Monday , April 29 2024

ገበን

ኣመሪካ፡ ኣብ ጒዳይ ካሾግጂ፡ ምልምላም ኣርእያ ተባሂሉ

ቅድሚ ፕረዚደንት ምዃኑ፡ ብጒዳይ ቅትለት ኻሾግጂ፡ ንስዑዲ ዓረብ ዝዝልፍ ዝነበረን ብዛዕባ’ቲ ቅትለት ስለያዊ ጸብጻብ ክዳሎ ዝገብረን ጆ ባይደን፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብቲ ጒዳይ ምልምላም የርኢ ምህላዉ ተገሊጹ። ካብኡ ሓሊፉ ውን፡ ንሓው ናይቲ ብቕትለት ኻሾግጂ፡ ዝኸሶ ዝነበረ መሓመስ ሳልማን ዝኾነ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ኻልድ ቢን ሳልማን ቐይሕ ምንጻፍ ዘርጊሕሉ ኣሎ። ምስሊ መስፍን መሓመድ ቢን ሳልማንን ስዑዲ ዓረብን ብሓፈሻ ዳግማይ ንምሕዳስ ኣብ …

Read More »

ንገበነኛታት ዝምልከት ሓድሽ እማመ ቀሪቡ

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ብሕጋዊ ይኹን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ፡ ኣብዚ ሃገር ዝነብሩ ወጻእተኛታት ዝፍጽምዎ ገበናዊ ንጥፈታት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየ ብምምጽኡ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሃዋህዉ ሽወደን፡ ኣካታዒ ሕቶ ብምዃን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ብሽወደናዉያን ዜጋታት ዘይኮኑ ሰባት ዝካየድ ገበናዊ ንጥፈታት ንምዉጋድ፡ ብደረጃ መስርሕ ሕጊ፡ ንገበናዊ ንጥፈታት፡ ከም መምርሒ ሂወት ዝገበሩ ሰባት፡ ብናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ጥራይ፡ ካብ ሃገር ክጥረዙ ዘኽእል ስልጣን፡ …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ውን ክእሰሩ ኣለዎም ይብል

ዓቃባዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ገበነኛታት፡ ጽኑዕ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ከይተረፉ፡ ክእሰሩ ይግባእ ክብል ወሃብ ቃል ሕጋዊ ጉዳያት ናይቲ ሰልፊ፡ ዮሃን ፎርሰል፡ ንጋዜጣ ዳገንስ ደባት፡ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ድሕሪ’ቲ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡  ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ንሓደ ፖሊስ ከምዝቐተለ ብጥርጣረ ምትሓዙ እዩ። ሰልፊ ሞደራትና፡ ናእሽቱ መንእሰያት ንኽእሰሩ …

Read More »

እስራኤል፡ ነቲ ናይ ፍሌስጢማውያን ”ገንዘብ ሰማእታት” ኣደስኪላቶ

መንግስቲ እስራኤል፡ ነቲ ብኣህጉራዊ ስምምዕ ዝጸደቐ፡ ካብ ኣታዊታት ቀረጽ እታ ሃገር ተኣኪቡ  ንፍሌስጤም ዝዋሃብ ዝነበረ ብስም “ገንዘብ ሰማእታት” ዝፍለጥ ክፍሊት ንኽትትግብሮ ፍቓደኛ ከምዘይኮነት፡ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጣ ክብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ክሳብ 597 ሚልዮን ሸከልስ (1.5 ቢልዮን ክሮነር) ዝኣክል ገንዘብ፡ ብጽሒት ናይቶም ምስቲ ምስ እስራኤል ኣብ ዝፍጸም ዘሎ ግጭት፡ ኣዝማዶምን ቤተሰቦምን ዝሞቱ፡ ዝቖሰሉን ዝተኣኣስሩን …

Read More »

ዩኒቨርስቲ ዮቶቦሪ፡ ኣብ እዋን ፈተና ዝግበር ዓሎቕ እናዛየደ ምምጽኡ፡ ገሊጻ

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ተኸቲሉ፡ ኣብ ዮኒቨርስቲ ዮቶቦሪ፡ ተርእዮታት ዓሎቕ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ዮቶቦሪ ፖስተን ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዓመተ 2019፡ ዝተመዝገቡ ናይ ዓሎቕ ፍጻሜታት 102 ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ዓመተ 2020 ድማ እቲ ቁጽሪ ናብ 250 ክብ ኢሉ ከምዝነበረ ይዝከር።  ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ጥራይ፡ 199 ናይ ዓሎቕ ፍጻሜታት ከም …

