Tuesday , May 14 2024

ገበን

መንግስቲ ኢትዮጵያ: ነፋሪቱ: ብሓይልታት ትግራይ ኣይኮነትን ተሓምሺሻ ይብል

መንግስቲ ኢትዮጵያ: እታ ብረቡዕ ኣብ ክልል ትግራይ እተሓምሸሸት ነፋሪት: ብሰራዊት ትግራይ ተወቒዓ ዘይኮነትስ ብቴክኒካዊ ምኽንያት ምዃኑ ኣፈኛ ሰራዊት ኢትዮጵያ: ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብታ ነፋሪት ክንደይ ሰባት ምንባሮም ምንም ሓበሬታ ኣይሃበን። ሰራዊት ትግራይ: ብረቡዕ ሓንቲ C-130 ዝዓይነታ ነፋሪት ኲናት ኢትዮጵያ ብኣሃዱ ጸረ ነፈርቲ ወቒዑ ከም ዝሓምሸሸ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ኣብታ ነፋሪት ዩኒፎርም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ተሳፊሮም ምንባሮም ካብ ተርፈ መረፍ ዝተቓጸለ ኣካላት …

Read More »

ትግራይ፥ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ: ዓሰርተታት ይሞቱ

ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ: ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዕዳጋ ቶጎጋ: ኣብ ዝገበራኦ ደብዳብ ዓሰርተታት ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ። በዚ መጥቃዕቲ: 60 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 40 ድማ ከም ዝቘሰሉ: ቢቢሲ: ንሓኪም ሆስፒታል ዓይደር ብምጥቃስ ገሊጻ። ቶጎጋ: ካብ ርእሰ ከተማ ትግራይ: 25 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ እያ። ሰራዊት ኢትዮጵያ: ሲቪላውያን ዕላማ ኣይገብርን እዩ፥ እዚ መጥቃዕቲ: ግብረ ሽበራውያን ንምጥፋእ እዩ ተጌሩ …

Read More »

ንጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዝቐተለ መንእሰይ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቦትሺርካ፡ ኖሽቦሪ፡ ንሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዝቐተለ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ መንእሰይ፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ቅትለት ገበናት ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ፡ ምስቲ ኣብ ዕለት 02/08/2020 ዘጋጠመ መቕተልቲ ናይታ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ምትሕሓዝ ከምዘለዎን በዚ ገበን ድማ ኣብ …

Read More »

ግሪኻዊ ፓይለት: ንበዓልቲ ቤቱ ይቐትል

32 ዝዕድሜኡ ግሪኻዊ ፓይለት: ንብሪጣንያዊት በዓልቲ ቤቱ: ምቕታሉ ተኣሚኑ። እዚ ገበን ኣብ ግሪኽ ዓብዪ ስንባደ ፈጢሩ’ሎ ክትብል ወኪል ቢቢሲ ሓቢራ። ባቢስ ኣናግኖስቶፖሉስ: ኣብ ቀብሪ በዓልቲ ቤቱ ድሕሪ ምስታፉ ብፖሊስ ንኽሕተት ከም እተወስደ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ: ሰልስተ ጎሓላሉ ቤቶም ሰቢሮም ንእኡ ድሕሪ ምእሳር ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሙ ደጋጊሙ ምግላጹ ይሕብር። እንተኾነ ግና ፖሊስ ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ድሕሪ ዝገበርዎ መርመራ ነቲ ዝሃቦ …

Read More »

ሰርብያዊት ስፖርተኛ፡ ብሰንኪ ዓሌታዊ ተግባራ ካብ ጸወታ ቮሊቦል ትእገድ

ሃገራውያን ጋንታታት ቮሊቦል ሰርብያን ታይላንድን  ኣብ ዘካይደኦ ዝነበረት ጸወታ፡ ኣዒንታ ብምጭምጫም፡ ከተናሹ ብምፍታና ብክሲ ዓሌትነት ንኽልተ ጸወታታት ተኣጊዳ። እዛ ሳንጃ ዡርዢቪች፡ ዝተሰምየት ተጻዋቲት፡ ናብ ካሜራ ብምቕራብ ኣዒንታ በጻብዓ እናጨምተለት ከም እተራእየትን እዚ ድማ፡ ካብ ተዓዘብቲ እቲ ጸወታ ዓብዮ ተቓውሞ ምስዓቡን ተፈሊጡ። በዚ ድማ ሳንጃ ሃገራ ምስ ካናዳን ቤልጁምን ኣብ ትገብሮ ጸወታታት ኣይክትሳተፍ እያ። ሳንጃን ፈደሬሽን ቮሊቦል ሰርቢያን በቲ ኲነታት ይቕሬታ …

