Sunday , April 28 2024

ገበን

ንገበናት ዝምልከቱ ሕግታት፡ ተቐይሮም

ብዙሓት ሰባት ብገበን ቅትለት ወድ ሰብ ተኸሲሶም ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝዋሃቦም ዝነበረ ንቡር ወይ ከኣ ትሑት ፍርዲ ብምቕያር ብዝላዓለ ማለት ብሕልፈትን ዝበዝሐ ዓመታት ማእሰርቲን ክቕጽዑ ከምዝግበር ንምንጭታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ብምጥቃስ፡ ጸብጻባት ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሮም። ብመስረት እቲ ዜና፡ ኮነ ኢልካ፡ ብጭካነን ንሕስያ ብዘይብሉ መገዲ ሰብ ምቕታልካ እንተተረጋጊጹ፡ ብዕድመ ልክዕ ፍርዲ ከፍርድ ዝኽል ሕጊ …

Read More »

ተጨውዮም ዝጸንሑ፡ 28 ናእሽቱ ተማሃሮ፡ ተለቒቖም

ኣብ ሰሜን ናይጀርያ፡ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዘጥቅዑ ዕጡቓት፡ 28 ቆልዑ ምፍናዎም ተገሊጹ። ዛጊት 81 ቆልዑ ምስዞም ጨወይቲ ምህላዎም ሓደ ካብዞም ኣሽማገልቲ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ትሕቲ ባፕቲስት ቤተክርስትያን ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ፡ ካዱና፡ 180 ተማሃሮ ከም ዝነበሩ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ 109 ተማሃሮ እቶም 28 ከም እተፈትሑ፡ ረቨርንድ ዮሴፍ ሃያብ፡ ይገልጽ። ሰብመዚ ናይጀርያ፡ ነዞም “ገጾም ዝጒልበቡ ሸፋቱ” እዮም …

Read More »

ጸጥታዊ ኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ንኽፍተሽ፡ ሓሳብ ቀሪቡ

ድሕሪ እቲ ኣብ ሄለብይ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ፡ ብኽልተ ብኸቢድ ገበን ዝተፈርዱ እሱራት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተገብረ መጭወይቲ ተኸቲሉ፡ በዓል መዚ ምምሕዳር ኣብያተ ማእሰርቲ ሽወደን፡ ኣብ ማእከላት ማእሰርትን ተሃድሶን ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታትን ኣሰራርሓን ክፍትሽ ከምዘሎዎ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ኣታሓሳሲቡ። ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ኣቶ ሞርጋን ጆሃንሶን፡ ፖሊስን ሰራሕተኛታት ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ነቶም በቶም ክልተ ገበነኛታት ጅሆ ዝተታሕዙ ኣባላት ምምሕዳር ማእሰርቲ …

Read More »

ኣብ ዘይተረኽብሉ መጋባእያታት፡ ዝተፈርዱ ሰባት ከምዘለዉ፡ ተገሊጹ

ኣስታት 700 ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ስለዘየለዉ፡ ኣብ ዘይተረኽብሉ መጋባእያታት ንማእሰርቲ ከምዝተፈርዱ፡ ንጸብጻባት  SVT ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብዙሓት ገበን ፈጺሞም ንማእሰርቲ ዝተፈርዱ ሰባት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንብዙሕ እዋናት እንተድኣ ጸኒሖም፡ ናብ ሽወደን ምስ ተመልሱ፡ እቲ ናይ መቕጻዕቲ ፍርዲ፡ ከምዝተርፍ እዩ ዝፍለጥ። ስለዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ ዘሎ ስርዓተ ሕጊ፡ ዳግመ ግምት ክገብረ ወሲኑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። መንግስቲ …

Read More »

Harmony News 21/07/2021

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዕግርግርን ናዕብን ይቕጽል

ንማእሰርቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ጃኮብ-ዙማ፡ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ኣብ ኣውራጃ ክዋዙሉ ናታል ጥራይ፡ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ምዕናዉ ተገሊጹ። በዚ ተላዒሉ ዘሎ ዕግርግርን ናዕቢን ኣብ ክዋዙሉ ናታል ጥራይ ክሳብ 40 ሽሕ ዝበጽሕ ናይ ንግዲ ቦታታት፡ ተዓጽዮም ምህላዎም ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ዝሰርሕ ሓደ ሚኒስተር ገሊጹ’ሎ። ልዕሊ 200 ዱኳናት ከም እተዘርፈን ኣብ ደርባን ጥራይ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር …

Read More »

ዒራቕ፡ ብመጥቃዕቲ ቦምብ፡ 35 ሰባት ይሞቱ

ኣብ ድሮ ዒድ ኣላድሓ፡ ኣብ ከተማ ሳድር፡ ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝርከብዎ ዕዳጋ፡ ኣል-ዋሒላት፡ ብዝተኻየደ ነፍሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 35 ሰባት ምሟቶምን ዓሰርተታት ሰባት ምቚሳሎምን ተገሊጹ። ዝተቘራረጸ ኣካላት ግዳያት፡ ኣብቲ ንዒድ ሽመታ ዘካይድሉ ዝነበሩ ዕዳጋ፡ ፋሕ ኢሉ ይረአ ምንባሩ ቢቢሲ ጸብጺቡ። ዛጊት 60 ዝኾኑ ቆሲሎም ምህላዎም ዘመልከተ ጸብጻብ ፖሊስ፡ ገሊኣቶም ካብዞም ቊሱላት ብኸቢድ ዝተሃስዩ ብምዃኖም ቊጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም …

Read More »

ካቲ ሃፕኪንስ፡ ካብ ኣውስትራልያ ተሰጒጋ

ብሪጣንያዊት ሕልፍቲ የማናዊት ኮመንታተር፡ ካቲ ሃፕኪንስ፡ ሕጊ ውሸባ ሆቴል ምጥሓሳ፡ ብጃህራ ክትዛረብ ስለ እተሰምዐት ካብ ሃገረ ኦስትራልያ ክትስጎጒ ከም እተገብረት ተገሊጹ። ዓሌታዊ ዘረባታት ብምውጻእ ብዙሕ ተቓውሞ ዝቐርበላ፡ ካቲ ሃፕኪንስ፡ ነቲ ቢግ ብራዘር ኣውስትራልያ ዝተባህለ ፕሮግራም ንምጅማር እያ ናብ ኣውስትራልያ ኣትያ። ንሳ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ካብ ሆቴላ ብቐጥታ ኣብ ዝመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ንጥብቂ ሕጊ ውሸባ ሆቴል እታ ሃገር “ብምሽክዓ” ብሓበን ክትገልጽ ከም እተሰምዐትን …

Read More »

Harmony News 19-07-2021

Read More »

ዳምቤሪ፡ ጭካነ ዝመለኦ ተግባር እዩ ክብል ንፍጻሜ ቶኽሲ ኮኒንዎ

እቲ ብቀዳም ምሸት፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሁዲንየ፡ ከባቢ ፍለሚንስቤሪ፡ ዘጋጠመ ገበናዊ ፍጻሜ ቶኽሲ፡ ኣብቲ ንጹሃን ህጻናት ዝጻወትሉን ዝንቀሳቐስሉን ኣከባቢ ብምፍጻሙ፡ ዘይሓላፍነታውን ጨካንን ተግባር እዩ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚኪኤል ዳምቤሪ፡ ድሕሪ’ቲ ሓደ ኣብ መዋእለ ህጻናትን ሓደ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ክልተ ናእሽቱ ህጻናት፡ ግዳይ ዝኾንዎ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ፍጻሜ፡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነይሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓሳባትናን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com