Read More »

ፕረዚደንት ሃገረ ሃይቲ፡ ተቐቲሉ

ናብ ሎሚ ረቡዕ ዘውግሕ እዋን፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 1፡00 በቆጻጽራ እቲ ከባቢ፡ ፕረዚደንት ሃገረ ሃይቲ፡ ጆቬነል ሞይሰ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ እታ ሃገር፡ ፖርት ኦ ፕሪንስ፡ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ እንከሎ፡ ብዘይተፈልጠ ሰብ ብጥይት ተሃሪሙ ከምዝተቐትለ ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ክላውድ ጆሴፍ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና AFP ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። በዓልቲ ቤት እቲ ፕረዚደንት፡ ማርቲነ ሞይሰ፡ ውን ብጥይት …

Read More »

ኩባንያ ኩፕ፡ ኣገልግሎት ክህብ ክጅምር እዩ

ብሰንኪ ብሰርሰርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሳይበር፡ ካብ ዓርቢ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣስታት 800 ጨናፍር ናይ ኩባንያ ኩፕ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ደው ኢለን ምጽነሐን ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚረን ግን ገለ ክፋል ጨናፍር ናይቲ ኩባንያ ኣገልግሎት ክህባ ጀሚረን ከምዘለዋ ወሃብ ቃል እቲ ኩባንያ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ካብ ማእከላይ ቦታ ናይቲ …

Read More »

ሰርሰርቲ፡ ብሚልዮናት ዶላራት ዝበጽሕ በጃ ንክኽፈሉ ይሓቱ

ኣብ ልዕሊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኩባንያታት፡ ብመንገዲ ኢንተርኔት መጥቃዕታት ዘካይዱ ሰርሰርቲ (cyberattackers) ነቲ ዝዓጸውዎ ስርዓተ ኢንተርኔት ንኽኸፍቱ ክሳብ 70 ሚልዮን ዶላር ወይ ድማ 600 ሚልዮን ክሮነር ፡ በጃ ንኽኽፈሉ ከምዝሓተቱ ሮይተርስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ካብተን በዞም ሰርሰርቲ ዝተጠቕዓ ሽወደናውያን ኩባንያታት ኩፕ (Coop)፡ ኣፖቴክ ህየርታን (Apotek Hjärtat) ኤስ ጀ (SJ) ምንባረን ይፍለጥ። ረቪል (Revil) ዝተባህለ ጉጅለ ሰርሰርቲ፡ …

Read More »

ኣብ ናይጀርያ፡ ዕሸላትን ሓካይምን ተጨውዮም

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ፡ ከተማ ዛርያ፡ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ዕጡቓት ድሕሪ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ዕሸላትን ነርስታትን ተጨውዮም ከምዘለዉ መደበር ዜና እቲ ሃገር ሓቢሩ። ቊጽሪ ዝተጨውዩ ሰባት ክንደይ ምዃኑ ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለን እዞም ዕጡቓት ኣብ መደበራት ፖሊስን ማእከል ቲቢን ደዌን መጥቃዕቲ ብምክያድ ናብ ጫካታት ተሰዊሮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ፖሊስ፡ ግዳያት ንምርካብ ኮለላኡ ኣስፊሑ ይቕጽል ምህላዉ መንግስቲ እቲ ዞባ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ካዱና፡ …

Read More »

ብመንገዲ ቴሌፎን ዝካየድ ናይ ምድንጋር መስርሕ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ

ብመንገዲ ቴሌፎን ዝካየዱ ናይ ምድንጋር መስርሕ፡ እናዛየዱ ይመጹ ምህላዎም ኣብ ሽወደናዊ ሬድዮ ኢኮት ዝቃላሕ “ብስም ሕጊ”  “I lagens namn” ዝብል መደብ ከምዝገለጸ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ገለ ሰባት፡ ብመንገዲ ቴሌፎን ኣቢሎም ካብ ባንክ፡ በዓል መዚ መንግስቲ ወይ ድማ ካብ ኩባንያታት ኢና ንድውል ዘለና ብምባል፡ ንገለ ሰባት ናይ ገንዘብ ክፍሊት ንኸካይዱ ብምሕባር፡ ከደናግሩ ከምዝረኣዩ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2020: …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com