Read More »

ሶርያ፡ ብእስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር፡ ከም ዝወረዳ ትገልጽ

ትማል ሰሉስ፡ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ማእከላይ ሶርያ ከም እተፈጸመን ኣብ ከተማ ደማስቆ ነትጒ ከም እተራየን ኣገልግሎት ዜና ሶርያ ገሊጹ። እዘን ነፈርቲ ኲናት እስራኤል ክሊ ኣየር ሊባኖስ እናጠሓሳ ይመጻ ምህላወን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ ዕንወይ ወይ ሞት ብዛዕባ ምህላዉ ኣይጠቐሰን። እንተኾነ ግና ተዓዛቢ መሰል ደቂ ሰባት ሶርያ ዝተሰምየ ትካል፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ወተሃደራት መንግስቲን ሰለስተ ካልኦትን …

Read More »

ቱሩዶ፡ ብዓባይ መኪና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ እዩ

Trudeau on the truck attack: “Terror attack” ኣብ ሎንዶን፡ ካናዳ ኦንታርዮ፡ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ እስላማዊት ስድራቤት ዝተፈጸመ ናይ ዓባይ መኪና መጥቃዕቲ፡ ኣርባዕተ ካብ ኣባላት እታ ስድራቤት ምሟቶም ሓደ ድማ ብኸቢድ ተሃሪሙ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ከምዘሎ፡ ፖሊስ፡ ድሕሪ ምሕባሩ እቲ ፍጻሜ ናይ ጽልኢ ፍጻሜ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ጃስቲን ቱሩዶ፡ ነቲ ፍጻሜ፡ ኮነ …

Read More »

ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ንህዝቢ ሳሚ፡ ይቕሬታ ክሓትት ወሲኑ

ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ንህዝቢ ሳሚ፡ ብሰንኪ ዝወረዶም ታሪኻዊ ግህሰት፡ ወግዓዊ ይቕሬታ ክሓትት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ጸሊም ታሪኽ ምዝካሩ፡ ዝጎድኣና’ኳ እንተኾነ፡ ክንኣምነሉ ግን ይግበኣና። ንህዝቢ ሳሚ ምጥላምና፡ ንነብስናን ንፈጣሪናን ጠሊምና ማለት እዩ። እዚ ሕጂ ብቦርድ ቤተ ክርስትያን ሽወደን ክውሰድ ተመዲቡ ዘሎ ወግዓዊ ናይ ይቕሬታ መልእኽቲ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ክብል ሊቀ-ጳጳሳት ኣንቴ ጃኬሊን (Antje Jackelén) …

Read More »

ኣብ ቡርኪና ፋሶ ብዝተኻየድ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ: 160 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቡርኪና ፋሶ: ዕጡቓት ብዝገበርዎ መጥቃዕቲ: ብውሕዱ 160 ሰባት ምሟቶም: ሰብ መዚ መንግስቲ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠሙ መጥቃዕታት፡ ዛጊት እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ብቐዳም ዝተገብረ መጥቃዕቲ፡ ዕዳጋ ገጠር ሶልሓን፡ ብምልኡ ከም ተቓጸለ ተሓቢሩ። ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የለን ተባሂሉ’ሎ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ብትሪ ድሕሪ ምዂናን፡ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ …

Read More »

ናይ ለይቲ ኣውቶቡሳት፡ ብሰንኪ ውራ እምኒ፡ ስረሐን ኣቋሪጸን

ኣብ መስርመር ኡፕሳላን ሳላን ዝሰርሓ ቁጽሪ 848 ዝኾና ናይ ለይቲ ኣውቶቡሳት፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊአን ዝወረደ ውራ እምኒ፡ ብተኸታታሊ ንሳልሳይ ለይቲ፡ ጉዕዘአን ኣቋሪጸን ከምዝጸናሓ  ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኖቢና ንጋዜጣ ኡፕሳላ ንያ ቲድኒን ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዘን ኣውቶቡሳት፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ፡ ለይታዊ ስርሐን ክጅምራ ምኻነን ዝገለጸ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ እቲ ጸገም እንተድኣ ቀጺሉ ግን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com