኮን እዩ። ኣብ 1992 ዋና መርማሪ ጸረ ማፍያ ነበር፡ ጆቫኒ ፋልኮንን በዓልቲ …

Read More »

ዝዓበየ ኲባንያ መመስርሒ ስጋ: መጥቃዕቲ ሳይበር ወሪድዎ

ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ኲባንያ መመስርሒ ስጋ፡ JBS፡ ብዝተራቐቐ ሳይበር መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ተገሊጹ። መርበባት ኮምፕዩተር እዚ ኲባንያ በዚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምስርሳረን፡ ኣብ ሃገራት ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ካናዳን ዝነበረ ስራሕ ብግዜያውነት ደው ብምባሉን ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ብኣሉታ ተጸልዮም ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዕዳጋታት። ሕጽረት ቀረብ ስጋ ክህሉ ወይ’ውን ክብሪ ዋጋ ከኸትል እዩ ተባሂሉ’ሎ። በጃ ንኽኽፈሉ መጥቃዕቲ ሳይበር ዘካይዱ ጒጅለታት ገበን፡ ክንድዚ እንተ …

Read More »

ቫቲካን: ኣብ ልዕሊ ገበናት ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ዝተረረ መቕጻዕቲ ክትብይን ምዃና ሓቢራ

ዘይከም ቅድሚ ሕጂ፡ ቫቲካን፡ ጾታዊ ገበን ንዝፈጸሙ ዜጋታት፡ ኣብ ክንዲ ብስቱር፡ ብቓልዕ ክትውንጅል ምዃና ጳጳስ ፍራንሲስ ገሊጹ። በዚ ድማ ንኣርብዓ ዓመታት ጸኒዑ ዝነበረ ሕጊ ከም ዝቕየር ክገብር እዩ። ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ቫቲካን፡ ትሕቲ ዕድመ ንዝኾኑ ቆልዑ፡ ጾታዊ ምትንኻፍ ምግባር፡ ናይ ቆልዑ ስእለ ጽዩፍ ምውናንን ዝኾነ ዘይሕጋዊ ጾታዊ ተግባራት ከም ዝሽፈን ምግባር ብሕጊ ዘቕጽዑ ኽኾኑ እዮም። በዚ ድማ ጒዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ …

Read More »

ሓደ መምህር፡ ብተማሃሮኡ ተመሪዙ ከይከውን ይጥርጠር

ተማሃሮ ናይ ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ማርክ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ንሓደ መምህር ምሪዞሞ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጋዜጣ ቦሮስ ቲድኒን ( Borås Tidning) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብቲ ናይቲ መምህር መስተይ ማይ፡ ገለ ተወሰኽቲ ኬሚካላዊ ቀመማት ተረኺቦም ከምዘለዉ፡ መባእታዊ ሓበሬታ ረኺብና’ኳ እንተሃለና፡ ዝያዳ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ንጽበ ኣለና ክብል ካብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ’ቲ ከባቢ፡ ጉስታፍ ላንዝ፡ ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ። ኣብዛ ቤት ትምህርቲ …

Read More »

ኣብ ኮንጎ፡ ብዙሓት ሰባት ብመጥቃዕቲ ኣሸበርቲ፡ ሞይቶም

  ኣብ ምብራቕ ኮንጎ ኪንሻሳ፡ ዝርከብ ልቱሪ ኣብ ዝተባህለ ዞባ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ቁሽታት፡ ብግብረ ሽበራውያን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ 50 ሰባት ሂወቶም ከም ዝሰኣኑ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። በዚ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ቦጋ ዝተባህለት ቁሸት፡ 28 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ቻቢ ዝተባህለት ካልኣይቲ ቁሸት ድማ 22 ሰባት ምሟቶም ንምዕባለታት እቲ ከባቢ ዝከታተል ጸጥታዊ ውድብ ኪቩ፡ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ። ዓበይቲ ዓዲ እቲ …

Read More »

ኣብ ናይጀርያ፡ ዕጡቕ ጉጀለ፡ ንተመሃሮ ጨውዩ

ኣብ ናይጀርያ፡ ዞባ ኒጀር፡ ጉጅለ ዕጡቓት፡ ንተመሃሮ ከም ዝጨወዩ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እዞም ዕጡቓት፡ ትማሊ ሰንበት፡ ካብ ኣብ ከተማ ተጊና፡ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ቊጽሮም ዛጊት ዘይተፈልጠ ተመሃሮ ምጭዋዮም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ። ብመሰረት ምስክርነት መምህር እታ ቤት ትምህርቲ፡ በዚ መስርሕ ጭውያ፡ 150 ተመሃሮ ዝኣኽሉ ተማሃሮ ከም ተጨውዩ ይንገር። ኣብ ናይጀርያ፡ ተማሃሮ ጨዊኻ፡ በጃ ገንዘብ ምሕታት፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜናዊ …

Read More »

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንኣመሪካ ዝቛወም ሰልፊ ተኻይዱ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ነቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ቅልውላው ትግራት ዝወሰዶ ፖሊስ ዝቃወም ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት እተሳተፍዎ ሰልፊ ተኻዪዱ። ጆ ባይደን፡ ነቲ ድሮ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ፡ ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ሕቶ ምቕራቡ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝመጸ ዓሌታዊ ግርጭታት ኣመና ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ እዩ። ብኻልእ መዳይ፡ ክፍሊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ቊጠባውን ጸጥታውን እገዳ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ 44% ካብቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ጸረ ኮቪድ-19 ተኸቲቦም

ኣብ ሽወደን፡ 44% ካብቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ከም ዝተኸትቡ ጸብጻባት ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ። ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ሽወደን ን4,996,809 ሰባት፡ ክታበት ተዋሂቡ ኣሎ። ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ቁጽሪ ድማ፡ እቶም 3,640,423 ሰባት ሓደ እብረ ክታበት ዝተዋህቦም እዮም። እዚ ኣሃዝ ድማ 44.5% ናይቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት እዩ። እቶም ዝተረፉ 1,356,386 ድማ ክልተ እብረ  ክታበት ዝተዋህቡ …

Read More »

ብጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ዝተወሰነ ብይን: ከይተቐየረ ክጸንሕ እዩ

ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት: ናይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ: ተሓይሩ ዝርከብ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ዝኾነ ዳዊት ኢሳቕ ብዝምልከት: መባእታዊ መርመራ ንኽጅመር ዝቐረበ ጠለብ: ፋይሉ ክኽፈት ከምዘይክእል ውሳነ ተዋሂብዎ ምንባሩን ሕጂ ውን እቲ ውሳነ ብዘይ ለውጢ ከምዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብዕለት 12 ጥሪ: ኣኽባሪት ሕጊ ካሮሊና ቪስላንደር: ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሓድሽ ፋይል ንኸይክፈት ውሳነ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com